2014-01-23 17:03:00

ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮ ንዓለም ለኸ መጋባእያ ኤኮኖሚ መልእኽቲ ሰዲዶም ፡




አብ ስዊጸርላንድ አብ ዳቮስ -ክሎስተርስ World economic Forum ዓለም ለኸ መጋባእያ ኤኮኖሚ ይካየድ ከም ዘሎ ክዝከር ከሎ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ መጋብእያ መልእኽቲ ክሰዱ ናይቲ መጋባእያ ፕረሲዳንት ፕሮፈሶር ክላውስ ሽቫብ ብዘቅረብዎ ሐሳብ መሰረት ፓፓ ፍራንቸስኮ ነቲ መጋባእያ መልእኽቲ ከም ዘተሐላለፉ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ። ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንፕሮፈሶር በመጀመርያ ንክላውስ ሽቫብ አመስጊኖም ፡ ዓለም ለኸ መግባእያ ኤኮኖሚ መሰረታዊ ጠንቂ ናይዚ ብዓለም ለኸ ደረጃ ዝርኤ ዘሎ ቅልውላው ኤኮኖኖሚ ክድህስስ ክብርን ግርማን ወዲ ሰብ ተዓቂቡ ኤኮኖሚ ንአገልግሎት ህዝቢ ከም ዝውዕል አብ ግብሪ ዝትርጐመሉ ኩነታት ክረክብ ብዓለም ለኸ ደረጃ ጸረ ጥሜት ወፈራ ክካየድ ፡
አብ ዓለም ዘለዉ ስደተኛታት ሽግሮም ዝቀለሉ ሜላ ክደሊ ትሕዝቶ ዘለዎ መልእኽቲ ንዳቮስ ከም ዝልአኹን ፡ እቲ መልእክቲ አብ ቅድስቲ መንበር ብናይ ፍትሕን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብብፁዕ ካርዲናል ፒተር ታክሰን ነቲ ዓለም ለኸ መጋባእያ ኤኮኖሚ ከም ዝተነበን ተፍሊጡ አሎ ።እቲ ፓፓ ፍራንቸስኮ ንዳቮስ ዝተላእከን ብብፁዕ ካርዲናል ፒተር ታክሰን ዝተነበን መልእኽቲ አብ ዙርያ ዓለም ብዝሐት ሰባት ብዋሕዲ መግቢ ይሳቀዩ ከም ዘለዉን ነዚ ማሕበራዊ ዘሕዝን ሽግር”ዚ መጋባያ ዳቮስ ብጥልቂ ክዝትየሉን ተስፋ ዝህብ ውጽኢት ከረክብን ተስፋ ከም ዘለዎም ጠቂሱ ፡ኤኮኖኖምን ፖሊቲካን ክብርን ግርማን ወዲ ሰብ ማእከል ብምግባር ንኹሉ ሰብ ዝሐቁፍ ናይ ሐባር ሰናይ ዝኸውን ምንቅስቃስ ከካይድ ይምሕጸን።አተሐሒዙ ንኹል ሰብ ዝኸውን መግቢ ንከንቱ ክጠፍእ ከም ዝርኤን በሽሓት ዝቁጸር ህዝቢ ዕለታዊ መግቢ ስኢኑ ክሳቀን ከመውትን ምርአይ አዝዩ ዘሕዝን ከም ዝኾነ ክአ አመልኪቱ ።ብዓለም ለኸ ደረጃ ክብሃል ብዝክአል መልክዑ ብወገን ጥዕና ትምህርትን መራኸቢ ብዙኀንን ንኹሉ ሰብ ጽቡቅ ውጽኢት ስለ ዝተረኽበ ምዕባሌ ክንአድ ዝግብኦ ከም ዝኾነ ዘመልከተ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዳቮስ ዝልአኽዎ መልእክቲ ጠቂሱ በዚ መልክዕ ብዓለም ለኸ ደረጃ ድኽነትን ግጭትን ክግታእ ከም ዝግባእ አተሐሳሲቡ ።
መልእኽቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ቀጺሉ ካብ አብ ምምዕባል ወይ ክአ ድሕሪት ዝተረፋ ሀገራት ብዝተፈላለየ አሉታዊ ተጽዕኖን ንዝሐሸ ናብራን ካብ ቤት ንብረቶም ወጺኦም ምድረ በዳን ባሕርን አቃሪጾም ኤውሮጳ ዝአትዉ ስደተኛታት ልዕሊ ኹሉ ሰብአዊ መሰሎምን ባህሎምን ክዕቀበሎም ከም ዝግባእን ብዘይሸለልትነት አብ ሕብረተ ሰብ ተዋሂዶም ብሰላም ክነብርሉ ዘኽእሎም ኩነታት ክርከብ ከተሐሳስብ ይድሊ ዝበለ መልእኽቲ ፓፓ ፍራንቸስኮ ስደተኛታት ሕይወቶም ከውሕሱ አብ ጉዕዞ ከለዉ ዘጋጥሞም ሞትን ስቃይን ሕልና ወዲ ሰብ ዝትንክፍ ዘሕዝን ከም ዝኾነ የገንዝብ።ካብ ሕጊ ወጻኢ ንሰባት ምሻጥን ምልዋጥን ዘበናዊ ፍጹም ባርነት ከም ዝኾነን ነዚ ኢ ሰብአዊ ዘስካሕክሕ ተግባራት ዝፍጽሙ ሰባት ክግትኡ ከም ዝግባእ እዚ ክትርድኦ ዘጸግም እኩይ ተግባር”ዚ ክገትእ ዝኽእል ፈውሲ ክረክብን ክአ የተሐሳስብ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝነበሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዘተሐላለፍዎ Caritas in veritate አብ እውነት ዝተመርኮሰ ፍቅሪ ወይ ክአ ሐቂ ዘለዎ ፍቅሪ ዝተሰየመ ሐዋርያዊ መልእክቲ ጠቂሶም ክአ ኤኮኖምያዊ ማዕርነት ጥራሕ ዘይኮነ ክብሪ ሰብ ማእከል ዝገበረ ማዕርነት ከም ዘድሊ ንኹሉ ብማዕረ ዘሳትፍ ሀብቲ ዓለም ክህሉ ዝበዝሕ ሀብቲ ብውሱናት ሰባት ወይ ክአ ማሕበረ ሰባት ዝተባሕተ ክኸን ከም ዘይግባእን እዚ ንምግባር ክአ ካብ ስስዔ ምርሐቅ ከም ዘድሊ መልእክቲ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ አገንዚቡ።ንዋት ማለት ሀብቲ ንሰብ ከገልግል ድአምበር ንሰብ ከማሕድር አይግብኦን ፍትሕን ርትዕን ክሰፍን ክአ ንኽብርን ግርማን መሰልን ወዲ ሰብ ቀዳምነት ምሀብ ከም ዘድሊ ክአ እቲ መልእኽቲ አመልኪቱ ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ አብ ዳቮስ ስዊሰርላንድ ዚካየድ ዘሎ ዓለም ለኸ መጋባእያ ኤኮኖሚ ዝልአኽዎ መልእኽቲ ኢቲ ጉባኤ ብጽቡቅን ብዓወትን ክዛዘም ናይ ነፍስ ወከፍ ሐላፍነት ከም ዝኾነ ብምዝኽኻር ሰላምን ቅሳነትን ጽቡቅ ውጽኢትን ብምምናይ ተዛዚሙ ።እዚ አብ ዳቮስ ዚካየድ ዘሎ ዓለም ለኸ መጋባእያ ኤኮኖሚ”ዚ ንመበል 44 ግዚኡ ይካየድ ከም ዘሎ ክፍለጥ እንከሎ ናይ አርብዓ ሀገራት መርሕቲ መንግስታት ዝርከብዎም ክልተ ሺሕ ሐሙሽተ ሚእትን ወኪላትት ሀገራት ሐቆፍ ማሕበራትን አብያተ ክርስትይናትን በሰላት ኤኮኖምን ዘሳተፈ መጋባእያ ኢዩ ። ብውገን ቤተ ክርስትያን አብ ቅድስቲ መንበር ናይ ፍጥህን ሰላምን ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብጹዕ ካርዲናል ፒተር ታክሰን አብ ናይጀርያ ናይ ርእሰ ከተማ አቡጃ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ኦናየካን አብ ፍልፒን ናይ አውራ ከተማ ማኒላ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል አንቶንዮ ታግለ አብ ረፓብሊክ አየርላንድ ናይ ዳብሊን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ አቡነ ዲያርሙይድ ማርቲን ከምኡ ክአ ናይ ባይቶ ሕቡራት ሀገራት ዋና ጽሐፊ ባን ኪሙን ፕረሲዳንት ባንክ ሕብረ ኤውሮጳ ማርዮ ድራጊ ይርከብዎም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.