2013-12-28 15:40:02

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ኤውሮጳ ናይ መንእሰያት ሕርኩት ጻዕርን እምነትን የድልያ


RealAudioMP3 ኤውሮጳ ነቲ ኣጋጢምዋ ዘሎ ገና ዘይተሰግረ ጽንኩር ኩነት ንኽትሰግሮ ናይ መንሰያት ህርኩት ጻዕርን እምነትን የድልያ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናብቲ ካብ ዕለት 28 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ኣብ ስትራስበርግ ናብ ዝካይድ ዘሎ መበል 36 ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ መንእሰያት ናይ ውህደት ማኅበረሰብ ታይዘ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ ምንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ሓድሽ ዓመት ብተስፋን እምነት ፍቕርን ንምእንጋድ ዝብል በቢ ዓመቱ ብናይ ውህደት ማሕበረሰብ ታይዘ ዝካይዶ ናይ መላእ መንእሰያት ሃገራት ኤውሮጳ መንፈሳዊ መደብ ተሳተፍቲ ኣብ ክልተ ሃገራት ኣብ ጀርመንን ፈረንሳን ኣብ ኣልሳዚኣን ኦርተንዋ ኣብቲ ብውግእ ኣዚዩ ዝደመየን ብዙሓት ዓደዳ ዝኾኑሉ ከባቢ ምዃኑ ብታሪኽ ዝምስከረሉ እውን እንተኾነ ብዙሕ ተስፋ ዝበቖለሉ ብምዃኑ ኣብኡ እቲ መንፈሳዊ መደብ ምክያድ ብሓቂ ተስፋ ዘበራብር ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተንቲኖም፣ እቲ ሓድሽ ዓመት 2014 ዓ.ም. ብተስፋን እምነት ፍቕርን ብምቕባልን ኣብ 2014 ዓ.ም. እትኽተለዎ ቁርጺ ፍቓድ ብሓቂ “ኣብ መንጐ እቶም ንኽርስቶስ ዘፍቕሩ ጭቡጥ ውህደት ምንዳይ” ዝብል ምዃኑን እዚ ድማ ናይቲ ዝካይድ ዘሎ መንፈሳዊ መርሕ ቃል ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስነቶ እዚ እቲ ኣዚዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣብ መንጐ ማሕበረ ክርስትያን ዘሎ ፍልልይ፣ እቲ ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያኑ ዝሃባ ተልእኮ ምሉእ ብምሉእ ክዉን ንኸይከውን ዕንቅፋት ከምዝኾነን እቲ ናይ ክርስትያናዊ ብስራት መላእ ማሕበረ ክርስቲያን ነቲ ዘለዎም ምግምማዕ ኣሰኒፎም እንተዝሓብሩ ክሳብ ክንድይ ብሓቂ ተኣማኒ ብስራት ምኾነ ኔሩ ምስ በሉ ካብቲ ዝፈላልየና እቲ ሓደ ዝገብረና ጭቡጥ ነገር ኣዚዩ ዝዓበየን ብዙሕን እዩ እሞ መንስእሰይ ወለዶ ኣብቲ ዘዋህድ ጭቡጥ ሓቂ ክህነጽ በዚ ኣጋጣሚ ንመላእ መራሕቲ ናይ ዝተፈላለያ ኣቢያተ ክርስቲያን ኣዘኻኺሮም ኣብ ፍጻሜ መልእኽቶም መንእሰይ ምስክርነትን ናይ ሰላም መንፈስን ዕርቅን መሠረት ገይሩ ቃለ ወንጌል ከበስር ሓደራ ዝብል ምዕዳን ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ታይዘ ማሕበረሰብ ጠቕላሊ ሓለቓ ሓው ኣሎይስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ምሕዝነት ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ማሕበረ ክርስቲያን ክንበርን ኩሉ እቲ ዘለዎ ፍልልይ ብዘየገድስ ሓቢሩ ንዓለም መልእኽቲ ወንጌል ከበስር ዘነቓቕሕን ብፍላይ ድማ መንእሰይ ወለዶ ኣብቲ ዝፈላልይ ጉዳይ ከይተሓጽረ ናብ ውህደትን ሓድነትን ኣሚቱ መታን ክጓዕዝ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ኣብቲ ዘዋህድ ክሕንጽ ዝብልን ኣብ መላእ ኤውሮጳ ዕርቂ ክረጋገጽን ዝተዓርቀ ዓለም ንምሕናጽ ዘነቓቕሕ መንፈሳዊ መደብ እዩ እንክብሉ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብቲ ዝካይድ ዘሎ መንፈሳዊ መደብ ካብ ፖላንድ 4.500 ካብ ኡክራይን 2.600 ካብ ኢጣሊያ 1.400 ካብ ክሮኣዚያ 1.200 ካብ በይሎሩሲያ 1.000 ብጠቕላላ 30 ሺሕ መንእሰያት ይሳተፉ ከምዘለዉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.