2013-12-21 15:57:32

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ኢጣሊያ ዘለዋ ባህላዊ ቅርሲ ዓቢይ ዕድል ኢዩ


RealAudioMP3 ዕለት 20 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ኢጣሊያ ናይ ረፓብሊካዊት ኢጣሊያ ስነ ርክባት ሜላ ኣካየድቲ ስራሕ ጽምብላዊ ስነ ስርዓትን ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኢጣሊያ ልኡከ መንግስትን ኣባላት ሰራሕተይናታትን ብጠቕላላ ከነብዕሎ እንቀራረብ ብዘሎና በዓለ ልደት ዘእግዚእነ ብምኽንያት ተቐቢሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዝለገሱ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ኢጣሊያ ልኡካነ መንግስትን ሰራሕተይናታትን ንዝህብዎ ኣገልግሎትን ምስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፍን ምስ ኅየንተ ቤተ ጳጳስን ዘርእይዎ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ኣመስጊኖም፣ ኣብ ስነ ርክባት ሜላ ተልእኾ ኣብ መንጐ ቅድስቲ መንበርን ኢጣሊያን ዘሎ ርክብ ኣማእኪሎም፦ “ናይ ስነ ርክባት ሜላ ኣገልግሎት ኣባላት፣ ናይ ምርኻብን ምቅርራብን ምትሕብባርን ባህሊ ምምችቻእ እዮ፣ ዕዮኹም ኣብ መንጐ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ልኡካንን ናይ ዓለም ሓቆፍ ማሕበራት ልኡካንን ናይ መንግስታትን ፍርያማ ርክብ ክህሉ ምግባር እዩ። ስለዚህ ዘለኩም ሓላፍነትን ዕዮኹምን ክሳብ ክንደይ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ!” ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።
ኣብ ሕድ ሕዳዊ ምቅርራብን ምክብባርን ምፍላጥን ዝቖመ ሓባራዊ ድላይ መገዲ ልምዓትን ሰላምን ዘማዕድው እወታዊ ርክብ ክድንፍዕ ከምዘለዎ ቅዱስነትቶም ኣንክሕብሩ፦ “ኢጣሊያ ዘለዋ ባህላዊ ቅርስን ሃብትን ንኣኻትኩም ናይ ኢጣሊያ ናይ ስነ ርክባት ሜላ ሰራሕተይናታትን ልኡኻትን ዓቢይ ዕድል እዩ። ኣብ መላእ ዓለም ኢጣሊያ ዝብል ቃል ባህልን ስነ ጥበብን ስልጣኔን ምስ ዝብል ቃል ተመሳሲሉ እዩ ዝግለጽ፣ እዚ ዓቢይን ብሉጽን ዕድል ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ፍቕሪ ስልጣኔ ክብሉ ንዝገልጽዎ ንናይ ሓባር ጥቕሚ ብልጫ ክውዕል ኣብ ናይ ስነ ርክብ ባህሊ ዓቢይ ግደ ከምዘለዎ ተገንዚብኩም ብቑዕን ዓቢይን ግምት ክትህብሉ ይግባእ” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ጂሶቲ ኣስዒቦም ቅዱስ ኣቦና በዓለ ድለት ዘእግዚእነ፣ በዓል ርክብ ኣብ መንጐ እግዚኣብሔርን ሰብን ከምዝኾነን፣ ኣብ ገዛእ ርእሱ ብምልኣት እቲ ርክብ ክዉን ዝገበረ ሕጻን ከምዝተዓደለና እንከመልክቱ፦ መልእኽቲ ልደት ኢየሱስ፣ ክርስቲያን ንዘይኮነ እውን ሕቶ እዩ፣ ነፍሲ ወከፍኩም እዚ ዓቢን ናይ ፍቕሪ ምስጢር ብምልኣትን ውዕዉዕ መንፈስን ክትነብርዎን ናይ ኣገልግሎትኩም ሕይወት ይኹን” ቢሎም ዝለገስዎ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.