2013-12-17 15:24:46

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ነቢያውነት ክትቦክር እንከላ ፈሪሳዊ ክህነት ትነብር


RealAudioMP3 ዕለት 16 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ንጎሆ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጎም፦ “ኣብ ቤተ ክርስቲያን ትምቢታውነት(ነቢያውነት) ክቦክር እንከሎ ናይ እግዚኣብሔር ሕይወት ኣብ ውሽጣ ይበኩርን ፈሪሳኣዊ ክህነት ይዕብልልን” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ሳልሳይ ሰኑይ ዘመነ ምጻኣት ኣሞርኵይዞም ነቢይ ቃል ኣምላኽ ዝሰምዕ ህሉው ኩነት ዘስተውዕልን ንመጻኢ ዝውጥንን ምዃኑን ሕሉፍን ህልውን መጻእን ኣብ ውሳጤኡ ዘለዎ ከምዝኾነ እንከረድኡ፦ ሕሉፍ፣ ነቢይ ኣስተውዕሎ ዝተኣትወ ቃል ተስፋ ዘለዎን እግዚኣብሔር ዝኣተዎ ቃል ተስፋ ኣብ ልቡ ዝዓቖረን፣ ዝነብሮን ዝዝክሮን ዝደግሞን እዩ። ህልዉ ኩነት ይጥምት ሕዝቡ ይምልከትን ንሕዝቡ ክትንስእን ንመጻኢ ኣተኵይሩ ክጓዓዝ ዝድግፍ ቃል ንኸስምዕ ኣብ ውሽጡ ሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ዝስምዖ እዩ። ነቢይ ናይ ሰለስተ ክፍለ ጊዜ ሰብ እዩ። ናይ ሕሉፍ ቃል ዝተኣተወን፣ ህልዉ ኩነት ዘስተንትንን ናብ መጻኢ ዝመርሕ መገዲ ዘመልክት ተባዕ እዩ። እግዚኣብሔር ወትሩ ንሕዝቡ ብነብያት ኣቢሉን ኣብ ጽንኩር ኩነትን ተስፋ ክቖርጽን ክደክምን ኣንከሎን ቤተ መቕደስ ኣብ ዝባደመሉ እዋንን ኢየሩሳሌም ኣብ ትሕቲ ኢድ ጸላዒ ኣብ ዝወደቐትሉ እዋን ‘ኦ ጐይታ እቲ ቃል ዝኣተኻዮ ኣበይ ድኣ’ሎ? ሕጂ እንታይ ኰን ከጓንፈና እዩ ኣብ ዝብል ዓሚዩቕ ኩነት ኣብ ዝወደቐሉ እዋን ዓቂብዎ እዩ” ምስ በሉ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ትሕቲ መስቀል እንከላ ዘጓነፈ ዕቃበ እግዚኣብሔር ምዝካር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም፣ ነቢይ ኣብ ገዛእ ሃገሩን ብገዛእ ሃገሩን ይንጸግ፣ ኢየሱስ ንፈሪሳውያን ኣቦታቶም ንነቢይት ንሞት ከምዝዳረጉን ስለምታይ እቲ ንሳም ዝሓስብዎን ባህ ዘብሎምን ስለ ዘይተነበየ እዩ። ሓቂ እዩ ዝተኣትዎ ቃል ኪዳን ይዝክሩ ስለ ዝነበሩ ድማ እዩ፣ ኰይኑ ግን ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕዝቢ ክቦክር እንከሎ ነቢይነት ቦኺሩ ኣሎ ማለት እዩ፣ ብሓፈሻኡ ኣብ ሕዝቢ ሕይወት እግዚኣብሔር ቦኺሩ ኣሎ ማለት እዩ፣ ነቢይነት ክቦክር እንከሎ ሕጊ ኣብ ምኽባርን ምንባርን