2013-12-12 16:09:12

ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ሕንጻ “Why poverty?-ስለምንታይ ድኽነት” ዘርእስቱ ስእላዊ ምርኢት


RealAudioMP3 እቲ ስለምታይ ድኽነት ዝብል ኣርእስቲ ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ድኽነት ሳዕቤናቱን ንምጥፋኡ ዝገብሩ ጻዕርታት ብዝተፈላለየ ናይ ስነ ጽሑፍን ኣሳእልን ሰነዳዊ ምርኢታትን ብድምጽን ርእየትን ኣሰንዩ ዘዘንትው ሕዝቢ ዓለም ብዛዕባ ድኽነትን ሳዕቤናቱን መታን ክርዳእን ድኽነት ኣብ ምጥፋእ ክተግህ ዘተባብዕ መራኸቢ ብዙሃን ብሰፊሑ ዘሳትፍ መደብ መሰረት ዕለት 11 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ኣብ ራዲዮ ቫቲካን ሕንጻ ድኽነት ስለምታይ ዝብል ሕቶ ርእሰ ጉዳይ ዝገበረ ስእላዊ ምርኢት ከምእተኸፈተ ነቲ መደብ ስእላዊ ምርኢት ብወግዒ ንምጅማር ንዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።
እቲ ስእላዊ ምርኢት ብዝተፈላለዩ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ጥቕስታት ዝተሰየ 30 ኣሳእል ዘጠቓለለ ኰይኑ፣ ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ተመኵሮ ዘንጸባርቕን ናይ ዝተፈላለዩ ሰባትን ከባብታትን እውን እንተኾነ እቲ ናይቶም ኣብቲ ስእሊ ዝተቐርጹ ሰባት በቲ ሕሱም ድኽነትን ስእነት መግብን ዝነብርዎ ከቢድ ሕይወት ብጥልቂ ዝተተንከፉን ኣብ ስቓይ ዝርከቡ ምዃኖም ሓደኣዊ ኣገላልጻ ሕይወት ዘለዎ እዩ። ስለዚህ እቲ ናይ ስእነት መግብን ድኽነትን ናይ ሓባር ረቛሒ ተመክሮኦም ዘንጸባርቕ ምርኢት ከምዝኾነን ኣብዚ እዋን’ዚ ዋላ’ኳ ዓለም ብቁጠባን ኤኮኖምን ቅልውላው ዝተጠቕዔ እንተኾነ፣ ነቲ ዓይነት ተመክሮ ስእነት መግብን ድኽነትን ሸለል ከይንብልን፣ ነቶም በዚ ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ንዝሳቐዩ ክፍሊ ሕብረተሰብ ቆላሕታ ክንገብንር ኣብ ምትሕብባርን ሕውነትን ክንተግሕ ዘነቓቕሕ ምዃኑ ዝገለጹ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ ኣስዒቦም ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ፍክሊ ሕትመትን ሓላፊ ናይ ራዲዮ ቫቲካን ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ፦ “እቲ ኣብቲ ኣሳእል ዝንበብ ተመክሮ ጥምየትን ስእነት መግብን ድኽነትን እዋናዊ ምዃኑን ነቶም በዚ ዓይነት ማሕበራዊ ኢፍትሓውነት ዝተጠቕዑ ቤተ ክርስቲያን ቀጻሊ እተበርክቶ ሰብኣዊ ደገፍ ዘንጸባርቕን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተልእኾ እዋናዊ ኩነት እዩ። ከምኡ ኣውን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንችስኮ ወትሩ ኣብ ሓልዮትን ክንክንን ድኻታት ክንተግህ ብቓልን ሕይወትን ዝህብዎ ምዕዳን ዝምስክሮ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን እዩ፣ ስለዚህ ሓገዝ ንድኻታት ዝብሉ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ጥራሕ ዘይኰኑስ ድኽነት ምውጋእን ድኽነት ንምውጋድ ዘይሕልለ ቀጻሊ ጻዕርን ምስክርነት ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ዝተሓሳስቡ እዮም” ከምዝበሉ ሓቢሮም።
እቲ ምርኢት ብዛዕባ ድኽነት ዘዘንትው ጥራሕ ዘይኮነስ ድኽነትን ኣብ ዓለም ዝርአይ ዘሎ ድኽነት ዝቃወምን ናይቲ ኣብ 2012 ዓ.ም. ራዲዮ ቫቲካን ብኣባልነት ዝርከቦ ዝተፈላለያ ኣብ ኤውሮጳ ዝርከብ መደብራት ራዲዮ ዝሓቁፍ ማሕበር “Why Poverty?-ስለምንታይ ድኽነት?” ብዝብል በመደብ ዘነቓቐሖ ክኸውን እንከሎ ናይዚ መደብ መስራትቲ ካብ ዝኾኑ ሓደ ናይቲ ማሕበር ምኽትል ሊቀ መንበር ክላውዲዮ ካፖን ብወገኖም ኣብቲ ዓውደ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “ብእነቕርቦ ኣገልግሎት ፈነወ ራዲዮ እንነብረሉ ዓለም ርክባት ዜጋታትን ማሕበረሰብን ሕብረሰብን ሃገራትን ብሕጋውነት መልክዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ብመሠረት ግብረ ገብን ብመሰረታዊ ሓሳባትን ዝተራኸበ መጻኢ ዘለዎ ክኸውን መታን ኢና እንጽዕር፣ እዚ ማሕበር ነዚ ንምርግጋጽ ድማ ናይ ክቡራት ዋጋታት ናይ ውዕል ሰነድ ብምጽዳቕ ዝተፈላለዩ ጅማሬታት ዘርጋግጽ ዘሎ፣ ኩሉ በቢ ዝተዋፈሮን ሙያኡን ሓላፍነቱን ንመጻኢ ብሩህ ዓለም መታን ክተግህ እቲ መደብ ተሓንጺጹን፣ ብልጹ ዓለም ማለት ድማ ድኽነት ስለምታይ ይሁሉ ብዝብል ሕቶ ኩሉ ድኽነት ኣብ ምውጋእ ክተግህ ብዛዕባ ድኽነትን ምንጩን ሳዕቤናቱን ዝሓንጽን ኣብዚ መዳይ ዘነቓቕሕ እውን እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎ ሞናኰ ሓቢሮም።
ኣብ ዓለም ልዕሊ ሓደ ሚሊያርድ ዝግመት ሕዝቢ ብስእነት መግብን ጥምየትን ዝሳቐ ከምዝኾነን ድኽነትን ጥምየትን ድማ ዓቢይ ዓለም ለኻዊ ዕንቅፋትን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ድኽነት ንምውጋድ ናይ ኵሉ ጻዕሪ ከምዝሓትትን፣ ማሕበራዊ ኢፍትሓውንት ኩነት እውን ከምዝኾነን ድኽነት ንምውጋድ ዝግበር ጻዕሪ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝገበር ጻዕሪ እዩ ዝበልዎ ቃል ኣብቲ መደምደምታ ዓውደ ጉባኤ ከምእተዘከረ ሎ ሞናኰ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.