2013-12-17 15:33:27

ጸሎት ኣብ “ሰማይ እትነብር ኣቦና” ብውሁድ ቅንይት ጥዑም ሙዚቃ


RealAudioMP3 ኣብ መበል 69 ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኡምብሪያ ክፍለ ሃገር ናይ ብሉጽ መንፈሳዊ መዝሙር ሽልማት ፍርንቸስኮ ሲቺሊያኒ ለምዘበን ናጽነት ብዝብል መሰረተ ሓሳብ ተመሪሑ ኣብ 2014 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ካብ መላእ ዓለም ዝተዋጽኡ ናይ ውሁድ ጥዑም ስነ ሙዚቃ ደረስቲ ዝሳተፍሉ ናይ ሙዚቃ ውድድር ክካይድ ምዃኑ ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚ ምስ ናይ ፐሩጃ ናይ ጥዑም ውሁድ ሙዚቃ ቅንይት ማኅበር ብምትሕብባር ኣብ ዝሃብዎጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲይ ቫቲካን ጋብሪኤላ ቸራሶ ኣመልኪተን።
እዚ ኣብ 2014 ዓ.ም. ወርሒ መስከረም ዝካይድ ውድድር ጥዑም ቅንይት ስነ ሙዚቃ ድርሰት ከምቲ ልሙድ ስልማት ፍርንቸስኮ ሲቺሊያኒ ንብሉጽ ጥዑም ቅንይት ስነ ሙዚቃ ድረስት ደራስን መዘምራንን ብምስላም ዝዛዘም ከምዝኾነ ክምልከት እንከሎ፣ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፦ “ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ዝዓበየ ሽግር ሓድሽ ዓይነት ጥዑም ቅንይት ሙዚቃ ኣገላልጻን ኣቀራርባን ሕጽረት እዩ፣ ዋላ እቲ ናይ ቀደም ሕዝባውያን መንፈሳዊ መዛሙራት ዝበሃሉ ሓዲስካን እዋናዊ ስነ ሙዚቃዊ ቅንይት ብምትእትታው ናይ ምቕራብ ድላይ ሕጽረት እዩ። ስለዚህ ብሉጽን ምሩጽን ናይ እዋናዊ ሙዚቃውን ሕይወትን መንፈሳውን ሰዋስው መሰረት ጥዑም ቅንይት ድርሰት ሙዚቃ ጌርካ ምቕራቡ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ድማ ምስ ናይ ሊጡርጊያ ቲዮሎጊያ ዝሰማማዕ ክኸውን መታን ምጥንቃቕ የድሊ” ከምዝበሉ ቸራዞ ገሊጸን።
ዕለት 13 መስከረም 2014 ዓ.ም. ናይ ኣሲዚ ላዕለዋይ ባሲሊካ ብግራይ ግራደን ዝምራሕ ናይ ስቶኮልም ካቴድራል መዘምራን እቲ ምርጹ ተባሂሉ ንስልማት ዝበቅዕ ውሁድ ጥዑም መንፈሳዊ ሙዚቃ ንትርኢት ክቐርብ ከምዝኾነን፣ ብፍላይ ኣቦና ኣብሰማይ እትነብር ዝብል ሕዝቢ ኣእዳዉ ናብ ሰማእይ ኣልዒሉ ኩለንተናዊ ሕይወቱ ዝምልከት ዘበለ ዅሉ ከቕርብ ኣቦን ውላድን እቲ ኣቦ ኣብ ዕለታዊ ሕይወት ደቃቱ ክዓይን ኣብ ልቢ ሰብ ክኣትውን ድላይ ኣቦን ውላድን መታን ክራኸብን እቲ ናይ ኣቦ ድላይ ብሉጽን ፍጹም ድላይ ውላድ ከምዝኾነ ዘረጋግጽ ባዕሉ ጐይታ ዝመሃሮ ጸሎት ብጥዑም ቅንይት ስነ ሙዚቃ ተደሪሱ ክቐርብ እውን ምዃኑ ብፁዕ ካርዲናል ራቫዚ ከምዝሓበሩ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.