2013-12-05 16:02:32

እግዚኣብሒር ንብዓት ኵሉ ዝሕብስ ኣቦ እዩ


RealAudioMP3 ብፁዕ ኣቡነ ልዊጂ ጂናሚ “እግዚኣብሔር ንዅሉ ንብዓት ዝሕብስ ኣቦ እዩ” ዘርእስታ ዝደረስዋ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቨላር ተሓቲማ ዕለት 4 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ነንበብቲ ከምዝቐረበት ክምልክት እንከሎ፣ እታ መጽሓፍ ንንባብ ዕለት 9 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ኣብ ሕንጻ ኣልቲየሪ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ራዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ናይታ መጽሓፍ መቕድም ዝደረሱ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ቤት ዕዮ ቅዱስ ጴጥሮስ ሓላፍን ኅየንተ ሃገረ ቫቲካንን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ሊቀ ካህናት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ኮምስትሪን ፕሮፈሰር ካርሎ ኒኮራ ዘሳተፈ እታ መጽሓፍ ንንባብ ዘብቕ ጉባኤ ክካየድ ምዃኑ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋውስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።
እዛ ብፁዕ ኣቡነ ጂናሚ ኣብተን ዕለት 4 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልያ ወላዲቶም ዝነበርኦ ተመክሮ እምነትን ብቓልን ተግባርን ምስክርነትን ዝተመርኮዘት ዝደረስዋ መጽሓፍ፣ መንግስተ ሰማይ ይጽበየና ኣሎ እሞ፣ ነዚ ኵላዊ ጸዋዕታ በቢ ዕለቱ እናንበርና ፍጻሜና ድማ መንግስተ ሰማይ መታን ክኸውን ሕይወትና ለዊጥና ስንድዋት ኰይና ክንርከብ ከምዘሎና ንምስንድውና እትመርሕ ኣብ ናይ እምነት ምስክርነት ዘማእከለት መጽሓፍ ምዃና ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.