2014-01-02 12:17:29

ዝተፈላለዩ ተበግሶታት ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም


RealAudioMP3 በቢ ዓመቱ ብምኽንያት ሓድሽ ዓመት ጥሪ ሓደ ዝኽበር ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ካብ ርሑቕ ዓመታት ካቶሊካዊ ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ኣብ መላእ ኢጣሊያን ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለምን ዘነቓቕሖ ናይ ሰላም ጉዕዞ እግሪ ለብዘበን እውን በሸሓትን ዝቑጸሩ ካቶሊካውያን ማሕበረ ክርስቲያንን ናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰዓብንት ዓለማውያንን ዝተፈላለያ ኣሳቲፉ ከምተዛዘመ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፈደሪኮ ፒያና ዘመሓላለፍዎ ጸብጻብ የመልክት።
ናይ ቅዱስ ኤጂዲዮን ናይ ሰላም ጉዕዞ እግሪ ኣሰናዳኢት ኮሚቴን ኣባል ኣልበርቶ ኳትሩቺ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ብጸሎትን ኣስተንትኖን ብዝተፈላለዩ ኣብ ሰላም ብዘተኮረ ዓውደ መጽናዕቲ ተሰንዩን ኣብ መደምደምታ ብናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ዝጠቓለለ መደብ ጻውዒት ሰላምን ሕንጸት ኣብ ባህሊ ሰላምን ብሓልዮት ካቶሊካዊ ማሕበር ቅዱስ ኤጂዲዮ ካብ ዝብገስ 12 ዓመት ከምዘጠቓለለን፣ ኣብ 1968 ዓ.ም. ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ እዋን ውግእ ቨትናም ንመጀመሪያ ጊዜ ጥሪ ሓደ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላማ ክኸውን ፈላማ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ምስ ዝተሓላለፉሉ ዓመት ተተሓሒዙ ዝተግበገሰ ምዃኑ እውን ሓቢሮም፣ ኣብ ሓድሽ ዓመት እቲ ብሉጽን ልዑልን ምንዮት ሰላም እዩ። ሰላም እቲ ዝዓበየ ክብሪ እዩ ኢሎም።
ለምዘበን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ሰላም ሕውነት መሰረትን መገድን ሰላም እዩ ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዝተማእከለ ከምዝኾነን፣ እቲ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ሕውነት ክሰፍሕ በዚ መሰረት ድማ ሰላም ክረጋግጽ ዝጽውዕ እዩ ኔሩ እንክብሉ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ኣብ ኢጣሊያ ካምፖባሶ ናብ ዝተኻየደ ናብ መበል 46 ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ማሪና ታማሮ ሓቢረን። እቲ ኣብ ካምፖባሶ ዝተኻይደ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ኣብቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ “ሕውነት መሰረትን መገድን ሰላም እዩ” ብዝብል ኣርእስቲ ጥሪ ሓደ 2014 ዓ.ም. ዘመሓላለፍዎ ዓለም ሓቆፍ መልእኽቲ ሰላም ኣምሪሑ ከምእተኻየደ ገሊጸን፣ ኣብቲ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ መበል 46 ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ካብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኢጣልያ ዝተዋጽኡ ብጠቕላላ ልዕሊ 3 ሺሕ ዝግመት ሕዝቢ ከምእተሳተፈን እቲ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ በቶም ኣብ ላምፔድዛ መዕቆቢ ስደተይናታት ካብተን ዝተጓዓዙለን ጀላቡ ዕንጸይቲ ዝተጸርበ ቀጠልያ ቀለም ዝተለኽየ መስቀል ተሰኪሞም ከምእተመርሔ ክምልከተ እንከሎ፣ ኣብቲ ናይ ሰላም ናይ እግሪ ጉዕዞ ናይ ኢጣሊያ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ናይ ፍትሕን ሰላምን ድርገት ሊቀ መንበርን ናይ ካምፖባሶ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ብሪጋንቲኒ ኣብ ዘስምዕዎ ኣስተንትኖ፦ “እግዚኣብሔር የዕይንቱ ናባኻ ኢየን፣ ማንም ንድሕሪት ሓዲግና ከይንጓዓዝ ሓደራ ይብለና፣ ከምቲ ናይ ሸለልተይናነት ባህሊ መሰረት ዝኾነ ሎሚ ኣብ ዓለም ብሰፊሕ ዝርአይ እቲ ኣብ ላምፔዱዛ ስኽሰት ዘሎ ችግር ዝምስክሮ ቃኤልነት፣ ከም ቃኤል ኣይትኹኑ ይብለና ኣሎ። ኩላትና ሰላም ካብ ላምፔዱዛ ነበግስ፣ ብፍላይ ነቶም ተነቀፍትን ኣዚዩም ኣብ ጭንቅን መከራን ዝርከቡ ካብ ርሑቕን ካብ ዘይከተማታትና ንዝመጹን ጽን ካብ ብምባል ንበገስ” ዝብል ኣስተንትኖ ዘጠቓለለ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ታማሮ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.