2013-12-10 17:02:23

ኣዋጅ ብፅዕና


RealAudioMP3 መስራቲት ማሕበር ደናግልን ክልተ ናይ እምነት ሰማዕትነት ንዝተቐበሉ ብፅዕና ካልኦት ሓሙሽተ ደቂንስትዮን ሓሙሽተ ደቂ ተባዕትዮ ክቡራን ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ተባሂሎም ንኽስየሙ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 9 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ናይ ቅድስና ጉዳይ ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኣማቶ ንዘቕረብሎም ሰነድ መሰረት ናይ ፍቓድ ክታሞም ከምዘንበሩ እንክምልከት፣ እታ ብፅዕና ዝእወጀላ ፍራንቸስካ ፍራንኪ ኣብ 1807 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኮሞ ዝተወልደት ኣብ መምህርናን ከምኡ ኣውን ንኽትምርዐው ተሓጽያ ዝነበርት ጓል ሰላሳን ሰለስተን ዓመት ምስ ኮነት ግን ንእግዚኣብሔር ሕይወታ ብምውፋይ ብኸቢድ ሕማም ንዝተጠቕዑ ዜጋታት ኣብ ኣባይቶም እናኸደት ክሳብ 1853 ዓ.ም. ኣገልግሎት ክንክን ጥዕና ብምቕራብ ሕይወታ ዘወፈየት፣ ነቶም ገና መድሃኒት ብዘይተረኽበሉ ሕማም ንዝተጠቕዑን ኣብ ከቢድ ስቓይን መከራን ንዝርከቡ ምስ እግዚኣብሔር ገጽ ንገጽ ንኽራኸቡ ዝቐረቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ዘገልግል ማሕበር ደናግል ኣገልገልቲ ሕሙማን መስሪታ ነተን ነቲ ብኣኤንን ብፍቓድ ቤተ ክርስቲያን ዝመስረተኦ ማሕበር ኣባላት፦ “ተባዓትን ትሕትና ዝተመልአን ዓቃላትን ኣኽበርትን ፈተውቲ ጽሞናን ኣገልግሎትን ንሕሙማን ንምግልጋል ስንድዋትን ውፉያት ኣገልግልቲ ኩና” ዝብል ምዕዳን ኣናለገሳ ናይ ዘይጽበይን ናጻ ስውእ ኣገልግሎት ፍቕሪ ማለት ግብረ ሰናይ ብምቕዳም ንኢየሱስ ምምስካር ብዝብል መንፈሳዊ ዕላማ ክሳብ ዕለት 28 ለካቲት 1872 ዓ.ም. ኣብ መበል 65 ዓመት ዕድመኤን ኣብ ሰማያዊ ቤት ዝተወለደትላ ዕለት ዘገልገለት ምዃና ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማህደር ይምስክሮ።
ካልእይ ብፅዕና ዝእወጀሎም ደቂ ቤተ ክርስቲያን ማሪዮ ቨርጋራ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኮ ወንጌል ተቛም ካህንን ዓለማዊ ምእመን ናይ ትምህርተ ክርስቶስ መምህር ኢሲዶሮ ንገኢ ኮ ከምዝኾኑ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣባ ማሪዮ ቨርጋራ ኣብ ኢጣሊያ ናፖሊ ከተማ ዝተወልዱን ወዲ 19 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ጳጳሳዊ ናይ ተልእኾ ወንጌል ተቛም ኣትዮም ኣብ መበል 24 ዓመት ዕድሜኦም ኣብ ቢርማኒያ ልኡካነ ወንጌል ኮይኖም ንኸገልግሉ ተላኢኾም ከም ካህንን መምህርን ከምኡ እውን በቲ ዝነበሮም ናይ ሕክምና ናይ ስነ ምሕደራን ሊቅነቶም ደኺመ ከይበሉ ዘገልገሉ ኣብ 1940 ዓ.ም. ኢጣሊያ ኣብ ልዕሊ እንግልጣር ውግእ ድሕሪ ምእዋጃ ቢርማኒያ ድማ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ግዝእት ብሪጣኒያ ብምንባራ ኣባ ምርዮ ዝርከብዎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ዜጋታት ኢጣሊያ ከም ኣባላት ፋሽስቲ ተሓሲቦም ናብ ዝተፈላለየ መዳጎኒ ተወሲዶም ምስ ኣብቕዑ ኣብ 1944 ዓ.ም. ካብ ቤት መዳጎኒ ተለቒቖም ናብቲ ኣገልግሎት ወንጌል ዝፍጽምሉ ከባቢ ምስ ተመልሱ ካልእ ኣባይቲ ናይ ተልእኾ ወንጌል ኣገልግሎት ብምቛም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1948 ዓ.ም. ምእዋጅ ናጽነት ቢርማንያ ኣብት ሃገር ውግእ ሕድ ሕድ ምስ ተባርዔ ድማ ኣባ ማሪዮ ከምኡ እውን ኢሲዶሮ ናይ ማእከላይ መንግስቲ ሰለልቲ ብዝብል ምስምስ ዕለት 24 ግንቦት 1950 ዓ.ም. ተኣሲሮም ዕለት 25 ግንቦት 1950 ዓ.ም. ከምእተቐትሉን ሙት ኣካላቶም ናብ ውሕጅ ሳልዊን ከምእተደርበየ ናይ ቤተ ክርስቲያን ናይ ታሪኽ ማሕደር የረጋግጾ።
ኣብቲ ቅድሱ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝፈረምዎ ውሳኔ ብፅዕናን ክቡርነትን ናይ ካልኦት 10 ደቂ ቤተ ክርስቲያን ገድለ ታሪኽ ልዑል ክብሪታቶም ተፈላጥነት ዝተውሃቦ ከምዝኾነን እንክምልከት ኣገልግልቲ እግዚኣብሔር ዝብል መጸውዒ ዝተውሃቦም ኣባ ምውሪዚዮ ማሪያ ማተኦ ጋሪጉ፣ ኣባል ማሕበር ቅዱስ ኣጐስጢኖስ ኣባ ቪንቸንዞ ፍሁል፣ ኣባል ቀርመሎሳውያን ካህናትን ኣባ ማራቸሎ ደልላ ቨርጊነ ደል ማርመሎ ፣ ኣባል ማሕበር ሲታውያን ሮማኖ ቦተጋልን፣ ዓለማዊ ምእመን ተወላዲ ፖርቶ ሪኮ ራፋኤለ ኮርደሮ ሞሊናን ናይ ልደታ ማኅበር ደናግል ኣባልን መስራቲት ማሕበር ደናግል ምሕረት ሮሳሊያ ካድሮን ጀተ መስራቲት ማሕበር ደናግል ደቂ ቅድሱ ዮሲየፍ ማሪያ ሮሳ ተረሳ ጋይ ቲባውን፣ ማሕበር ደናግል ደቂ ቤተ ክርስቲያን መስራቲት ማሪያ ኦሊቫ ደል ኮርፖ ሚስቶ፣ ማሕበር ልኡካነ ደናግል ንኡሳን ኣገልገልቲ ጕድለት ምስማዕን ምዝራብን ዘጋጠሞም ዜጋታት ዝከናኸን ማሕበር መስራቲት ኦርሶላ መዚኒንን ናይ ቅዱስ መለኮታዊ ምሕረት ሰዓብቲ ማሕበረ ደናግል መስራቲ ኦርሶላ ማሪያ ሪቫታ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.