ይኽወን፣ ሕይወት ኣብ ሕጊ ምቛም ይዕንብብ፣ ወንጌል ከምዝብሎ ድማ ሊቀ ካህናት ናብ ኢየሱስ ከይዶም ኣንሕና ኢና ሊቃነ ቤተ መቕደስ እቲ ትፍጽሞን ትብሎን ኵሉ ብናይ መን ስልጣን እዩ? እንክብሉ ናይ ፍቓድ ሕጋዊ ሰነድ ይሓትዎ፣ ነቢይነት ይርድኦም ኣይነበረን፣ ዝተኣተ ቃል ዘንጊዖምን ምልክታ ጊዜ ከንብቡ ዝተሳእኖምን ብዕምቆት ዘይርእዩን ቃል ኣምላኽ ጽን ምባል ዝተሳእኖም፣ ስልጣን ጥራሕ ዝነብሩ ኰይኑ ስለ ዝተረፉ እዩ። ሓይሊ ስልጣን ጥራሕ እዩ ዝነበሮም። ቅዱስ ኣቦና ነዚ፦ “ኣብ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ነቢይነት ክቦክርን ከይሃለወን ክተርፍ እንከሎ ብምብኳር ነቢይነት ባዶ ዝተርፍ ኩነት ድማ ብፈሪሳዊ ክህነታውነት ይምላእ፣ እዚ ዓይነት ፈርሳውነት ክህነት ድማ እዩ ንኢየሱስ ብናይ መን ስልጣን ኢኻ እትዛረብን ኩሉ ነገራት እትፍጽምን ዝብል ሕቶ ንኸቕርቡ ዘገድድ፣ ብየናይ ዓይነት ሕጋውነት ሕግን ናይቲ ቃል ኪዳን ተዘክሮን ተስፋን ተሓንጊጥካ ምጉዓዝ ኣብ ህልዉ ኩነት ጥራሕ ተሓጺሩ ስለ ዝተርፍ እዩ። ኣብ ሕሉፍ ጊዜ ኮነ ኣብ መጻእን ተስፋ ስለ ዘይነበሩ እያቶም፣ ህሉው ኩነት ሕጋውነት ኣብ ሕጊ ምንባርን ጥራሕ ኰይኑ ይተርፍን፣ ብሕጊ እንተድኣ ትነብር ኵይንካ ንቕድሚት ዘይትብል፣ ሕጊ ምክንያት ጽድቂ ይኸውን” እንክብሉ ተንቲኖም፣ ሕሉፍ ሕጋውነት ከንግስ እንከሎ ቃል ኣምላኽ ኣብ ሕዝቢ የሎን፣ ኣማኒ ሕዝቢ እግዚኣብሔር ብልቡ ይነብዕ ስለምታይ ንጐይታ ስለ ዘይረክብ እዩ። ነቢይነት ስለ ዝጐደለ ድማ እዩ። ከም እኖ ሓናን ኣደ ሳሙኤልን ይነብዕ ስለምታይ ኣፍራይነት ሕዝቢ ዝሓትት ንብዓትን ካብ ሓይሊ ኣምላኽ ዝምንጭው ኣፍራይነት ንምሕታት ዝውሕዝ ንብዓት እዩ። እግዚኣብሔር ብተስፋ ናይ ዝኣተዎ ቃል ተዘክሮ ኣባና ከበራብርን ብተስፋ ናብ መጻኢ ክድርኸና እንከሎን ነቢይነት ኣሎ ማለት እዩ። እዚ እዩ እቲ ብዕምቆት ዝጥምት የዕንትን ቃል ኣምላኽ ዝሰምዕን ሰብ፣ “ኣብዛ ዕለት’ዚኣ ጽሎትና ኣብዚ ናብ ልደት ዘእግዚኣነ ኣብ እነምርሓሉ ዘሎና ቅዱስ ኩነት፣ ‘ኦ ጐይታ ኣብ ሕዝቢ ነቢያት ከይጐድሉ’ ቢልና ንጸልይ፣ ኩላትና ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበልና ነቢያት ኢና፣ ‘ኦ ጐይታይ ዝኣተኻዮ ቃል ኪዳን ከይንርስዕ ሓግዘና፣ ንቕድሚት ኣብ ምጕዓዝ ከይንደክም ደግፈና፣ ኣብ ሕሉፍ ሕጊ ምንባር ጽድቂ ዝብል ኣነባብራ መዓጽዎም ዝዓጽዎ ከይንኸውን ኦ ጐይታ ሕዝብኻ ካብ ፍሪሳውነት ክህነት ናጻ ኣውጽኣዮ፣ ብነቢያዊ መንፈስ ደግፎ” ዝብል ጸሎት ኣዕሪጐም ዘስምዕዎ ስብከተ ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.