2013-12-13 18:12:24

ሮብዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ ር.ሊጳ. ፍራንቸስኮ ፡


ፓፓ ፍራንቸስኮ አብ ሰሙን ሐደ ግዜ ሮቡዕ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ከም ዝህቡ ክፍለጥ ከሎ ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንህዝበ ክርስትያን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም ። አብዚ ትማሊ ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ መወዳእታ ፍርደ እግዚአብሔር ዘተኮረ ትምህርተ ተአምኖተ ሃይማኖትን አብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ጥሜትን ብምድሃብ ንምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም።አብ ሕይወቱ መንገዲ ፍቅሪ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተኸተለ ሰብ አብ መወዳእታ ፍቅሪ እግዚአብሔር አይፈርሕን ኢዩ። እዚ ኾይኑ ግን እግዚአብሔር ማንም ሰብ ክጠፍእ ስለዘይደሊን ንፍጥረቱ ስለ ዘፍቅርን አይከስስን ኢዩ ዝበሉ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ህልውና እግዚአብሔር ዘይአምንን ንእግዚአብሔር ንዘንጽግን ንገዛእ ርእሱ ባዕሉ ዝዅንንን ክሁሉ ኢዩ ኢሎም ።ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ነቲ ትማሊ ዝሀብዎ ንምአመና ዝሀብዎ ትምህርተ አተሐሒዞም ፡ ዝተፈኹም ህዝበ ክርስትያን እንድሕሪ ንሕና ንፍቅሪ ኢየሱስ ከይንቅበል አብ ገዛእ ርእስና ተዓጺና ተሪፍና ንርእስና ንኵንን አለና ማለት ኢዩ ብማለት ሚዒዶም።ሐጢአተኛታት እንተኾይና ኩልና ክአ ሐጢአተኛታት ኢና ንክንድሕን ንመድኅን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንክተሎን ክነፍቅሮን ይግባእ ንሱ ክአ መሐሪ ርሕሩሕ ስለ ዝኮነ ክምሕረና ኢዩ ኢሎም።ብዝገበርናዮ ሐጢአት ክንጽጸት ክንሳሕን ቅኑዕ መንገዲ እግዚአብሔርን ክንክተልን ይግብአና ድአምበር ብመወዳእታ ፍርደ እግዚአብሔርን ክንፈርሕን ክንጠራጠርን አይግባአናን ቃል ፓፓ ፍራንቸስኮ ።ናይ መወዳእታ ፍርደ እግዚአብሔር ብተግባር ምድራዊ ሕይወትና ከም ዝፍረድ ተረዲእና ጽፉፍ አብ ፈሪሐ እግዚአብሔርን ግብረ ገብነት ዝተመርኮሰ ሕይወት ክነሕልፍ ይግብእ አብዚ ዓለም”ዚ ንዘለዓለም ዝነብር ሰብ የልቦን ስለዚ ከም ክርስትያን መጠን ንመጻኢ ዘለዓለማዊ ሕይወትና ክንሰናዶ ይግባእ ብማለት ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ንምእመናን ምዒዶም ። አተሐሒዞም ክአ ዘለዓለማዊ ኩነኔ ማለት ካብ ገጽ እግዚአብሔር ምኽዋል ከምዝኾነ ጠቂሶም ካብዚ የድሕነናን ይስውረናን ኢሎም ።ንሐዋርያ ቅዱስ ጰጥሮስ ጠቂሶም ክአ አብ መወዳእታ ፍርደ እግዚአብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ንበይንና አይገድፈናን ኢዩ ኩሎም ቅዱሳን ተአከኢቦም ንዓለም ክፈርዱ ኢዮም ቃል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ ነገር ኢሎም ፓፓ ፍራንቸስኮ ኢየሱስ ክርስቶስ ወትሩ ጠበቃና ከም ዝኾነ ኢዩ እቶም ቅድሜና ሐልፎም ዘለዉ ነዚ እምነት”ዚ ዘውረሱና ቅዱሳን ሰባት ክአ ከምኡ ። መወዳእታ ፍርደ እግዚአብሔር ክንብል ከለና ሕጂ አብ ምድራዊ ዓለም ከለና ከም ዝተጀመረ ተርድኢና ልብና ድሕነትናን ንክርስቶስ ነበርክት እሞ ምሕረትካ ሀበና እንበልና ወትሩ ንማሕጸኖ ንሱ ክአ መሐሪ ስስለ ዝኮነ ክምሕረና ኢዩ ብማለት ፓፓ ፍራንቸስኮ አብቲ ትማሊ ንምእመና ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አገንዚቦም።አብ መወዳእታ ትምህርተ ክርስቶስ ነቲ ብካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ጸረ ጥሜት ተጀሚሩ ዘሎ ወፈራ ዘኪሮም መግቢ ንኹሎም አህዛብ ዓለም ክባጻሕ አለዎ ተቅዋማት ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ጥሜት አብ ምግታእ ተጊሄን ክሰርሐ አተሐሳሲቦም ። ብሐባር ንዘክሮ ንደግሞ እንኮ ሰብአዊት ስድራ መግቢ ንኹሉ ብዝብል ጭርሖ ካሪታስ ኢንተርናጽዮናሊስ ዘካይዶ ዘሎ ጸረ ጥሜት ወፈራ አገዳሲን እውናዋን ከም ዝኾነ አመልኪቶም ። ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ አተሐሒዞም አብዚ ንነብረሉ ዘለና መበል 21 ክፍለ ዘበን ልዕሊ ሐደ ሚልያርድ ህዝቢ ዓለም ብጥሜት ክሳቀ ዘሰምብድን ዘሕፍርን ከም ዝኾነ ጠቂሶም ዓለም ለከኸ ማሕበረ ሰብ ነዚ ጥሜት”ዚ ክገትእ እቶት እኽሊ ንህዝቢ ክመቃራሕ ተማሕጺኖም ፡ ንምእመናን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ተሰናቢቶም ።








All the contents on this site are copyrighted ©.