2014-01-02 12:20:36

ማሕበር ረድኤት ኣምብሮጺዩስ ንዓመተ ኤውሮጳ ጸረ ምብኻን ምግባዊ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዓለም ዝድርበን ዝጓሓፍን ምግባዊ ካብ ናይ ድኻታት ዝምንዛዕ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ኣስተንትኖ ነቲ 2014 ዓ.ም. ናይ ኤውሮጳ ዓመተ ጸረ ምብኻን መግባዊ ቅዉም ሓሳብን ዘለዎ ዓሚዩቕ ትርጉምን ዝገልጽ ክኸውን እንከሎ፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ ሕርሻን መግብን ሓልዮ ማሕበር ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዓመት ካብ ዝመረት ሓደ ሲሶ ማለት 1.3 ቶን ምግባዊ ይጓሓፍ እንክብል ንዝሃቦ ጸብጻብ ዘዘኻኽር እዩ።
ናይ ብራሰልስ ምንጭታት ከምዝሕብሮ ሓደ ኤውሮጳዊ ዜጋ 180 ኪሎ ግራም መግባዊ ዝጉሕፍ ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 5 ሰነ 2013 ዓ.ም. እቲ ኣብ ዓለም ዝሰፍሕ ዘሎ ናይ ምጒሓፍን ምንጻግን ባህሊ የደንዝዘና ከምዘሎን ብሓቂ ኣብ ፈቐዶ ኩርናዕ ዓለምን ጎደናታትናን ብጥምየትን ስእነት መግብን ዝሞቱን ዝሳቐዩን ብስእነት ዝተመጣጠነ መግቢ ዝሓልቁ ሕፃናትን ሕዝብታን እናሃለዉ ምጒሓፍን ምድርባይን መግባዊ ወቐሳ እዩ እንክብሉ ዝገለጽዎ ተሪሪ ሓሳብ እቲ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ማሕበራት ዝጥርንፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ “ሓንቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት መግቢ ንዅሉ” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣደጊፉ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ብዘካየዶ ዓውደ መጽናዕቲ ብምቅላሕ ዘበገሶ ጸረ ስእነት መግብን ጥምየት ጎስጓስ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ነቲ ጉባኤ ኣብ ዘመሓላለፍዎ ናይ ርእየት ድምጽን መልእኽቲ ናይ ነፍሲ ወከፍና ዕለታዊ ተግባር ኣብ ርሑቕ ይዅን ኣብ ቀረባ ናይ ዝንበር ጥምየት ስቓይን ሕዝቢ ሕይወት ማሕታ ኣለዎ፣ ስለዚህ ዕለታዊ ተግባራትና ብዅለ መዳይ ምእራም ኣገዳሲ እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ መልእኽቶም ድኻታትን ድኹማትን ሓደራ ካብ ምንዓቕ ናብ ምኽባሮም ንዕበይ፣ ሰላም ካብዚ ዝብገስ እዩ” ከምዝበሉን እዚ ብሓቂ ነቲ 2014 ዓ.ም. ዓመት ጸረ ምብኻን መግባዊ ኤውሮጳ መሠረት ምዃኑ ኣብ ኢጣሊያ ማሕበር ረድኤት ኣምብሮጺዩስ ኣመሓዳሪ ኣባ ሮበርቶ ዳቫንዞ ብምኽንያት ዓመት ኤውሮጳ 2014 ዓ.ም. ጸረ ምብኻን ምግባዊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ሕዝቢ ኣብ ጽንኵርን ዓጸቦ እዋን ካብ ዘጋጥሞ ዘስካሕክሕ ሽግር ይመሃርን ነቲ ዘለዎ ውሑድ ምኽባርን ምሕብሓብን ሰናይን ግቡእን ኣጠቓቕምኡ እውን ይመሃርን፣ እቲ ሓርፋፍን ጽንኩርን እዋን ምስ ተሰግረ ግን ንኹሉ ይርስዕ፣ ሰብ ኣብ መንጐ እዞም ክልተ ኣግባብ ዝንባዐ ዘንሳልል እዩ፣ እዚ ድማ ንብዙሓን ሕዝቢ ዓለም ዝምልከት ሓቂ እዩ። ምስቲ ዘጋጥም ኩነት ገዛእ ርእስኻ እናመሳሰልካ ምንባር እንተዘይኰይኑ ቀጻሊ እሩም ሓላፍነት ዝዓሰሎ ጠባይን ተግባርን ኣየዘውትርን፣ ስለዚህ እዚ ኩነት’ዚ ድማ ምብኻንን ተኻፊልካ ካብ ምንባርን ምጉዳል የስዕብ፣ ምስ በሉ ነዚ ድማ በቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ መላእ ዓለም ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባ ብምንጽጻር፣ እዚ ኵነት ቅልውላው ክንብረሓብሉ ዝከኣልን ነቲ ዝተመሓላለኸ ኣብ ሰብኣዊ ርክባትና ምስ ተፈጥሮን ሃብቲ ዓለም እውን ኣብ ዘሎና ርክባት እንጥቀመሉ ዘየርበሓና ኣግባብ ክነተኻኽልን ክንእርምን ጠቓሚ ኰይኑ ክርከብ ዝከኣል እዩ።
እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ተኸሲቱ ዘሎ ቅልውላው ቁጠባ እቲ ብኢንዳስትሪ ዝማዕበለ ዓለም ዝኽተሎ ኣግባብ ናይ ምሕርትን ምህላኽን ኤኮኖሚ ዘስዓቦ እዩ። ኣብዚ ክስተት ቅልውላው እጃም ዘይብሉ እቲ ብዙሕ ድኻ ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣዚዩ ዝጉዳእ እዩ፣ እቲ ሃብታም ዓለም ምስቲ ሃብቱ ዘለዎ ርክብ ሕሙም እዩ ክበሃል ይከኣል፣ እዚ ድማ እቲ ብዙሓ ዘሳቒ ዘሎን ዝረአይ ዘተሓሳስብ ኰይኑ ዘሎ ሕማም ከሳዕነት ወይ ንጽገት ሸውሃት መግቢ ይምስክሮ፣ ስለዚህ ነቲ ቅልውላው ንምውጋድ እቲ ሃብታም ዓለም ዝኽተሎ መደብ ቅልውላው ኰይኑ ዘሎ መደብ ልምዓት ቢሉ ዝኽተሎ ክእርምን ስነ ምግባርን ግብረ ገብን ዘማእከለን ሰብእውነት ዝዓሰሎን ክገብሮ ይግባእ። ካብዚ ወጻኢ ካብቲ ቅልውላው ንምልቓቕ ዝግበር ጻዕሪ ኵሉ ከንቱ እዩ፣ እዚ ኹሉ ምስ ጥምየትን ስእነት መግብን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.