2013-12-26 14:34:31

ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ፈለማ በዓለ ልደት ከም ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ: “ኢየሱስ፣ ፍቕሪ ስጋ ኰነ እዩ፣ እዚ ድማ ናይ ሕይወትን ታሪኽን ትርጉም እዩ”


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 24 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ለይቲ ብምኽንያት ዓቢይ በዓል በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ኣብ ባዚሊካ ሃገረ ቫቲካን ከም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ፈለማ በዓለ ልደት ዘእግዚእነ መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዝስረዑ እንክምልከት፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ቅዳሴ፦ “ኢየሱስ ትርጉም ሕይወትን ታሪኽን እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከል ስብከት ከምዘስምዑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢሳበላ ፒሮ ሓቢረን።
“ኣብ ውልቃዊ ታሪኽና ዅላዔን ጸላምን ይፈራረቕ እዩ፣ ብርሃንን ጸልማትን ይፈራረቕ እዩ፣ እግዚኣብሔርን ኣሕዋትን እንተድኣ ነፍቅር ኰይና ኣብ ብርሃን ኢና እንጓዓዝ ዘሎና፣ ልብና እንተድኣ ተዓጽዩን ተሪሩን ግን ኣባና ትዕቢት ናይ ሓሶት መንፈስን ውልቃዊ ሓረርታ ዕጋበትን ንኣይነትን እንተድኣ ተላዒሉ ኣብ ጸላም ኣሎና ጸላም ከቢቡና ኣሎ ማለት እዩ” ዝበሉ ቅዱስ ኣቦና፦ “ኢየሱስ ትስብእቲ ፍቕሪ እዩ፣ ናይ ተስፋን ናይ ጽንሰ ሓሳብን ናይቲ እነዘንብለሉ ክብጻሕ ዝድለ ኣዚና ርሑቓቱ ዝኾንናዮ ጽንሰ ሓሳብ መምህር ኣይኰነን፣ ንሱ መሕደሪኡ ኣብ መንጐና ዘንበረ ትርጉም ሕይወትን ታሪኽን እዩ” ኢሎም “እቶም ጓሶት ቀዳሞት ተበሰርቲ ልደት ዘእግዚእነ ክኾነ ዘብቅዖን ዝተናዕቑን ዝተነጸሉን ስለ ዝዀኑ እያቶም፣ ኣለዳ ተንሲኦም ከጓስዩ ዝነቕሑን ለይቲ ኣሓኦም ክሕልዉ ዝነቕሑ ብምዃኖም እዩ፣ ምስኣቶም ሓቢርና ጐይታ ኢየሱስ ስለ ዝዓደለማ ነመስግኖ። ኦ ልዑል ምእንታና ገዛእ ርስኻ ትሕት ዘበልካ ጐይታ እግዚኣብሔር ንባርኸካ፣ ዓቢይ እንከለኻ ንኡስን ድኻን ኰይንካ፣ ከሃሌ ኵሉ እንከለኻ ገዛእ ርእስኻ ኣልቦ ጉልበት ኰይናክ፣ ከምቲ ኣብ ወንጌል ሉቃስ ምዕራፍ 2 ፍቕዲ 10 ዘሎ እቶም መላእኽቲ ነቶም ጓሶት ከምዝበልዎም ሕጂ እውን ጐይታ ኣይትፍርሑ ዝብል ቃል ብኣኦም ኣቢሉ ይደግመልና ኣሎ፣ ኣነ እውን” ይብሉ ቅዱስ ኣቦና፦ “ኣይትፍርሑ እብለኩም ኣሎኹ ኣቦና ዓቃልን ጐይታ ትዕግስትን እዩ፣ የፍቅረና እዩ፣ ናብታ ቃል ዝተኣተወትልና መሬት ተስፋ ዝመርሓና ኢየሱስ ዓዲሉና እዩ፣ ንሱ ብርሃን እዩ ጸላም ዘውግሕ ብርሃን እዩ። ምሕረት እዩ፣ ኣቦና ወትሩ መሓሪ እዩ፣ ሰላምና እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።








All the contents on this site are copyrighted ©.