2013-12-21 16:06:33

ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቀነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ዕለት 20 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ነቶም ኣብ ኣርጀንቲና ፈቖዶ መእከቢ ጓሓፍ እናዞሩ ኣብኡ ዝርክበ ተሪር ወረቓቕትን ሓጻዊንን ዓለባ ጨርቅን ተረፍ መግባዊ ምህርትን ካልእ ዓይነት ብጠቅላላ ዝጓሓፍ ንዋት በቢ ዓይነቱ እናፈላለዩ ኣኪቢም ንዓበይቲ ኢንዳስትሪታት ብምቕራብ ንዝመሓደሩ ኣብ ዕቃቤ ጥዕና ስነ ምኅዳር ዓቢ ተራ ዝጻወቱ ዘለዉ ድኻታት ክፍሊ ሕብረተሰብ ኣርጀንቲና ናይ ምስማዐ-ርእየት መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ነቲ መልእኽቲ ምንቅስቃስ ዝተነጸሉ ሰራሕተይናታት ኣካየድቲ ስራሕን ሓላፍንት ዕለት 5 ታሓሳስ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም መሪሕ ቃል ኣብ ዝሃብውሉ ዕለት ዝተቐርጸ መልእኽቲ ምዃኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ ቅዱስ ኣቦና ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ ኣብዚ እዋን’ዚ ናይቶም ሃባትም ናይ ዝበሃሉ መኣዲ ተረፍ ናይ ምጕሓፍ ጣዕሚ ክህልወና ዘይሕሰብ እዩ” ዝብል ግልጽን ንጹርን ኩሉ ብሓባር ነቲ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ናይ ምንጻግን ምድርባይን ባህሊ እዚ ድማ ነቕሓ ወይ ድማ ንነገር ዝምልከት ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ኣብ ልዕሊ ፍጥረት ሰብ እውን ዝርአይ ምዃኑን፣ ብዙሓት ተነጺጎም ከም ጓሓፍ ዝረኣይሉን፣ ኣብ ሕብረተሰብ ምንም ዓይነት ስፍራ ዘይብሎም ከምዘለዉ፣ ብሓቂ እዚ ባህሊ’ዚ ዓቢይ ሓደጋ ምዃኑ ከምዝገለጹን እቶም ኣብ ኣርጀንቲና cartoneros” ብዝብል ስም ዝጽውዑን በዚ ስራሕ ዕለታዊ ሕይወቶም ንኽመርሑ ዝጽዕሩ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓለፍዎ መልኽቲ ንኢዶም፦ ዕዮኹም ዕለታዊ ሕይወትኩም ንምምራሕ እትፍጽመዎ ጻዕሪ ዘመልክት ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ ምክንኻን ጥዕና ምኅዳር ዘለዎ ግደ ዓቢይ እዩ። ኣብ መንጐኹም ምቅርራብን ሕውነትን ናይ ስራሕ ልዑል ክብሪ ይንበር። ኣብ ዓለም ተትረፍሪፉ ዝጓሓፍ መግቢ ኣብ መላእ ዓለም ብስእነት መግቢ ንዝሳቐዩ መዕንገለ። ኣትፍጽምዎ ዕዮ ንናይ ክንክን ጥዕና ምህዳር ጥራሕ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ እዩ፣ ኵይኑ ግን ነዚ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ግብረ ልግሲ እውን እዩ። ምብኻን መግቢ ክውገድን ኣብ ዓለም ብስእነት መግቢ ብሚሊዮናት ዝቁጸሩ ሕጻናት ዝሳቐዩ ከምዘለዉ ኣይንዘንግዕ። ብምኽንያት እቲ እተካይድዎ ዕዩ አመስግነኩም” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቶም ካርቶነሮስ ተባሂሎም ዝጽውዑ ክሳብ 2001 ዓ.ም. ስራሕ ዝነበሮምን ዕለታዊ ሕይወቶም ብዝተመጣጠን እዅል እቶት ዝመሓድሩ ዝነበሩን በቲ ዝተኸስተ ቅልውላው ኤኮኖሚ ኩሉ ስኢኖም ብዘይ ስራሕ ዝተረፉ ዝሓቁፍ ልዕሊ 100 ሽሕ ዝግመቱን ካብዚኣቶም እቶም 9 ሺሕ ኣብ ወሰናስን ከተማ ቦኖስ ኣይረስ ዝነብሩ ክመዝኾኑ እንክምልከት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዕለት 19 መጋቢት 2013 ዓ.ም. ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ተልእኾኦም ብወግዒ ንምጅማር ኣብ ቅርኣት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ናይዞም ካሮቶነሮስ ካብ ስራሕ ዝተነጸሉ ማሕበር ኣባላት ዝብል ጽሑፍ ዝተነብሮ ቐጠሊያ ዝሕብሩ ናይ ስራሕ ልብሶም ለቢሶም ከምእተሳተፉን ከምኡ እውን ኣብ ሪዮ ደ ጃነይሪ ኣብ ናይ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዕለት 26 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሳተፉሉ ጸሎት ፍኖተ መስቀል እውን ከምዝሓበሩ የዘኻክር።








All the contents on this site are copyrighted ©.