2013-12-07 16:12:32

ስብከት ዘመነ ምጽኣት፦ ቤተ ክርስቲያን ንምሕዳስ ገዛእ ርእስኻ ምኽሓድን ኢየሱስ ምስዓብን ይሓትት


RealAudioMP3 ብቕዱስ ኣቦና ንዝተመርሑ ንመላእ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ላዕለዎት ኣካላት ብፁዓን ካርዲናላትን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ኣብ ዝተረኽብሉ ብምኽንያት ዘመነ ምጽኣት ትማሊ ንጐሆ ሰባኬ ቤተ ጳጳስ ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ፦ “ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘአሲዚን ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ጎዳና ቅድስና” ብዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ኣስተንትኖ ስብከት ከምዘቕረቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
“ንቕዱስ ፍራንቸስኮ ንምፍላጥ ጸጋ ምልዋጥ ካብ ዝተዓደለሉ ኩነት ምብጋስ ኣገዳሲ ከምዝኾነን ፍራንቸስኮ ድኽነት ካብኡ ሓሊፉ እውን ነዳይነት ኣይሓረየን፣ ድኻታት እዩ መሪጹ” ዝበሉ ኣባ ካንታላመሳ ኣስዒቦም፦ እውነተይና ምርጫ ኣዚዩ ሱር በተኽ ድማ ነሱ እዩ። እዚ ማለት ድማ ካብ መንጐ ሃብትን ድኽነትን ኣብ መንጐ ድኻታትን ሃብታማትን ካብቲ ሓደ ጉጅለ ነቲ ሓደ ጉጅለ ምምራጽ ዘይኮነስ ካብ ገዛእ ርእስኻን እግዚኣብሔር ሕይወትካ ንምድሓንን ወይ ድማ ምእንቲ ወንጌል ክትሓልፍ ሕይወትካ ካብ ምስዋዕ ሓዲኡ ምምራጽ ዝብል እዩ። ቅዱስ ፍራንቸስኮ ድኽነትን ድኻታትን ኣይተመርዓወን፣ ንኽርቶስ እዩ፣ በዚ ዓቢይ ፍቕሪ ንኽርስቶስ ድማ ንሓውቲ ድኽነት ተመርዕይዋ፣ ንድኽነትን ድኻታትን ምፍቓር መሠረቱ ንኽርስቶስ ምፍቓር ዝብል ዝነበረን፣ ስለዚህ ንኽርስቶስ ዘለዎ ፍቕሪ ማለት እዩ፣ ከምዚ እንተዘይኰይኑ ብቐሊሉ ድኽነትን ድኻታትን መጋበሪያ ክኾኑን ብቐሊሉ ድማ በዚ ምኽንያት ጸረ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ ክርክራት መበገሲ ይኸውን፣ ብዙሕ ጊዜ ዝርአይ ጸገም ድማ እዩ” ከምዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ “ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ነቶም ሰዓብቲ ኣሕዋቱ ሕጊ ማሕበር ከቕውም እንከሎ ‘መምርሕን ሕይወትን ናይ ንኡሳን ኣሕዋት እዚ እዩ፣ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ምኽባር እዩ’ እንክብል ይጽሕፍ፣ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ነዚ ዝረኸቦን ዝተረድኦን ሓሳብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕዳሴ መሠረት ክኸውን መታን ብኽልሰ ሓሳብ መልክዕ ኣየቖሞን፣ ሕዳሴ ኣብ ህይወቱ ከዊኑ በዚ መገዲ’ዚ ድማ ብሱቕታ ብዘይ ዓው ዓው ቤተ ክርስቲያን ካብቲ እጋጢምዋ ዝነበረ ቅልውላው ከመይ ገይራ ክትናገፍ ከምእኽእል ብሕይወቱ ይዛረባ፣ ናብ ወንጌልን ሰብን ብፍላይ ድማ ንትሑታትን ድኻታትን ብምቕራብ ይዛረባ” ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ኣመልኪቱ።
“ናይ ቤተ ክርስቲያን ደሴታውነትን ሕይወት ምብታኽ ምስ ደቂ ሰባት ክትራኸብ መታን። እቲ ኣብ ቤተ ክርስቲያንን ወጻእን ንብዙሕ ጸገም ዳሪጉ ዝነበረ ንስልጣን ዝወሃቦ ናይ ልዕልና ትርጉም ንቤተ ክርስቲያን ኣብ ጸላም ኣንቢርዋን ናብ እልፊ ኣእላፍ ጸገማት ዳሪግዋ ዝነበረ አመለኻኽታ ጌጋ ርድኢት ስልጣን ኣገልግሎት ማለት ምዃኑ ብምርግጋጽ፣ ነቲ ስልጣን ናብ ኣገልግሎት ብምልዋጥ እዩ። ስለዚህ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ብወንጌላውነት እዩ ንኹሉ ጸገማት ዝፈትሐ፣ ኣብ ማሕበሩ እቶም ኣሕሉቕ ናይ ኣባይቲ ማሕበር ንኡሳን ኣሓው መጸውዒ ሚንስትር ማለት ኣገልገልቲ ዝብል ክኸውን እዩ ዝገበረ፣ ካልኦት ኣባላት ድማ ኣሕዋት፣ ተባሂሎም ክጽውዑ እዩ ገይሩ” ሕዳሴ ቤተ ክርስቲያን ጎዳና ቅድስና ምዃኑ ዝተገንዘበ ፍራንቸስኮ ሕዳሴ ንኢየሱስ ብምንባርን ኢየሱስ ምንባርን ቅድሚ ዅሉ ክብሪ እግዚኣብሔር ምቕዳም ማለት ምዃኑ ኣባ ካንታላመሳ እንከመልክቱ፦ “ብመገዲ ቅድስናን ብመገዲ ነቐፌታን ርእይቶን ብመገዲ በቲ ዝተቐበልዎ መዝነት ኣቢሉ እግዚኣብሔር ቤተ ክርስቲያን ንኽሕድሱ ዝጽውዖም እቲ ፍራንቸስኮ ዝጀመሮ መንፈሳዊ ጉዕዞ ኣነነት ብእግዚኣብሔር ክልወጥን ገዛእ ርእስኻ ብምኽሓድን ዝፍጸም እዩ። ብኸምዚ ዝበለ መገዲ እዮም እቶም ናይ ሓብቂ ሓደስቲ ዝበሃሉ ሰባት ዝውለዱ፣ ኣቶም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ገለ ዓይነት ለውጢ ዘምጽኡ ድማ ንሳቶም እያቶም” እንክብሉ ዘቕረብዎ ናይ ሱባኤ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.