2013-12-19 16:01:58

ቤተ ክርስቲያን ሓድሽ ቅዱስ ብእግዚኣብሔር ተዓዲላ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 18 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ናይ ቅድስና ጉዳይ ዝክታተል ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ናይ ብፁዕ ኢየሱሳዊ ማሕበር ኣባል ኣባ ፒየትሮ ፋቨረ ቅድስና ክእወጀሎም ዘብቅዕ ዘቕረብዎ ሰነድ ገድለ ቅድስና ተቐቢሎም ናይ ፍቓድ ውሳኔ ክታም ከምዘንበርሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ እግዚኣብሔር ንቤተ ክርስቲያኑ ሓድሽ ቅዱስ ስለ ዝዓደላ ድማ ንምምስጋን ብዓመታዊ በዓል ቅዱስ ስም ኢየሱስን ከምኡ እውን እቲ በዓል በዓል ስም ማሕበር ኢየሱሳውን ብምዃኑ ዕለት 3 ጥሪ 2014 ዓ.ም. ሮማ ኣብ ዝርከብ ብማሕበር ኢየሱሳውያን እትመሓደር ቤተ ክርስቲያን ዘኢየሱስ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት 9 ናይ ንጎሆ ብካህናት ማሕበር ኢየሱሳውያን ኣብ ሮማ ተዓጂቦም መስዋዕተ ቅዳሴ ከዕርጉ ምዃኖም የመልክት።
ቅዱስነቶም ከምኡ እውን ኣገልጋሊት እግዚኣብሔር እናቴ ማርያ ተረዛ ደምጃኖቪች ኣባል ማሕበር ደናግል ቅድስቲ ኤሊሳቤጥ ዘፍቅር ኣብ 1972 ዓ.ም. ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልየትን፣ ናይ ሰበኻ ካህን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ኣብ ስፐይን ርእሰ ከተማ ማድሪድ ኣብ 1968 ዓ.ም. ምድራዊ ሕይወቶም ዘብቅዑ መስራቲ ማሕበር እመ ወድንግለ ጽሙረ ኣማኑኤል ሄራንዝ ኤስታብለስን ከምኡ እውን ኣገልጋሊ እግዚኣብሔር ዓለማዊ ምእመን ዕለት 7 ጥቅምቲ 1970 ዓ.ም. ኣብ ግብጺ ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወልደ ጆርጅ ቺየሲየልስኪን ንብጽእና ዘብቅዕ ብኣማልድነታቶም እግዚኣብሔር ዝዓደሎ ጸጋ ፈውሲ ሓባሪ ጽሑፍ ዝተነብሮ ብፁዕ ካርዲናል ኣማቶ ዘቕረብሎም ሰነድ ገድለ ታሪኽ ብፅና መሠረት ቅዱስ ኣቦና እናቴ ደምጃኖቪችን ኤስታብለስን ቺየሲየስኪ ታሪኽ ብፁዕናኦም ጽዱቕ ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።
ሓድሽ ቅዱስ ፋቭረ ቅድሚ 500 ዓመት ዝነበረን ወንጌላዊ ልኡኽን ልኡኽ ር.ሊ.ጳ.ን ናይቲ ኣብቲ እዋን ዝተወልደ ሓድሽ ማሕበር ኢየሱሳውያን መንፈሳዊ መርሕ ልኡኽን ኣብ ፓሪስ ትምህርቱ ኣጠናቒቝ ኣብ ኢጣሊያ ሮማ ከተማ መንበረ ጥበብ ሳፔንዛ ንኽልተ ዓመት ብመምህርና ዘገልገለን ብትእዛዝ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ፓርማ ትምህርተ ክርስቶስ ከምስተምህር ተመዲቡ ዘገልገለን ቀጺሉ እውን ኣብ መንጎ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ሓድሽ ዝተወልደት ቤት ክርስቲያን ሉተራንን ናይ ዘተን ርክብን ድልድል ንኽኸውን ናብ ጀርመን ተላኢኺ ከምዘገልገለ ናይ ቤተ ክርስቲያን ታሪኻዊ ሰነድ ይሕብር።
ዕለት 15 ነሓሰ 1534 ዓ.ም. በቲ ቅዱስ ኢግናዚዮ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ዝፈለሞ ናይ ማሕበር ኢየሱሳውያን መንፈሳውነት ዝነብረ ቀዳማይ ካህን ማሕበር ኢየሱሳውያን ንምዃን በቒዑን ናይቲ ማሕበር ተሓባባሪ መስራቲ ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦ ከምዝኾነ ንቕድስና ዘብቅዖ መሰረተ ሓሳብ ናይ ዘቕርብ ናይ ኢየሱሳውያን ማሕበር ንቅድስና ዘብቅዕ መሰረተ ሓሳብ ኣቕረብቲ ቤት ምኽሪ ጠቅላሊ ሓለቓ ኣባ ኣንቶን ዊትቨር ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ ኣባ ፋቭረ ብምኽንያት ውግእ ቱርክን ቨነዚያን ናብ ኢየሩሳሌም ክነቅል ብዘይ ምኽኣሉ ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሳልሳይ ኣብ ኤውሮጳ ልኡካነ ወንጌል ኰይኑ ከምዘገልገለን፣ ኣብ ጉባኤ ትረንቶ ኣማኻሪ ኰይኑ ድሕሪ ምግልጋል ብዝሓደሮ ሕማም ምኽንያት ኣብ ውርሒ ነሓሰ 1547 ኣብ ሰማይ ቤት ከምእተወልደ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.