2013-12-14 16:31:59

ሰንበት ዘደብረ ዘይት 2006 ዓ.ም. ታሕሣሥ 6 2006 ዓ.ም. (12/15/13)


መዝሙር፡ ሠርዐ ሰንበተ ለሰብእ ዕረፍተ. . . . . .
ንባባት፡ ሮሜ 5፡12-19፥ ፪ጴጥ 3፡10-ፍ፥ ግ.ሓ. 26፡1-11፥ ሉቃ 12፡35-40።
ምስባክ፡ ለነዳያኒሃኒ አጽገቦም እክለ፥ ወለካህናቲሃኒ አልበሶሙ ሕይወተ፥ ወለጻቃኒሃኒ ትፍሥሕተ ይትፈሥሑ።
በዚ ሰንበት ዝዝመር መዝሙር ከአ “ሰብ ከዕርፈላ ምእንት ሰንበት ሰርዐ አብ ሰማይን አብ ምድርን አብ ባሕርን አብ መሬትን ምእንቲ ዘለዉ። ምእንቲ አቦታትና ነብያትን ሓዋርያትን፥ ምእንቲ ጳጳሳትን ቀሳውስትን ዲያቆናትን መነኮሳትን ሰንበት ንዕረፍቲ ሰርዐ፥ ንጻድቃንን ኃጥአንን ንሙታንን ሕያዋንን ኢሉ ሰንበት ምእንቲ ዕረፍቲ ሰብ ኢሉ ሰርዐ፥ ንሳ ሰንበት ክርስቶስ ማኅደር ስም ንልዑል እያ” ይብል። ምስጢር ምዓልቲ ሰንበት ተረዲእና አብ ጥቕሚ ነፍስና ክነውዕላ የዘኻኽረና። ሰንበት መዓልቲ ዕረፍቲ ክብሃል እንከሎ ንኹሉ ግዙፋዊ ሥራሕና ገዲፍና ውራይ ነፍስና ክነቐድም ይነግረና። አብ መዓልቲ ሰንበት እንፍጽሞ ስራዓተ ቅዳሴ ንሕያዋንን ንሙታን አብዘለና አሊና ከም ዝጠቕመና ፈሊጡ ተስትፎና ከይንዝንግዕ ይመኽረና። ሰንበት ካብ ኩለን ዕለታት ዘዕብያ ክርስቶስ ካብ ሞት ዝተንሥአላ ከምኡ መንፈስ ቅዱስ አብ ልዕሊ ሓዋርያት ዝወረደላ ስለ ዝኾነት ንአና በዅሪ ዕለታት እያ፥ ካብ ኵለን ከአ ትዓቢ።
ቅዱስ ጳውሎስ አብ ሰብ ሮማ ዝጸሓፎ እያ ቀዳመይቲ ንባብና፥ ነጻ ምዃን አብ ክርስቶስ እንታይ ማለት ምዃኑ ይገልጸልና። ነዚ ከብርህ ኢሉ ነቲ ብሰንኪ ውድቀት ቀዳማይ አዳም ዝመጸ መከራን ነቲ ብዳሕረዋይ አዳም ዝመጸ ጸጋን በረኸትን እናአወዳደረ ይገልጸልና። ከምኡ ብሳላ ህያብ ድሕነት ኃጢአት ከምእተሳዕረ ይነግረና። ነዚ ብዝርኢ አብ ሓዲስ ኪዳን አብ ጽሑፋት ጳውሎስ ዝዓበየ ጥቕሲ እንረኽቦ አብ ሮሜ 3፡21-26፥ 5፡15፥12፡3-6፥ ኤፈ 3፡8-17 እዩ። ህያብ ጸጋ ድሕነት ግላዊ ጉዳይ አይኮነን ንኻልኦት ንምግልጋል ምእንቲ ዝውሃብ እዩ። “ንፍቕሪ ስዓብዋ ንመንፈሳዊ ውህበታት ምናዳ እኳ ኽትንበዩ አዚኹም ተመነዩ” (1ቆሮ 14፡1) ይብል። ምንባይ ወይ ብቋንቋታት ምዝራብ አባና ከተኵር የብሉን አብ ቃል አምላኽ አብ መንጎና ዘሎ እዩ ከተኵር ዝግብኦ። ጳውሎስ አብዚ ነቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዝርከብ ሓሳብ ተአዝዞ ከም ምስማዕ ድምጺ አምላኽ ዝብል የጠቓልሎ። አብ ዝኾነ እዋን እስራኤል ክሰምዕ ክእዘዝ እንከሎ እቲ ህዝቢ ብግድነት ነቲ ትእዛዝ ከኽብር አለዎ። ነዚ ብዝሰማማዕ አብ ፍልጲስዩስ 2፡8 ጳውሎስ “ክሳብ ሞት ተኣዛዚ ኮነ” ይብል።
ጳውሎስ አብዚ ዘስተምህረና ክርስትያናዊ ትእዛዝ ተጽዕኖ ከምዘይኮነ ንምግላጽ እዩ። ክርስትያናዊ ተአዝዞ ምስማዕን ነቲ ዝሰመዕካዮ መልሲ ምሃብን እዩ ዝደሊ እዚ ኸአ አብቲ አምሳል አምላኽ ዝብል እናዓበኻ ምኻድን ንርእስና አስተንተንቲ ክርስቶስትስ ክንከውን ምግላጽ እዩ። ጸጋ ንኃጢአት ዝሓልፎ ነቲ አምላኽ ዘቕርበልና መጸዋዕታ ክንሰምዕን ክንእዘዝን እንከሎና እዩ።
ወንጌል ሉቃስ ክሳብ ምጽአት ክርስቶስ ንቝሓት ክንከውን ይነግረና። “ሓቛቝኹም ዕጡቕ መብራህትኹም ብሩህ ይኹን” ዝብል ክሳብ ክንደናይ ምስንዳው ከምዘድሊ ይነግረና። እዚ ሓቛቝኹም ዕጡቕ ዝብል አብ ክልቲኡ ኪዳናት ደጋጊሙ ክጥቀስ ንርእዮ። (አብ ኢዮብ 38፡3፥ 4፡7፥ ኤፈ 6፡14፥ 1ጴጥ 1፡13)። “መብራህትኹም ብሩሕ ይኹን” አብ ጊዜ ኢየሱስ ብዘይቲ ዝበርህ መብራህቲ አብ ገዛ ከብርህሉ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ እዩ። አብ ጉዕዞ ለይቲ ክጠቕሞም ኢሎም አብ ክብ ዝበለ ቦታታት መብራህቲ ምቕማጥ ልሙድ እዩ ነሩ። እዚ ናይ ዘይቲ መብራህቲ ካልእ ትርጉም እውን አልኦ፥ ናይ ፍልጠትን ንመገዲ አምላኽ ናይ ምኽታል ምልክት እዩ። አብ መዝሙር 119፡105 ዝበለጸ አብነት እዩ “ቃልካ ንስጕምተይ መብራህቲ ንመገደይ ብርሃን እዩ” ይብል። አብ ሓዲስ ኪዳን ኢየሱስን ዮውሓንስ መጥምቕን ከም መብራህቲ ይግለጹ (ዮሓ 5፡35፥ ራእ 21፡23።
ቀዳማይ ክፋል ትሕዝቶ እቲ ወንጌል ብዛዕባ እቶም አገልግለቲ ንጎይትኦም ካብ መርዓ ክምለስ እንከሎ ተሰናድዮም ዝጸንሕዎ እዩ ዝዛረብ። እዚ ምጥቃስ ናይ ጎይታን መርዓን ብርግጽ ነቲ ዳግማይ ምጽአት ኢየሱስ ክርስቶስ ዘመልክት እዩ። ነቒሕካ ምጽባይ አብ ክልቲኡ ኪዳናት ሓደ ብተደጋጋሚ ዝንገር አርእስቲ እዩ። አብ ብሉይ ኪዳን ብፍላይ ብእዋን ለይቲ ወተሃደራት ነቒሖም ይሕልዉ (2ሳሙ 18፡24)። ነብያት እግዚአብሔር ነቲ ዝግበር ዘይቅኑዕ ግፍዒን ኃጢአትን ክኸጽዕ ኩሉ ጊዜ ከም ዝዕዘብን ከምዝመጽእ ይነግሩ (ኤር 6፡17-19። አብ ሓዲስ ኪዳን ንሞራላዊ ጠበያት ብዝርኢ አብ ማር 8፡15፥ ማቴ 16፡6 ነቒሕካ ምጽባይ ከምዘድሊ ንአብነት ክንርእዮ ንኽእል። ክልቲኡ ኪዳናት ከስ ድሕሪ ውድቀት ቀዳሞት ወለድና ምንቃሕ ምስንዳው ከምዘድልየና ብንጹር ይሕብሩና። ኩልና ደቂ ሰባት እንነብሮ ዘሎና ሕይወት ክሳብ ዘይሰራዕና ክንሓዊ ክንቅደስ አይክአልን እዩ። መገዲ ጉዕዞ ሕይወትና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክኸውን ወንጌል ገሊፉ ይዛረበና።
“እቶም ጎይትኦም ኪምለስ ከሎ ነቚሖም ዚረኽቦም ገላዉ ብፁዓን እዮም፥ ተዓጢቑ አብ መአዲ ከም ዜቐምጦም ቀሪቡውን ከም ዜገልግሎም ብሓቂ እብለኩም አሎኹ”። ነቒሕካ ምጽባይን አገልግሎት አድሕድና መሰረታዊ ሓቂ ከምዝኾነ ይነግረና። አብዚ ዓለምና ሓደ መራሕ ሃገር ነቶም ትሕቲኡ ዘለዉ ከገልግል ክንርኢ ዘይሕሰብ እዩ። ወንጌል ግን አብሪኡ እቲ ሓቂ ከመይ ከምዝኾነ ይነግረና። እዚ ከም ንጉሥ ኮይኑ ዘገልግል ንኢየሱስ እዩ ዘመልክት (ሉቃ 13፡30) “እንሆ ድማ ቀዳሞት ዳኅሮት ዳኅሮት ከአ ቐዳሞት ክኾኑ እዮም” ይብል። እቲ ዝበለጸ ካልእ አብነት ናይ እዚ አገልግሎት ከአ አብቲ ኢየሱስ አእጋር አርድእቱ ክሓጽብ እንከሎ ተራእዩ (ዮሓ 13 1-17)።
አብ ታሪኽ ክርስትናና ብዙሓት ነገስታትን ማንም ሰባትን ነዚ ናይ ክርስቶስ አሰር ተኸቲሎም ብምሉእ ሕይወቶም አብ አገልግሎት ካልኦት ከምዘሕለፉ ቅዱስ ሕይወት አሕሊፎም አብነት ንብዙሓት ከምዝኾኑ ንርኢ። ገለ ነገስታት ሃብታማት እውን ንሃብቶም ንድኻታት እናዓደሉ ከምዝነብሩ ዝነበሩ ንርኢ። እዚ ኹሉ አምላኽ አብ ጉዕዞ ምድራዊ ሕይወቶም መብራህቲ ኮይኑ ንኹሉ ክርእዩ ክምምዩን ከምዝኽእሉ ገርዎም በዚ ኸአ ልዕሊ ኹሉ ንአምላክ ሰሪዖም ይነብሩ ነሮም።
ትሕትና አፍደገ ሰማይ ከምንርኢ ይገብረና። ዝሓለፈ ጸሎተ ሓሙስ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንጨስኮስ አብ ናይ መንእሰያት ቤት ማእሰርቲ ከይዶም አእጋር ናይ ዝተፈላለየ ባህልን እምነትን ዘልኦም ሓጺቦም እዚ ንዓለምና አሰንቢድዋ። አብ እግሪ እዞም መንእሰያት ተምበርኪኾም ክሓጽብዎም ከለዉ ዓለምና ዓቢ ትሕትና ተማሂራ። ናይ ሎሚ ወንጌል ነዚ እዩ ዘዘኻኽረና። ንሕና እውን