2013-12-12 16:00:54

ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ማርያም ዘጓዳሉፐ
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ መሬት ላቲን ኣመሪካ ሰብኣዊ ሕይወት ብኹሉ ደረጃታቱን መዳያቱን ዘኽብር ይኹን


RealAudioMP3 ዕለት 11 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እቲ ልሙድ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣቕሪቦም ምስ ኣብቅዑ ዕለት 12 ታሕሳስ ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ማርያም ዘጓዳሉፐ ሓላዊት ቅድስቲ መላእ ላቲን ኣመሪካ ዝበዓለሉ ዕለት ምዃኑ ብምዝካር ብስፓንሽ ቋንቋ ንመላእ ዜጋታትን ተቐማጦን ላቲን ኣመሪካ ሰላምታኦም ኣቕሪቦም፦ “ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ 1531 ዓ.ም. ቀዳሞት ተወለድቲ ደቀባት ካብ ዝበሃሉ ዓሌት ኢንዶ ነዅዋን ዲየጎ ኣብ ኮረብታ ተፐይክ መንጠሊና ኣብ ዝባና ዘንበረት ኣእዳዋ ዝዘርግሔት ንዅሉ እትሃቁፍ ናይቲ መንጠሊና ሕብርን ኣጠላልፋኡን ናይቶም ደቀባት ላቲን ኣመሪካውያን ባህሊ ዘንጸባርቕ ነቶም ዘለዉን ደሓር ንዝመጹ እውን ኣትሓቝፍ ኣደ ምዃና ዘረጋግጽ….ንመላእ ሕዝቢ እትሓልይ ነታ ሰብኣዊ ሕይወት ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃታቱ እተኽብር መሬት ላቲን ኣመሪካ ኣብ ምኻብር ሕይወት ክትተግህን ናይ ዝውለዱን ኣረጋውያንን ስደተይናታትን ሕይወት ክኽበር ዝምዕድ ግልጸት ማርያም እዩ። መሬት ላቲን ኣመሪካ ለጋስ መሬት እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሰርጆ ቸንቶፋንቲ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ቀጺሎም፦ “ኣነ ምእንቲ ኵላትኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን መላእ ሕዝቢ ላቲን ኣመሪካን እጽሊ፣ ክትጽልዩለይ ድማ እምሕጸነኵም፣ ናይ ወንጌል ሓሴት ወትሩ ኣብ ልባትኩም ይኹን፣ ጐይታ ይባርኹም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ ትዓቅበኵም” ምስ በሉ፦ “ዝኸበርኩም መንእሰያትን ጐይታ ኣባኹም ዘለዎ ድላይን ፍቓድን መታን ጽን ክትብሉን ክትስዕቡን ኣብነት ማርያም ተኸተሉ ካብኣ ተመሃሩ፣ ዝኸበርኩም ብዝተፈላለየ ሕማም ኣብ ዓብይን ጽንኵርን ስቓይ እትርከቡ ኣብ ስቓይኵም ነኣደ ጐይታ ጸውዑ፣ ሓደስቲ መራዑት ፍቕርን ርግኣትን ኣብ ኣባይቲ ስድራኹም ነኽትነብሩ ኣስተንፍሶ ማርያም ይሃልዅም” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ቸንቶፋንቲ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.