2014-01-07 16:07:07

በዓለ አስተርእዮ፦ ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔርን ቅዱስ ኣቦና


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ትማሊ ዕለት 6 ጥሪ 2014 ዓ.ም. በዓለ አስተርእዮ ዘእግዚእነ ከምዘብዓለት ክምልከት እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብበዓለ አስተርእዮ ምኽንያት ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ልዕሊ 80 ሺሕ ዝግመቱ ምእመናን ዝተሳተፍሉ ድሕሪ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ፍርቂ መዓልቲ ጉባኤ ኣስተምህሮን ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸቺሊያ ሰፒያ ኣመልኪተን።
እቶም ካብ ሃገረ ምብራቕ ብምብራቕ ብዝበረቐ ኮኾብ ተመሪሖም ነቲ ዝተወልደ ንጉስ ኣይሁድ ንኸምልኽዎን ንኽሰግድሉን ክቡር ህያብ ንኸቕርብሉ ዝተበገሱ፦ “እግዚኣብሔር ንዅሉ ዋላ ነቶም ዘይደልይዎ እውን ክፍሊ ሕዝበ እግዚኣብሔር ንኽኾኑ ዝጽውዕ ምዃኑ የረጋግጹልና” ዝብል ቀዉም ሓሳብ ዘማእከለ ኣስተምህሮ ጉባኤ ከምዝለገሱ ልኡኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰፒያ ሓቢረን።
“በዓለ ኣስተርእዮ ክልተ ምንቅስቃሳት፣ ክልተ ዓይነት ጉዕዞ ይሕብረና። እቲ ሓደ እግዚኣብሔር ናብ ዓለም ናብ ሕዝብን እቲ ብኢየሱስ ዝፍጸም ጉዕዞ ናይ ምድሓን ታሪኽ ዘመልክት ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ሕደ ድማ ሕዝቢ ናብ እግዚኣብሔር ዝገሮ ጉዕዞ እዩ። ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ንሕሰብ ሓቂ ንምድላይ ዝግበር ጻዕሪ ንመልከት፣ ናብ ሰላም ክብጻሕ ዝግበር ጉዕዞ፣ ውሽጣዊ ሰላም ንምርካብን ፍትሕን ነጻነት ንምዕታር ዝግበር ጉዕዞ ንዘክር፣ እዚ ክልተ ዓይነት ምንቅስቃስ ንሓድ ሕዱ ተሰሓሓብን ተማራኽ እዩ፣ ብጋሴን ጅማሬን ናይቲ ምንቅስቓስ መንእ ዩ? ወትሩ እግዚኣብሔር እዩ። ቅድሚ ንሕና ናብ እግዚኣብሔር ፍቕሪ እግዚኣብሔር እዩ ናባና ዝመጽእ። ተበግሶ ናቱ እዩ። ንሱ ይጽበየናን ይዕድመናን እዩ። ተበግሶ ግን ናቱ እዩ” ከምዝበሉ ሰፒያ ሓቢረን፣ ቀጺሎም፦ መላእ ቤተ ክርስቲያን ኣብቲ ናይ ዓለም ናብ እግዚኣብሔር ጉዕዞ ውሳጤ እያ ዘላ፣ ሓጎሳ ወንጌልን ናይ ክርስቶስ ብርሃን ምስትንታንን እዩ። ቤተ ክርስቲያን፦ እቲ ክልተ ዓይነት ስሕበትን ምምራኽን ዝነብርን ተመክሮ ዝገብርን እቲ ስሕበት ኣብ ውሽጡ ዘንብርን ኣብ ልቡን ሕይወቱን ዝዕቅብ ሕዝቢ እያ። ነኣኻ ካብ እግዚኣብሔርን ቤተ ክርስቲያንን ርሒቕካ ንእትንበር ንኣኻ እውን ጐይታ ይጽውዓካ ኣሎ፣ ይደልየካ ኣሎ ክንብል ክንደይ ደስ የብል፣ ጐይታ ኣስዳዒ ሰባኪ ኣይኰነን፣ ፍቕሪ ዝህብ ፍቕሪ እዩ። እዚ ፍቕሪ እዩ ዝደልየካን ዝጽበየካን ንኣኻ ኣብዚ እዋን’ዚ ዘይትኣምን ርሑቕ ንዘለኻ እወ ይጽውዓካ ኣሎ። እዚ እዩ ፍቕሪ እግዚኣብሔር” ምስ በሉ ነተን በዓለ ልደት ዕለት 7 ጥሪ ንዘብዕላ ናይ ምስራቕ ስርዓት ዝኽተላ ካቶሊካውያንን ካልኦት ኣቢያተ ክርስቲያንን ርሑስን ቅዱስ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ተመንዮም፣ እቲ ስጋና ለቢሱ ዝውለድ ኢየሱስ ነተን ኣብ ጽንክር ኩነት ዝርከባ ኣቢያተ ክርስቲያንን ማሕበረ ክርስቲያን ማእከላይ ምብራቕን ከጽንዕን ድጋፍ እውን ክኸውን ብኣማላድነት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጾሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም፣ ርሑስ በዓለ ኣስተርእዮ ዘእግዚእነ ተአመንዮን ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰፒያ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.