2013-12-14 15:49:04

ሃገረ ቫቲካን፦ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት፦
“ሓቅን ሓቀይናነትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብነት ክርስቶስን”


RealAudioMP3 ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንዝተመርሑ ንመላእ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ብሓባር ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ዘካይድዎ ብሰባኬ ቤተ ጳጳሳት ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ዕለት 7 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. “ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘአሲዚ ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ጎዳና ቅድስና” ኣብ ዝብል ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ኣስተንትኖ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ብምቕልጻል ዕለት 14 ታሕሳስ 2014 ዓ.ም. ንጐሆ፦ “ቅዱስ ፍራንቸስኮ ቤተ ክርስቲያን ትሕትን ምእንቲ ፍቕሪ እተገልግል መታን ክትኸውን ይመርሓ” ኣብ ዝብል ቀዉም ሓሳብ ዘማእከለ ካልኣይ መደብ ኣስተንትኖ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከምዘቕረቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ንናይ ቕዱስ ፍራንቸስኮ ንትሕትና ብርሃን ዝዀኑ ክልተ ምንጪታት ሓቅን ሓቀይናነትን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔርን ኣብነት ክርስቶስን” ዝብሉ ከምዝኾኑን ኣባ ካንታላመሳ እንክትንትኑ፦ “ዓለም ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ይስዕብ፣ ስለምንታይ ኩሉ ከም ሰብ መጠን ሃንቀው ዝብሎም ክቡራት ዋጋታት፣ ነጻነት ሰላም፣ ሰላም ምስ ገዛእ ርእስኻን ምስ ፈጣርን፣ ሕውነትን ሓሴትን ዝብሉን ካልኦትን ኣብኡ ተኸዊኑ ስለ ዝርአይ እዩ። ኣብ ናይ ሎሚ ኣስተንትኖ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ብዛዕባ እቲ ዓለም ፈጺሙ ዘይብህጎን ውሑዳት ጥራሕ ዝምነይዎ ኰይኑ ግን ናይ ኩሉ ዓበይቲ ክቡራት ዋጋታት ኣናስር (መበቆል) ዝኾነ፦ ትሕትና ኣብ ዝብል ቃል ከነሰንትን እፈቱ” ምስ በሉ “ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም እቲ ዓቢይ ክቡር ዋጋ ደረጃ ትሕትና ዝነበረትን እቲ ጥዑም መኣዛ ትሕትና ዝፍንዎ ዘይኮነስ እቲ ዝቕበሎ እዩ ዝሰምዖ፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ክንብል እንከለና ኣብ ቅድሚ ኣገዳስን መሰረታዊ ትሕትና ማለት ፍጡር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ሕልናዊ ግንዛቤ ገዛእ ርእሳውነት ኣብ ዝብል ኩነት ፊት ኢና እንርከብ፣ ሰብ ምስ ገዛእ ርእሱን ምስ ካልኦትን ምስ ሕብረተሰብን ክሳብ ዘመዛዘነ ገዛእ ርእሱ ፈጺሙ ክፍለጥ ኣይከኣሎን እዩ፣ ስለዚህ እቲ ሓቀይና ሚዛን ዝኾነ የብሉን ማለት እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ እዚ ዓይነት ቲዮሎጊያዊ ትሕትና ብትኽክል ዝዓሰሎ እዩ። ይብል ቅዱስ ፍራንቸስኮ፦ ‘ሰብ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝኾኖ እዩ ምዃኑ፣ ንሱ ካብዚ ንንየው ኢምንት’ ይብል” ቢሎም ትሑት ምዃን ማለት ይብሉ ኣባ ካንታላመሳ “ገዛእ ርእስኻ ቅድሚ ምጥማት ንእግዚኣብሔር ምምልካት ማለት እዩ፣ እቲ ንቅዱስ ፍራንቸስኮ ዝትንክፎን ኩለንተናኡ ዝማርኾን ናይ እግዚኣብሔር ትሕትና እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ዓሚዩቕ ዝኾነ ሓቂ የለልይ፣ እቲ ዘለለዮ ሓቂ ድማ ገዛእ ርእስኻ ብኣግርሞት ዝመልእ እዩ፣ እግዚኣብሔር ትሕትና እዩ ስለምታይ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ” ከምብዘብሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣኵይላኒ ሓቢረን።
ፍቕሪ ብባህርይኡ ጽግዕተይናነት ማለት ከምዝኾነን ጽግዕተይናነት ማለት ድማ ትሕትና ማለት እዩ፣ እግዚኣብሔር ትሕትና እዩ ስለምታይ ፍቕሪ ስለ ዝኾነ እዩ ንዝብል ሓሳብ ኣባ ካንታላመሳ እንከስተንትኑ፦ “ጭቡጥ ግልጸት ትሕትና እግዝኣብሔር ኣብቲ ኣብ ቅድሚ ደቀ መዛሙርቱ ኣብራኹ ዓጺፉን ተንበርኪዅን ኣእጋሮም ንዝሓጽብ ክርስቶስ ኣብ ምስትንታን እዩ። ኣእጋር ኣርድእቱ ሓመድ ዝተሰከመ እዩ ኔሩ፣ ካብዚ ንላዕሊ እውን ከሃለ ኵሉ ከነሱ ኣልቦ ከሃሌ ኩሉ መሰረት ናብ ዝኾነ መስቀል ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ እዩ፣ ብዘይ ፍርዲ ምፍቃር ይቕጽል” ምስ በሉ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ትሕትና እግዚኣብሔር ምስ ትስብእቲ ብምራኻብ እዩ ዝርድኦ፣ ስለዚህ ትሕትና ንኡስ ኣብ ምዃን ኣይኮነን፣ ብዘይ ትሕትና ንኡስ ምዃን ዝከኣል ከምዝኾነን ስለዚህ፦ “ንኡስን ትሑትን ምዃን ብምኽንያት ስእነት ግድነትን ዘይኰነስ ካልኦት ክብ ንምባል ምእንቲ ፍቕሪ እዩ። ኢየሱስ ከምኡ እዩ ዝገበረ። ‘ከምቲ ስጋ ምልባሱ ትሑት ኮነ’ ትሕትና ዝብል ቃል ኣገልግሎት ብዝብል ቃል ዝጠቓለል እውን እዩ፣ ቀዳማይ ንምዃን ገዛእ ርእስኻ ትሑት ምግባር የድሊ፣ እግዝኣብሔር ትሕትና ካብ ኰነ፣ ቤተ ክርስቲያን እውን ትሕቲ ክትኸውን ይግባእ፣ ክርስቶስ ምእንቲ ፍቕሪ ኣገልግሎት ካብ ኰነ ድማ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ’ዚ ፍቕሪ ኣገልግሎት ክትኸውን ኣለዋ፣ ቤተ ክርስቲያን ንነዊሕ ዘመናት ንዓለም ናይ ክርስቶስ ሓቅነት ከተርእይ ጸኒሓ እያ፣ እዚ ግን እዅል ኣይኰነን፣ ናይ ክርስቶስ ትሕትና እውን ክተርእይ ኣለዋል፣ ብትሕትና ኢየሱስ ድማ ተጻባእነትን ቅድመ ፍርድን ኩሉ ተወጊዱ ወንጌል ንምእንጋድ ዝመርሕ መገዲ ክፉት ይኸውን” እንክብሉ ካልኣይ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ከምዘጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጃዳ ኣኵይላኒ ኣመልኪተን።







All the contents on this site are copyrighted ©.