2013-12-05 15:51:21

ቅዱስ ኣቦና፦ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ናይ መራኸቢ ብዙሃን ጉዳይ ውሳኔ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን


RealAudioMP3 ዕለት 4 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በቲ ትዊተር እተሰምያ ናይ መርበብ ማሕበራዊ ርክባት ዘሎ @Pontifex ብዝብል ኣድራሻኦም ኣቢሎም፦ “ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን “Inter Mirifica- መጋበርያ መራኸቢ ቡዙሃን” ብዝብል ኣርእስቲ ዘጽደቖ ውሳኔ ዘኪሮም፦ “ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ኣቢሉ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ መራኸቢ ብዙሃን ተዛሪቡ እዩ። ጽን ንበል ንዘትይ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና ንእንራኸቦም ክርስቶስ ነቕርብ” ዝብል መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.