2014-01-16 16:14:40

ሕቡራት መንግስታት ዓለም


RealAudioMP3 ኣብ ሶሪያ ብጠቕላላ ኣብ 17 ሃገራት ዝነብር ሕዝቢ ብስእነት መግቢ ሕይወቱ ንሓደጋ ከምእተቓልዔን ካብዚ ስግእት መታን ክላቐቕ ሕጹጽ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮ ናይ ሕቡራት መንግስታ ዓለም ጸብጻብ የመልክት።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ቀረብ ኣወሃሃዲ ማሕበር ነቲ ብስእነት መግቢ ሕይወቱ ንሓደጋ ዝተቓልዔ ሕዝቢ ኣብ 2014 ዓ.ም. ናይ ልዕሊ 13 ሚሊያርድ ዶላር ዝግመት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮን ብጠቕላላ ኣብ 17 ሃገራት 52 ሚሊዮን ዝግመት ሕዝቢ ሕይወቱ ንሓደጋ ተቓሊዑ ከምዝርከብን፣ መብዛሕቱኡ ናይዘን ሃገራት ሕዝቢ መሰረታዊ ረድኤትን ንሕይወት ኣገዳስን ሓገዝ ክረክብ ካብ ዓመጽ ገዛእ ራእሱ ንምድሓንን ኣብ ውሽጢ ሃገሩን ወጻእን ክመዛበልን ክስደድን ይግደድ ከምዘሎን ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣወሃሃዲ ማሕበር መግለጺ የመልክት።
ኣብ ደቡን ሱዳን ልዕሊ 600 ሺሕ ተመዛበልቲ ኣብ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ልዕሊ 800 ሺሕ ተመዛበልቲ ከምዘለዉን ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐ 2 ሚሊዮንን 7 ሚእቲ ሺሕ ተመዛበልትን ልዕሊ 6 ሚሊዮን ድማ ብስእነት መግቢ ይሳቐ ከምዘሎን፣ ኣብ ማሊ እውን ልዕሊ 2 ሚሊዮን 7 ሚእቲ ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ብዝተመጣጠነ መግቢ ስእነት ከምእተጠቕዔን ኣብ ከባቢ ሳሔል ልዕሊ 16 ሚሊዮን ከምኡ እውን 3 ሚሊዮን ኣብ ሶማሊያ ብስእነት መግቢ ይሳቐይ ከምዘሎ ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ኣወሃሃዲ ማሕበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.