ክሳብ ዳግማይ ምጽአት ክርስቶስ ነሕዋትና እንታይነቶም ብዘየገድስ ክነገልግል ከምዝግባእ ይነግረና። አብ ወንጌል ዝተፈላለየ አብነታት ንርኢ (አልአዛርን እቲ ሃብታም ሰብአይን፥ ኢየሱስ ነታ አብ ዝሙት ዝተረኽበት ሰበይቲ ክኸላኸለላ እንከሎ) አብ ሕይወት ጨሪሹ ዘይተጸበኻዮ ምልወጥ ክመጽእ ከምዝኽእል ይሕብረና። እዚ ማለት ሃብታማት ድኻታት ይኾኑ ድኻታት ከአ ሃብታማት ይኾኑ፥ ዓለምካ አብ ዝኾነ እዋን ክትቅየር እንከላ ከቢድ እዩ። ትስዕር ጸኒሕካ ክትስዓር፥ ትመርሕ ጸኒሕካ ክትምራሕ ቀሊል አይኮነን። ገለ ኸአ አብዚ አለዉ ከይተባህለ አብ ዝኾነ ዓይነት ሕይወት ኩሉ ክቐየረሎም ክትርኢ ዘገርም እዩ። ዓለምና አበይ ገጻ እያ እትጉዓዝ ዘላ። ንተሓድሶን ቅድስናንዶ ወይስ ብአንጻሩ ክንሓስበሉ ዝግባእ ጉዳይ እዩ።
ወንጌል ሉቃስ እምብአር ጉዕዞ መገዲ ሕይወትና ርኢና ክንክእል እና አዘኻኸረ ንምጽአት ክርስቶስ ስንድዋት ክንከውን ይነግረና። አብ ጉዕዞና ፍቕሪ አምላክ አባና ክዓዝዝ ቅድስና ትሕትና አገልግሎት አድሕድና ክነዕቢ ከምዘድሊ ይነግረና። ዘንጊዕና አብ መገዲ ጸጋም ከሎና ወይ እውን ሰይጣን ተዓዊትልና እንከሎ መዓልቲ ጎይታ ከይትመጸና የጠንቅቐና።
ሳልሰይቲ ንባብና ካብ ካልአይቲ መልእኽቲ ጴጥሮስ ተመሳሳላይ ሓሳባት ተቕረበልና። “መዓልቲ ጎይታ ከም ሰራቒ ኮይና ክትመጽእ እያ” እዚ አብ 1ተሰ 5፡2 አብ ማቴ 24፡43-44፥ ሉቃ 12፡39-40፥ ራእ 3፡3 ኩሎም ብተመሳሳሊ መገዲ ንመዓልቲ ጎይታ ብዘይ ተሓስበ ክትመጽእ እያ እሞ ተሰናዲና ክንጽበያ ይነግሩና። ጴጥሮስ ነቲ ዝኸውን ድሕሪ ምንጋሩ እንታይ ዓይነት ሰባት ክኾኑ ከምዝግባእ ይነግር፥ “ነታ አምላኽ ዝመጸላ መዓልቲ እናተጸበኹምን እናአቀላጠፍኩምን ብቕዱስ ሕይወትን ብፍርሃት እግዚአብሔርን ክትነብሩ እዩ ዝግብአኩም” ይብል። “ሓዲስ ሰማይን ሓዲስ ምድርን ንጽበ አሎና” አብ ራእይ 21፡1 ተመሳሳሊ ሓሳብ ንርኢ። ኲኖ እዚ ዘሎ መከራ ዘሎ ራህዋ ክንርኢ እሞ ሕይወትና ብቕድስና ክነብር ዘዘኻኽር እዩ።
