2013-12-06 14:25:18

ዓመተ 2015 ንሰብ ውፉይ ሕይወት ክውፈ ኢዩ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ታምሊ ነቶም ንመበል 82 ሓፈሻዊ ጉባኤ ላዕለዎት ኃለፍቲ ሰብ ዉፉይ ሕይወት ንክሳተፉ አብ ሮማ ዝቀነዩ ጉባኤኛታት አብ መንበሮም ተቀቢሎም ንል ዕሊ ሰለስተ ሰዓት አብ ዘዘራረቡሉ ጊዜ ንብዙሕ ሕቶታት ምስ መለሱ ዓመተ 2015 ዓመት ሰብ ዉፉይ ሕይወት ክኸውን ከምዝወሰኑ ገሊሶም፣ከም ልማድ ብዙሕ ጊዜ አብ ከምዚ ዚአመሰለ ርክብ አቀዲሙ ዝተሰናደው ጽሑፍ ኢዮም ዘንብቡ፤ ኮይኑ ግን አብ ናይ ትማሊ ርክቦም መንፈስ ቅዱስ ዘብርሃሎም ንጊዜኡ ዝኸውን መደረ አብ ዘስም ዑሉ ጊዜ “ሰብ ዉፉይ ሕይወት ን ዓለምና ከነቃቅሑ ዝኽ እሉ ደቂ ተባዕትዮን ደቂ አንስትዮን ኮይኖም ጸዋዕታ ዉፉይ ሕይወት ትንቢት ኢዩ፣ ሎሚ ከም ሎሚ እግዚአብሔር ካብ በዓትታትና ወጺ እና ክሳብ አጽናፍ ዓለም ክንሰብኽ ይጽው ዓና አሎ፣ ነዚ ጸዋዕታ እዚ ዓፊና ከይንሕዞን ከም ድላይና ከይንጥምዝዞን ካብ ከምዚ ዓይነት ፈተና ክንርሕቅን ይ ዕድመና አሎ፣ ንጐይታ ክንመስለሉ እንኽ እል መንገዲ ከአ እዚ ኢዩ” እንክብሉ ናይ ልቦም ተዛሪቦም፣ አብቲ መንጎ እቲ ብሕቶን መልስን ዝተገብረ ዘተ ቅዱስነቶም ብዙሓት ሓደስቲ አብያተ ክርስትያናት ፍረ እኳ ይህባ እንተለዋ ብሓፈሻ ግን ቤተ ክርስትያን አብቲ ዝገበረቶ ውድቀት ሓዋርያዊ ግብረ ተል እኮ ሕፍረት ክስመዓን ብትሕትና ምሕረት ክትሓትትን አለዋ፣ ከም አብነት ከአ ነቶም ንነዊሕ ዓመታት አብ ሃገረ ቺና ዘገልገሉን ብዙሕ ሽግር ዘጋጠሞምን አባ ማተዮ ሪቺ ብምዝካር ቤተ ክርስትያን ንኩሉ ክትርዳእን አብ መንጎ ዝተፈላለየ ባህልታት ዘሎ ዘተ ክነደንፍ ዕን ክንረዳዳእን ከምዘሎና ማኅበራት ከአ ዝተፈላለየ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ አብ ዝተፈላለየ ባህልታት ከከም ኩነታቱ ከደንፋዓ አዘኻኺሮም፣
አብ ሥነ መዕበያ ከአ አርባዕተ መሠረታውያን ነገራት ከምዘድሊ እዚኦም ከአ ከም አ ዕኑድ ተወሲዶም ክስረሓሎም ከምዘለዎም ሓደራ ቢሎም፣ እዚኦም አርባዕተ መሠረታውያን አ ዕኑድ ስነመዕበያ ከአ መንፈሳውን ስነአ አ እምሮ አውን ኩስኰሳ ከማኡ ከአ ማኅበራውን ሓዋርያውን ኩስኰሳ ምኳነን ገሊጾም፣ ናይዚ ዕላማ ከአ መንፈሳውያን ማኅበራት ዝኵስኩስዎም ጥ ዑማትን ለዋሃትን ኮይኖም ዝኾነ ምጸት ካባኦም ከርሕቁ ከምዘለዎም እንከመልክቱ ኩልና ሓጢአተኛታ ከምዝኾና እንተኾነ ብምንም ተአምር ብልሽዋት ክንከውን ከምዘይብልና አዘኻኺሮም፣ ነቲ አብ መንጎ አባላት ዘሎ ፍልልይ ክንቅበሎ ነቲ ዘሎ ግጭታትውን አብ ሰናይ መዓላ ከነው ዕሎ አሎና ነዚ እንተዘይነቢርናዮ ጸገም ከምዝኾነን ንናይ ግጭታት ጸገም ብፍቅርን ልዝብን ክንፈትሖ እምበር ብ አሉታ ክንመልከቶ የብልናን ቢሎም፣ ንገዛእ ር እሶም እውን አብ ሓቀኛ ሕይወት ማኅበራት ብምውሳኽ ከአ ንሕና አቡናት ክንርድ ኦ ዘሎና ጉዳይ ሰብ ውፉይ ሕይወት ናይ ሓገዝ ንዋት ዘይኮኑስ ውህበታት መንፈስ ቅዱስ ኮይኖም ንሰበኸታትና ክሀብትሙ ዝተዓደሉና ምዃኖም ክንርዳእ አሎና እንክብሉ ምስ ሓበሩ በቶም አባላት ንዝቀረበሎም ዝተፈላለየ ሕቶታት ብምምላስ ነቲ ርክብ ዛዘምዎ፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ነቶም ል ዕሊ ዓሠርተ ሚልዮን ዝኾኑ ናይ ትዊተር ዝበሃል መራኸቢ ብዙኃን ተኸታተልቶም “ንካል ኦት ምምሓር ይኸብደና ኢዩ፣ ኦ ጐይታ! ንወትሩ ምሒርና ም እንቲ ክንክ እል ምሕረትካ ዓድለና” እንክብሉ ሓጺር መል እኽቲ ጽሒፎም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.