2013-12-28 15:46:03

ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ፦ ኣብ ቅድሚ ምዕራባዊ ዓብላሊ ኣተሓሳስባ ኣገዳስነት ጽንዓት ማሕበረ ክርስቲያን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 26 ታሓሳስ 2013 ዓ.ም. ብላቲን ስርዓት ዝተኸብረ በዓል ቀዳሜ ሰማእት ቅዱስ እስቲፋኖስ ምኽንያት ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናን ኣብ ዝተሳተፍሉ ዘዕረገዎ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ስብከት፣ ብምኽንያት ምስክርነት ንኽርስቶስ ንስደትን መከራን ሞትን ዝዳረጉ ኣባላት ማሕበረ ክርስቲያን ካብቲ ናይ ቀዳማይ ዘመን ቤተ ክርስቲያን ሎሚ ኣዚዩ ዝለዓለ ከምዝኾነን ኣብተን ሊሚ እውን እንተኾነ ናይ ሰብኣዊ ነጻነትን ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ውሑስ ዝኾነለን ኣብ መላእ ዓለም ውሕስ ክኸውን ዝጽዕራ ሃገራት እውን እንተኾነ ብዝተፈላለ መገዲ ዝኽሰት እውን ምዃኑ ዘስመርሉ ሓሳብ ኣማእኪሎም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኪየቲን ቫስቶ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ፦ ብርግጽ ወንጌል ዕንቅፋት እዩ። ብፍላይ ኣመለኻኽታን ኣተሓሳስባን ኣህላኺ ባህልን ርእዮትን፣ ኣብ ቅድሚ ድኽነትን ድኻታትን ንኡሳንን የዕንቱን ኣእምሮኡን መገዱን ከዲኑን ዓጽዩ ዝጓዓዝ እቲ ድኽነት ምኽንያት ከም ዘለዎ ዝሰብኽ ንኣይነትን ስስዔን ርትዓውነት ኣለዎ ንዝብል ባህሊ ወንጌል ዕንቅፋት እዩ። ስለዚህ ካብዚ ጸረ ሰብኣዊ ባህሊ’ዚ ንጽገት ንወንጌል ክለዓል ኣየገርም እዩ። ወንጌልን ምስዓብ ንኽርስቶስ ናይ ፍቕሪ ዋጋ ዝኽፈሎ እዩ ኢሎም።
እቲ ጉጉይ ኣመለኻኽታ ማለት ጸረ ሰብኣዊ ዝኾነ ኣመለኻኽታ መታን ክዕብልል ዝግበር ጻዕሪ ብባህሪእዩ ጸረ ወንጌልን እዩ። ስለዚህ ወንጌል ካብ ምብሳርን ወንጌላዊ ሕይወት ካብ ምንባር ድሕር ክንብል የብልናን፣ ብዅሉ መዳይ ብባህል ስነ ምርምርን ስነ ፍልጠትን ብቓልን ሕይወት ብዝቐርብ ምስክርነት ነቲ ጸረ ሰብኣዊ ዝኾነ ባህሊ ምብዳህ የድሊ፣ እዚ ድማ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዘቓልሕዎን ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ብዝተፈላለዩ ቅዱሳት ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብቓልን ሕይወትን ዝቐርብ ምዕዳን እዩ። እምነት ብትሕትናን ብትብዓትን ብዘይ ድላይ ሕነ ፍዳን ሕርኽርኻትን ብምሕረትን ዕርቅን ኣብቲ ኢየሱስ ዝሓቶ፣ እቲ ክሳብ ፍጻሜ ጸኒዑ ዝርከብ ክድሕን እዩ ዝብሎ ቃል ተኣሚና ክንምስክር ጽዉዓት ኢና ኢሎም።
ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኽ ወንጌል ዕንቅፋት ከምዝኾነን ኣብ ወንጌል ምእማንን ምብሳርን ሓደጋ ከምዘጋጥምን መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ክሳብ ንሞት ከምእተዳረገን ሰማዕትነት ከምእተቐበለን በዘስካሕክሕ ናይ ጭካኔ መንፈስ ከምእተቐትለን ከይሓባብኤ የዘንትወልና እዩ። ክርስቲያን ብዘይጎነጻዊ ኣግባብ ንቑሕን ናይቲ ዝስዋዕ ፍቕሪ ምስክር ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ፣ ኣብ ጎነጻዊ ውሳኔ ምእማን እዩ እቲ ዝገደደን ዝዓበየን ጌጋ፣ ስኒ ብስኒ ዝብል ውሳኔ ኢክርስትያናዊ ኣግባብ እዩ፣ ናይ እምነት ሰማዕታት ደም ካብቶም ዘሳድዱን ማሕበረ ክርስቲያን ንሞት ዝዳርጉ ኣካላት ተግባር ኣዚዩ ልዑል ፍርያማ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.