2013-12-14 16:00:11

ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ኡርባኒያኑም፦ ክርስትናን ነጻነትን


RealAudioMP3 ልዕሊ 30 ዝግመቱ ሊቃውንቲን ተመራመርትን ዘሳተፈ ኣብ ታሪኽን ኣዋናዊ ኩነትን ክርስትናን ነጻነትን” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝመያየጥ ዓለም ለኻዊ ዓውደ ዘተ ዕለት 13 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ክምእተኸፍተ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጋብሬላ ቸራዞ ሓቢረን። እዚ ኣብ ጳጳሳዊ ኡርባኒያኑም መንበረ ጥበብ ናይ ክልተ መዓልቲ ዓውደ ዘተ እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ዘይ-ምጽውዋርን ዘይ-ምቅብባልን ማለት ኣብ ልዕሊ ማሕበረ ክርስቲያንን ንኡሳን ዓሌት ክፍሊ ሕብረተሰብን ዝፍጸም ዓመጽ ስደትን ንጽገት ግምት ብምሃብ ዝተበገሰ ከምዝኾነን ክርስትና ኣብ ምክልኻል መሠረታዊ ናጽነትን ዝሃበቶን እትህቦን ኣስተዋጽኦ ዘቃልሕን ከምኡ እውን እዋናዊ ሃይማኖታዊ ስደትን መከራን ዝዝትይ ምዃኑ ኣመልኪተን።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ዓውደ ዘተ ዝመሓላለፍዎ መልእኽቲ ነቲ ዓውደ ዘተ ዘንበቡን ናይ መኽፍቲ ዘረባ ዘስምዑ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ከምዝኾኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ቸራዞ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.