2014-01-04 16:04:44

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኢየሱሳዊ እግዚኣብሔር ኣብ ምድላይ ዘይደክም ሃረርተይና መንፈስ ዝዓሰሎ እዩ


RealAudioMP3 ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ዕለት 3 ጥሪ 2014 ዓ.ም. በዓለ ቅዱስ ስም ኢየሱስ ከምዘብዓለት እንክምልከት፣ እዚ ስም ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን መለለዪ ብምዃኑ ድማ በዓል ቅዱስ ስም ኢየሱሳውያን ብምንባሩ ኣብታ ብኢየሱሳውያን እትመሓደር ኣብ ሮማ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሱስ እቲ በዓል ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምእተበዓለ ነቲ ሥርዓት ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ እንክሕብሩ፦ ቅዱስ ኣቦና ናይቲ ብቅዱስ ኢግናዚዮ ዘሎዮላ ዝተመስረተ ልኡካነ ወንጌል ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣባል ምዃኖም እንክዝከር፣ ዋላ’ኳ ኣብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ብፍቓድ እግዚኣብሔር ጳጳስ ቀጺሎም ናይ ቦነስ ኣይረስ ሊቃነ ጳጳሳት ካርዲናል ተሰምዮም ኩላትና ከምእንፈልጦ ድማ ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተከታሊ ኰይኖም ተሓሪዮም ር.ሊ.ጳ. ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እውን እንተኾኑ መንፈሳዊ መዕበያኦም ማሕበር ኢየሱሳውያን እዩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብቲ ቅዳሴ ዘስምዕዎ ስብከት እቲ ዕለት 17 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ቢሎም ዝኣወጅዎ ቀዳማይ ኣባል ማሕበር ኢየሱሳውን ቀዳማይ ሰዓብን ብጻይን ቅዱስ ኢግናዚዮስ ዘሎዮላ ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረ ተክለ ሰብእነትን መንፈሳውነትን ዘማእክለ ከምዝነበረ፣ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም፣ ኢየሱሳዊ ካህን ብእግዚኣብሔር ምሉእ ክኸውን ገዛእ ርእሱ ባዶ ዝገበረ፣ ሃረርተይናን መንፈስ ዝዓሰሎ ስለምንታይ እግዚኣብሔር ካብ ምድላይ ዘይደክም፣ ተባዕ ስለምታይ ብቕዓት ዓብየቲ ነገራት ትምኒት ዝዓሰሎ ዓቢይ እምነት ስለ ዘለዎ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ምድሪ ኢየሱስ መሲሉ ንኽነብር ዝጽዕር ብምዃኑ፣ ኣብ ቀጻሊ ውጥረት ዝነብር ከምዝኾነን፣ ከምዚ እንተዘይከውን ግን ቅዱስ ኢግናዚዮስ ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣይ መቖመን ኔሩ፣ ናይዚ ኣብነት ድማ ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረ ጠቒሶም፦ “ክንትሕትን ገዛእ ርእስና ባዶ ክንገብርን ዝተጸዋዕና ኢና። ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ማእከል ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ብምዃኑ ድማ፣ ኢየሱሳዊ ኣብ ገዛእ ርእሱ ምእኩል ኮይኑ ዘይነብርን ገዛእ ርእሱ ባዶ ዝገብርን ክኸውን ኣለዎ። እቲ ወትሩ ዘደንቐና እግዚኣብሔር ወትሩ ዓቢይ እዩ፣ እዚ ዘደንቕ እግዚኣብሔር ማእከል እንተድኣ ዘይኰይኑ ማሕበር ኢየሱሳውያን ብዘይ ልልይን መርሕነት ምተረፈ ኔሩ፣ ምእንቲ’ዚ እዩ ድማ ኢየሱሳዊ ምዃን ማለት ዘይምሉእን ፍጹምን ድምዱምን እማረ ዘይብሉን ምዃኑ ዝገለጽ፣ ስለዚህ ክፉት እማረ ዘለዎን ነቲ ኣድማስ እግዚኣብሔር ዝኾነ ወትሩ ብዘይ ደውታ ዘደንቐና ክብርን ሞጐስን እዚኣብሔር ዘማዕድው እማረ ዝነብር፣ እዚ እዩ እቲ ናይ ኢየሱሳዊ ዘይሕለል ህርፋንና፣ ብኢየሱሳውያን ዝነብር ሃረርታ እግዚኣብሔር። ቅዱስን ውቁብን ሃረርታ ኢየኡሳዊ ድማ እዚ እዩ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ሃረርታናን ህርፋንና ክሳብ ክንደይ እዩ? እዚ ሃረርታ’ዚ ህያው ድዩ ወይስ ለሚሱ? ሓደ ኢየሱሳዊ ወትሩ ብዘይደውታ ንእግዚኣብሔር ክረክብ እግዚኣብሔር ዝደልይ እዩ፣ እቲ ምርካቡ ከም ብሓድሽ ንኽትረኽቦ ዝድርኽ ኣብ ረኺበዮ ዘይርወይ ምስ እትረኽቦ ከም ብሓድሽ ኣብ ምድላዩ ዝንበር ምርኻብ ከምዝኾነ፦ “ንሓደ ኢየሱሳዊ እዚ ዓይነት ሃረርታ’ዚ ጥራሕ እዩ ሰላም ዝህቦ፣ እዚ ሃረርታ’ዚ ሓዋርያዊ ሃረርታ እዩ፣ ወንጌል ኣብ ምብሳር ከይንሕለል ዝገብርን ብትብዓት ከነበስር ዘነቓቕሕን እዩ፣ ናይ ሓዋርያዊ ፍርያማነት ጸጋ ንኽንዕደል ዘሰናድወና ሃረርታ እዩ። ብዘይ እዚ ዓይነት ሃረርታ’ዚ መኻናት ንኸውን” ኢሎም ቅዱስ ፒየትሮ ፋቭረ ነዚ ዝፈጸመን ዝነበረን ከምዝኾነን ብናይ ዓበይቲ ነገራት ሓንቀውታን ፈጺሙ ዘይረውን ኣብ ቀጻሊ ምንዮት እዚኣብሔር ዝነብርን ጥርጡር ኰይኑ ግን ዕጋበት ዘለዎ ሓደስቲ ተግባራት ብዘነቓቕሕ መንፈስ ተደሪኹ እግዚኣብሔር ረኺበዮ ቢሉ ዘይረወየ ኰይኑ ግን ብምርካቡ ዝዓገበ ክነሱ ኣብ ቀጻሊ ምድላይ እዚኣብሔር ሃረርታ ዝነበረ ቅዱስ ምዃኑ ተንቲኖም፦ ኣንሕናኻ እዚ ዓይነት ራእይን ውዕዉዕ ስምዒትን ኣሎና ዶ? ተባዓት ዲና? ሃረርታናን ሕልምታትናን ንላዕሊ ዘቕንዔ ድዩ፣ ቅንኣት ወንጌላውነት ኣብ ውሽጥና ይቃጽለና ዶ ኣሎ? ወይ ከኣ ሓዲግን በቲ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ መደባትና ዝዓገብና ኢና? ሓይሊ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ገዛእ ርእሳን ኣብ ብቕዓት ውዳቤኣ ኣይኰነን፣ ኣብ ናይ እግዚኣብሔር ዓሚይቕ ማያት እዩ እቲ ሓይላ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ቅዱስ ፒየትር ፋቭረ ምሉእ ሕይወቱ ምስ እግዚኣብሔር ቤተሰብኣውነት ንኽህልዎ ዝነበረን ልቡ ኣብ ልቢ ኢየሱስ ዝተኸለ ኣብታ ብናይ ሉተር ሕዳሴ መሠረት ተገማሚዓ ዝነበረት ኤውሮጳ እቲ ናይ ክርስትና ሰናይነት ተዓጢቑ ልዑል ናይ ዘተ ሰብ ኰይኑ ከምእተረኽበ ቅዱስ ኣቦና እንከዘኻኽሩ፦ “ኣስፍሆተ ወንጌል ብኣባትር ምርመራን ብምዅናን ምውጋዝን ከነትግብር ዝብል ፈተና ብዙሕ ግዜ ከጋጥም ዝኽእል እዩ። ብበትሪ መርመራን ብምውጋዝን ወንጌል ምስባኽ ኣይፋል፣ ወንጌል ዝብሰር ብሰናይነትን ርህራሄን ሕውነትን ፍቅርን እዩ” ቅዱስ ፒየትሮ ነዚ ዝነበረ ምዃኑ ከምዝገለጹ ደ ካሮሊስ ኣመልኪቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ታሪኽ ቤተ ክርስቲያን ቀዳማይ ወዲ ማሕበር ኢየሱሳውያን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ምዃኖም እውን ኣዘኻኺሮም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዘስምዕዎ ስብከት፦ “ኣንሕና ንኣሽቱን ሓጢኣተይናታትን ኢና፣ ኰይኑ ግን በቲ ዝተቐበልናዮ ጸዋዕታ ኢየሱሳዊ ስም ኢየሱስ ዘተሓትሞ ልብሰ መስቀል ለቢስና ክንምርሽን ኣነነት እነማእክል እውን እንተዀንና ነቲ ዘለኣለማዊ ጐይታ ዝተሰውኤ ንኽንነብሮ ብጸጋኡ ዝመረጽናዮ መገዲ ብሓልዮትን ሓገዝን ክብርቲ ኣዲኡ እቲ ገዛእ ርእሱ ዝኸሓደ ናይ ኢየሱስ ድላይ ድላይና ስምዒት ስሚዕትናን ሕይወትና ገይርና ንምንባር ዝመረጽናዮ ሕይወት ዳግም ነሕድስ” እንክብሉ ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.