2013-12-10 17:05:53

ጸሎት ቅድሱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ጽንሰታ ለማርያም


RealAudioMP3 ዕለት 8 ነሓሰ ብላቲን ስርዓት ዓመታዊ በዓል ጽንሰታ ለማርያም ከምእተባዕለ እንክምልከት በታ ዕለት ምኽንያት ከምቲ ልሙድ ናይ ሮማ ጳጳስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናብቲ ኣብ ሮማ ኣደባባይ ስፓኛ ዝርከብ ናይ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዘጽንሰታ ሓወልቲ መንፈሳዊ ንግደት ፈጺሞምን ነቶም ኣብቲ ኣደባባይ ንዝተርኽቡ መሪሕ ቃል ለጊሶም ምስ ኣብቕዑ ናብ ሃገረ ቫቲካን ቅድሚ ምምላሶም ናብቲ ኣብ ሮማ ዝርከብ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅድስቲ ማርያም ዓባይ ከይዶም ጸሎት ከምዘዕረጉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ናብ ኣደባባይ ስፓኛ ንኽበጽሑ ኣብ ዝሓለፍሉ ጎዳትናታት ብዝተረኽቡ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን ሕዝቢ ርማን ወጻእተይናታትን ብዘቕረቡሎም ፍቕሪ ተዓጂቦም ብናይ ሮማ ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣጐስጢኖ ቫሊኒ ተሰንዮም ኣብ ዝፈጸምዎ መንፈሳዊ ንግደት ናብ ጽንሰታ ለማርያም ሓወልቲ ቅድሚ ምብጻሖም ደው ኣናበሉ ሰላምታ ናቕረቡን እናባረኹም ሕሙማንን ኣረጋውያንን ሕጻናትን ሰላም እናበሉን ኣናሰዓሙ ኣብ ፊት ቅዱስ ሓወልቲ ጽንሰታ ለማርያም በጺሖም ንስኺ እታ ኩለንተናኣ ጽብቕቲ ዝኾንኪ ኦ ማርያም፣ ኣባኺ ቃል እግዚኣብሔር ስጋ ኮነ፣ ኣብ ጽንታ ዝዓሰሎ ምስማዕ ቃል ጐይታ ደግፍና፣ ንኣውያት ድኻታት ሸለል በሃልቲ ክንከውን ኣይትሕደግና፣ ንድላይ ናይቶም ብሕማም ዝሳቐዩ ዝንጉዓት ኰይና ከይንርከብ ሓግዝና፣ ናይ ኣረጋውያን ጽምዋን ናይቶም ተነቐፍቲ ሕጻናት ኩነት ልብና ዝትንከፍን ኣብ ዝኾነ ይዅን ኩነት ይረኸብ ናይ መላእ ሰብኣዊ ሕይወት ኣፍቀርትን ኣኽበርትን ክንከውን ሓግዝና…..ናይ ምድራዊ ሕይወት ጉዕዞና ትርጉሙ ከነጥፍእ ኣይትሕደግና፣ ንስኺ ልዙብን ወረጃን ናይ እምነት ብርሃን መዓልትታትና ኣብርሂ…ናይ ተስፋ ሓያሊ መጸናንዒት ዝኾንኪ መገድና ምርሕዮ፣ እቲ ተመሓላላፊ ናይ ፍቕሪ ዋዕይ ልብና የነቓቕሕ የዕይንቲ ኩላትና ኣብቲ እውነተይና ሃሴት ዘለሉ ኣብ እግዚኣብሔኣር ጠመትኡ የቐውም።” ዝብል ማርያማዊ ጸሎት ኣዕሪጎምን ንመላእ ከተማ ሮማ ባሪኾም ከምእተፋውነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.