ምስ አምላኽ “ነዚ እናተጸበኹምሲ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ምስኡ ሰላም ዘለኩም ኳንኩም ክትርከቡ ተጋደሉ” እናበለ ምስ አምላኽ ዘሎና ርክብ ክንርኢ ይዕድመና። ከመሎኹ ኢልና ርእስና ክንርኢ። አምላኽ ኃጢአተኛታት እንከሎና ከም ዝዕገሰና ክገልጽ እንከሎ “ጎይታና ንኼድኅነኩም ኢሉ ዘርእዮ ዘሎ ትዕግሥቲ ሕሰቡ” ይብል። ነፍስ ወከፍና ክፍአትና ኃጢአትና ርኢና እንተ ንኽእል መጀመርያ ክንደይ ንአምላኽ መፍቀርናዮ ምስ እዚ ኹሉ ተዓጊስካኒ ዘሎኻ ኢልና። ካልአይ ከማና ሰባት ሥጋ ዝለበሱ ከማና ዝጋገዩ ዝወድቁ ምዃኖም ርኢና ክንምሕሮም ክንዕረቖም ምኽአልና።
“እምብአር ብስሕተት እቶም ስዲ ዝኸዱ ዘለዉ ተሳሒብኩም ካብቲ ጽኑዕ መሠረትኩም ከይትወድቁ ተሓለዉ” እናበለ ሓውና/ሓፍትና ከምኡ ፈተውትና ምኽንያት ጥፍአትና ክኾኑ ከምዝኽእሉ ይነግረና። “ካብ ፈታዊአይ እምበር ካብ ጸላኢኤይስ ባዕለይ አሎኹ” ዝብል ብሂል አሎ አብ ገለ እዋን ከይተረድአና ፈተውትና ቤተ ሰብና ምኽንያት ውድቀትና ክኾኑ ይክአል እዩ። ልቦናን ምስትውዓልን የድሊ። ንሓቂ አብ ዋጋ ዕዳጋ ክነውርዳ የብልናን። መድኃኒና “ቃልኩም እወ እወ ወይ አይኮነን አይኮነን ይኹን ይብለና። ክልተ መገዲ ሒዝና ክንከይድ አይንኽእልን ኢና ንአምላኽን ንሰይጣንን ብሓደ ክነገልግል አይክአልን እዩ ስለዚ ዓይንና ንሓቂ ርእዩ መንፈሳዊ ድፍረት ከለብስ አልኦ።
“ብናይ ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ጸጋን፥ ንአኡ ብምፍላጥን ግና ዕበዩ”። ኩሉ ዘሎና ህያብ አምላኽ እዩ ብዘይ ህያብ አምላኽ ሓንቲ ጽቡቅ ክንገብር አይንኽእልን ኢና። እሞ አብ ልበይ አብ ሕይወተይ እንታይ እዩ ዘሎ፥ ክፍአት ኃጢአት ቂምታ፥ ዝተፈላለየ ካብ አምላኽን ሰብን ዝፈሊ ጉድለታት፥ ነዚ ኹሉ ዝሓዘ ልቢ አምላኽ ምስኡ የለን ነዚ ክንስዕሮ አብ አምላኽ ንመለስ። ንአምላኽ ክንፈልጦ ክነለልዮ አብ ሕይወትና እንተ ኸአልና አይክንጠፍእን ኢና። ሎሚ ከቢዱ ዘሎ ሰብ ቦታ አምላኽ ብሃብቲ ብአነ ዝብል ተኪእዎ ብትዕቢትን ክፍአትን ተመሊኹ መገዲ ሰማይ ጠፊእዎ እንርእዮ ዘሎና ሓቂ እዩ። እታ ሓንቲ መፍትሒ አብ አምላኽ ተመሊስካ አፍልጦ አምላኽ አብ ሕይወት ነፍሲ ወከፍ ሰብ የድሊ አሎ።
አብዚ እዋን እምብአር አበይ ከምዘሎናን ከመይ ንጉዓዝ ከምዘሎናን አለሊና ሕይወትና ንሓድስ። ንፈቃር አምላኽነ ንለምኖ መገዲ ድሕነተይ ከሰክፈኒ እሞ ቅድስና ዝመልኦ ሕይወት ሒዘ ክጉዓዝ አሰንየኒ ንበሎ። አብ ኩሉ ብጸግኡ ይሓግዘና። አሜን።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.