2014-01-04 16:08:53

ኣባ ሎምባርዲ፦ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ንኢየሱሳውያን ዓሚዩቕ ሕውነታዊ መንፈሳውነት ገሊጾም


RealAudioMP3 ዕለት 3 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ብኢየሱሳውያን ማሕበር ኣብ እትመሓደር በዓል ቅዱስ ስማ ዘኽበረት ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሱስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብላቲን ስርዓት በዓለ ቅዱስ ስም ኢየሱስ በዓለ ቅዱስ ስም ማሕበር ኢየሱሳውያን ምኽንያት ብናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ጠቕላሊ ሓለቓ ኣባ ኣዶልፎ ኒኮላስ ተሰንዮም ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ በሸሓት ዝቑጸረ ካህናት ኢየሱሳውያን ከምእተሳትፉ ክምልከተ እንከሎ፣ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ርጉእን ሕጉስን ቤተሰብኣዊ መንፈስ ዝዓሰሎን እቲ በዓል ድማ በዓል ቅዱስ ስም ኢየሱስ ብምንባሩ ንማሕበር ኢየሱሳውያን ፍሉይን ዓቢይን በዓል ኢዩ። በዓል ቅዱስ ስም ማሕበር ኢየሱሳውያን እዩ።
ድሕሪ ኣዋጅ ቅድስና ቀዳማይ ሰዓቢ ናይ ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘ ሎዮላ ፒየትሮ ፋቭረ ዝተብዓለ በዓል ብምዃኑ ድማ ብሓቂ እቲ በዓል ድርብ በዓል ኰይኑን ማሕበር ኢየሱሳውያን ምልስ ቢሎም መንፈሳውነት መበቆሎም ካብቲ ንኢየሱስ ክርስቶስ ዘለካ ዓሚዩቕ ውልቃዊ ርክብ ዝምንጭ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ብዕምቆት ክነበሩ ዘተሓሳስብ እዋን ምዃኑ ገሊጾም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኩላትና ከምእንፈልጦ ወዲ ማሕበር ኢየሱሳውያን እዮም ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ኢየሱሳዊ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኰይኑ ክሕረዩ ናይ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ፈለማም እዩ፣ ስለዚህ ናይ ኢየስሳውያን መንፈሳውነት ዝፍልጥዎን ጸዋዕታኦም እውን ብምዃኑ ኣብ ቅዳሴ ብዛዕባ ቅዱስ ስም ኢየሱስን ቀጺሎም ድማ ኣብ ተክለ ሰብእነትን መንፈሳውነትን ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረ ኣማእኪሎም ዘስምዕዎ ስብከት፦ ስም ኢየሱስ ብዅሉ ንኽፍለጥን ስም ኢየሱስ ጥራሕ ዘይኰነ ኣብ ኩሉ ኣብ ሓጎስን ጽንኩርን እዋን ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብዅሉ ክፍለጥን ተመክሮ ኰይኑ ክንበርን ዝብል መንፈስ ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከት ብዕምቆት ተንቲኖምዎ ኢዮም።
ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ምግምማዕ ኣብ ዝተኸስተሉ እዋን ዝነበሮ መንፍሳውነት ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ዝተፈጥረ ምክፍፋል ክውገድ መታን ክንነበሮ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ኣተሓሳሲቦምን፣ ዕርቅን ሰናይነት ዝነበረን ዘበሰረን ብዅሉ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ክፍለጥን ክንበርን ኣብ መንጎ ዘርኢ ሰብ ዕርቂ ክህሉ ዝብል ግብረኣዊ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዝነበረ እዩ። እዚ መንፈስ’ዚ ንእዋንና እዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ስብከቶም ከምዘስመሩሉ ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘካይድዎ ቃለ መሕትት ገሊጾም።
ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን ፍሉይ መንፈሳውነት ጐይታን ፍቓዱን ምድላይን ምርካብን፣ ምስ ረኸብካዮ ድማ ንምድላዩ ምንቃል ዝብል እዩ። ኣግዚኣብሔር ኣብ ምርካቡ ዕጋበት ኣሎ ርውየትን ግን የሎን ስለዚህ ሓንሳብ ምስ እንረኽቦ ንምድላዩ ንድረኽ ከምዝኾንናን እዚ ምዃን’ዚ ዝንበረሉ መንፈሳዊነት እዩ። በጺሔ ክትብል ትነቅል፣ እግዚኣብሔር ወትሩ ዘደንቕ፣ ዘገርምን እዩ። ምድናቕ እግዚኣብሔር ቀጻሊ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ዝፈጥልጥዎ መንፈሳውነትን ጸዋዕታኦም እውን ምዃኑ ኣባ ሎምባርዲ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ስብከቶም ነዚ እዮም ዘቓልሑ ቢሎም፣ ኣብቲ ቅዳሴ 350 ኢየሱሳውያን ካህናትን ከምዝሓበሩን ድሕሪ ቅዳሴ እውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ወትሩ እንርእዮ ንኽሉ ሰላም ናይ ምባል ትዕግስቲ ዘለዎም ባህርይ መሠረት ድማ ሓደ ብሓደ ንመላእ ካህናት ኢየሱሳውያን ሰላም ቢሎም መልእኽቲ እውን ብምልውዋጥ ዓሚዮቕ መንፈሳውነት ቅርበቶምን መንፈስ ሕውነትን ዘረጋገጽሉ ኵነት ከምዝነበረ ገሊጾም ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.