2013-12-26 14:27:06

ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ “Urbi et Orbi-ንከተማን መላእ ዓለምን” ሐዋርያዊ ቡራኬ


RealAudioMP3 ልዕሊ 70 ሺሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፍርቂ መዓልቲ ካብ ሰገነት ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ኰይኖም ጳጳሳዊ ሓለዋ ጸጥታ ዝዊዘርላንድ ጉጅለ ሙዚቃ ናይ ሃገረ ቫቲካን ብሔራዊ መዝሙርን ብምቕጻል ናይ ኢጣሊያ ሓለዋ ጸጥታ ጉጅለ ሙዚቃ ናይ ኢጣልያ ብሔራዊ መዝሙር ምስ ኣስምዑ፦ “ብናይ እቲ ሕፃን ኰይኑ ናባና ዝመጽእ እግዚኣብሔር ሓልዮትን ርህራሄን ክንትንከፍ ገዛእ ርእስና ፍቓደይና ንግበር” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ከም ተኸታሊ ቅዱሱ ጴጥሮስ ቀዳማይ ኣብ ዝሰርዕዎ ናይ በዓለ ልደት ቅዳሴ ስብከት ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ወንጌል ሉቃስ ምዕ. 2 ፍቕዲ 14፦ “ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ኣርያም ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም እግዚኣብሔር ዝሕጐሰሎም ሰብ።” ካብ ዝብል ድሕሪ ልደት ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መላእኽቲ ንጓሶት ተገሊጾም ካብ ዝበልዎ ቃለ ወንጌል ዝተበገሰ ዓሚይቕ ጻውዒት ሰላም ንመላእ ዓለም ብምቕራብ፦ “እቲ ናይ መላእኽቲ ቃል ሰማይን ምድርን ዘሕብር ንሰማይ ክብሪን ምስጋናን ንምድርን ሰብን ናይ ሰላም ምንዮት ዘቃልሕ ጥዑም ቃና እዩ፣ በታ ለይቲ’ቲኣ ነቒሑ ዝበለጸ ዓለም ዝተተስፍወ ብትሕትና በቢ ሓላፍነቱ ብዛዕባ ሓልዮት ካልኦት ዝግደስ ኵሉ ዘርኢ ሰብ ኣብቲ መዝሙር መላእኽቲ ክሓበር እዕድም” እቲ መዝሙር መልእኽቲ ልደት ዘእግዚእነ ዘዘኻኽርን መእንቲ’ዚ እግዚኣብሔር ሰናይን እሙንን ምሕረትን እዩ እሞ ምስጋና ዝግብኦ እዩ’፦ “ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ንኹሉ እቲ ሓቀይና ምስሊ ናይቲ ኢየሱስ ዝዓደለና እግዚኣብሔር ከስተውዕል እዕድም። ኩሉ እግዚኣብሔር ቀረባና ምዃኑ ብውሽጡ ክስምዖ ኣብ ህላዌኡን ንኣኡ ንምፍቃሩን ንምስጋድን ክበቕዕ እምነ፣ ነፍሲ ወከፍና ብፍላይ ድማ በቲ ናይ ገዛእ ርእሱን ናይ ኣሕዋትን ብዘፍቅር ሕይወት ንእግዚኣብሔር ንወድስ” ምስ በሉ፣ እውነተይና ሰላም ኣብ መንጐ ተጻባእቲ ሓይልታት ብድሕሪት ምክፍፋል ዘይምርድዳእን እንከሎ ነዚ ከዊልካ ተጻባእነት ንምርግጋጽ ዝተመዓራረይ ህላዌ ኩነት ቀረባ ቢልካ ምሕሳብ ጌጋ ከምዝኾነን፣ ሰላም ህያብ እግዚኣብሔር እዩ ዝብል ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢሊ ዝተዓደለና ምዃኑ ካብ ዝብል ኣፍልጦ ዝተበገሰ ዕለታዊ ጻዕሪ ዝሓትት ህያብ ከምዝኾነን፣ ኣብ ግርግም ዘሎ ሕፃን ክንርእይ እንከሎና፣ እቶም ብውግእ ዝሳቐዩ ሕፃናትን ከምኡ እውን ኣረጋውያንን ድቂንስትዮን ሕሙማንን ነስተውዕል፣ ውግእ ማእለያ ዘይብሉ ሕይወት ይቕንጽልን የድምይን እዚ ድማ ነቲ ኣብ ሶሪያ ጽልእን ሕነ ፍዳን ዘስፍሕ ዘሎን ኣብ ዝተፈላለየ ክፍሊ ዓለም ዘሎ ውግእ ብምዝካር፦ “እቲ ዝተፈቕረ ሕዝቢ ሶሪያ እግዚኣብሔር ካብ ስቓይ…ከናግፎን፣ ተጻባእቲ ሓይልታት ዝኾነ ይዅን ዓይነት ዓመጽ ደው ከብሉን ነቲ ዝሳቐ ሕዝቢ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቓራብ ዘብቅዕ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት መእተዊ ውሑስ ክገብሩ መታን ንጐይታ ጸሎት ነዕርግ፣ ጸሎት ክሳብ ክንደይ ብርቱዕ ምዃኑ ርእዪና ኢና፣ ምእንቲ ሰላም ንሶሪያ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ክሓብራ ምርኣይ ክንደይ ደስ የብል። እቲ ‘ኦ ጐይታ ንሶሪያን ንመላእ ዓለም ሰላምካ እውርድ’ ዝብል ናይ ጸሎት ብርታዔ ከይነቕሕን ሓደራ፣ እቶም ኢኣማንያን እውን ሰላም ክምነዩን ሃረር ክብሉን በዚ ልቢ ዘዕብይን ሰፊሕ ዝገብርን ብዘለዎም ጽቡቕ ድላይን ብጸሎትን ወይ ድማ በዚ ውሽጣዊ ሃረርታ ኩሉ ኣማንን ኢኣማንን ንሰላምን ምእንቲ ሰላም ክሓብሩ እዕድም” ቢሎም ሓሳቦም ናብ ኣፍሪቃ ኣቢሎም፦ “ኦ ሕፃን ኢየሱስ ነታ ብዙሕ ግዜ ብዝተረስዔን ዘይዝረበሉ ውግእ እትሳቐ ንዘላ ሃገረ ረፓብሊካዊት ማእከላይ ኣፍሪቃ ሰላምካ ዓድል። ንስኻ ኦ ጐይታ ንማንም ዘይትርስዕ ኢኻ እሞ፣ ብዓመጽን ሕሰምን ኣብ ስቓይን ንዘላ ብዙሓት ብስእነት ቤትን መግብምን ጽሩይ ማይን ንሕይወት መሰረታዊ ኣድላይ ብዝኾነ ስእነት ንዝሳቐዩለን ሃገራትን፣ ስምምዕ ኣብ ደቡብ ሱዳንን፣ … ንስኻ ናይ ሰላም ንጉስ እቶም ዓማጽያንን ናይ ውግእ ሓይልታትን ኣጽዋር ውግኣቶም ኣውርዲም ናይ ዘተ መገዲ ዳግም ንምስዓብ ኣብቅዓዮም” ምስ በሉ ኣብ ናይጀሪያ ዘሎ ንጹሓን ንሞት ዝዳርግ ተግባር ክውገድን ኣብ መንጐ እስራኤል ፍልስጥኤምን ናይ ሰላም ዘተ ዳግም ክብገስን፣ ኣብ ዒራቕ ዘሎ… ስደተይናታትን ተመዛበልትን ብፍላይ ድማ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን፣ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጐን ሰላም ክወርድን ስደተይናታት ንክቡር ሕይወት ዝበቕዕን ዝተኻኸልን እንገዳ ክረኽቡ ክንጽልይ እቲ ኣብ ከባቢ ባሕሪ ላምፔዱዛ ዝተኸስተ ናይ ስደተይናታት ሞት ዳግም ጠሪሹ ከይህሉ ብዓውታ ኣቃሊሖም፦ “ኦ ሕጻን ቤተ ልሄም ናይቶም ወዲ ሰብ ካብ ቦታ ቦታ ንዝተፈላለየ ሰብኣዊ ክብሪ ዝሓክኽ ተግባራትን ዘንቀሳቕሱ ልቢ ተንክፍ፣ የዒይንትኻ ነቶም ዝተጨውዩን ብዝተፈላለየ ወግእ ዝተቐትሉን ዝደመዩን ዝቖሰሉን ነቶም ሕጻናት ወትሃደራት ንኽኾኑ ዝግደዱ ዕሸላት ሕይወቶም ዝምንዝዑ ይጠምታ። ኣብ ቅድሚ እቲ ሕጻን ቤተ ልሔም ደው ንበል፣ ልብና ብኣኡ ክትንከፍ ንፍቐደሉ፣ ኣይንፍራሕ …. ልብና ክትንከፍ ኣለዎ፣ ምትንካፉ የድልየና እዩ፣ … ምሕረቱን ርሕራሔኡን የድልየና እዩ፣ እግዚኣብሔር ኣብ ፍቕሩ ዓብይ እዩ፣ ንኣኡ ክብርን ምስጋናን ሕጅን ንዘለዓለምን ይዅኖ! እግዚኣብሔር ሰላም እዩ፣ በቢ ዕልቱ ኣብ ሕይወትናን ስድራ ቤትናን ኣብ ከተማታትናንን ሃገራትናን መላእ ዓለምን ሰላም ክንሓንጽ ኣብቅዓና” ቢሎም “Urbi et Orbi-ንከተማን መላእ ዓለምን” ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም፦ “ካብ መብልዒ ማል ቤተልሔም ዝምንጭው ወንጌላዊ ተስፋ ዝኹልዕ ሓሴትን ሰላምን ንዅሉ ሕፃንን ኣረጋውን መንስአይን ስድራ ቤትን ድኻታትን ስደተይናታትን ዝምሕጸን እዩ። ኢየሱስ ምእንታና ተወሊዱ ኢዩ፣ ብሕማም ንዝሳቐዩ ኣጸናንዕ፣ ነቶም ኣብ ሕሱም ድኽነት ንዝርከቡ ዘገልግሉ ደግፍ። ሰናይ በዓለ ልደት ይግበረልና” እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በቲ ትዊተር እተሰይመ ናይ ማሕበራዊ ርክባት መርበብ ሓበሬታ ብዘሎ ኣድራሻኦም ኣቢሎም፦ “ኣብ በዓለ ልደት፣ ክርስቶስ ኣብ ማእከልና ይኸውን፣ ብሉጽ ህሞት ንውልቃዊ ርክብ ምስ ኢየሱስ እዩ” ዝብል መልእኽቲ ብምኽንያት በዓለ ልደት ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.