2013-12-05 15:48:19

ሓፈሻዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 4 ታሕሳስ 2013 ዓ.ም. “ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ እሞ፣ ኣንሕና እውን ክንትስእ ኢና” ዝብል መረጋግጾ ማእከል ዝገበረ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ንዝተረኽቡ ካብ 30 ሺሕ ንላዕሊ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናን ከምዝለገሱ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካርሊስ ሓቢሮም፣ ነቲ ጭቡጥ ናይ እምነት ፍጻሜ ዝኾነ ኣብ ተኣምኖተ እምነት እንደግሞ ትንሳኤ ብሥጋን መንፈስን ዝብል ዓንቀጸ እምነት ብምትንታን፣ ኣብ ትንሳኤ ምእማን ናይ ግዚያዊ ግዙኣት ከይንኸውንን ንምሕረት ስንድዋት ንኽንከውን ከምዝድግፈና ኣመልኪቶም፣ ቅድሚ ክልተ ሺሕ ዓመት ኣቢሉ ኣብ ኣለዳ ፋሲካ ኣብቲ ዝተኸምበለ መዕጸዊ መቓብር ዓቢይ እምንን ባዶ በቓብርን ዝተቐርጸ ክትቓወሞ ዘይከኣል ቅባለ ዝኾነ እቲ ናይ ክርስቲያን ተስፋ ትንሳኤ ሙታን ሓቂ እዩ፣ ስለምታይ ኢየሱስ ካብ ሞት ተንሲኡ እዩ፣ እዚ ድማ ናይቲ እምነት ኣብ ክርስቶስ መሰረት ዘለዎ ድሕሪ ሕይወት ዝጅመር ሓድሽ ሕይወት እግዚኣብሔር ስጋና ነፍስናን ብምውህሃድ ዳግም ዝጽግወና ሓድሽ ሕይወት ምዃኑ እንከመልክቱ፦ “ስለምታይ ኢየሱስ ተንሲኡ እዩ ኣሞ ኣንሕና እውን ክንትንስእ ኢና፣ ንሱ ማለት ኢየሱስ ናይ ትንሳኤ ማዓጹ ኣርሂዉልና ኢዩ እሞ ኣብ ትንሳኤ ተስፋ ኣሎና። እዚ ድሮ ኣብ እንነብሮ ዘሎና ሕይወት ምስ ኢየሱስ ብቕዱሳት ምስጢራትን ብፍላይ ድማ ብምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ምቅርራብ ዝግበረሉ ናይ ኣካልና ምልዋጥ እዩ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና እቲ ዘመሓላልፍዎ ቅዉም ሓሳብ ዓንቀጸ እምነት እቲ ዝሰምዕ ምእመን ነቲ ቃላት ብዘይጥልቂ ወይ ድማ ዘይጽለው ኰይኑ ከይሰምዖ መታን፦ “ትንሳኤ ሓሶት ኣይኰነን፣ ኣብቲ ዝተንስኤ ክርስቶስ እምነት ኣሎና። ኢየሱስ ሕያው እዩ፣ ሕጂ ኣብዛ ግዜ እዚኣ፣ ክርስቶስ ሕያው ምዃኑ ትኣምኑ ዲኹም? ኢየሱስ ሕያው እንተኾይኑ ንሞት ክሓድገናን ኣይከተንስኣናን እዩ ቢልኩም ትሓስቡ? ስለ ዝተንስኤ ድማ ይጽበየና ኣሎ። ሓይሊ ትንሳኤኡ ንዅላትና ከተንስኣና እዩ። ምእንት’ዚ ድማ ኣካልና ናይ ዘለዓለማዊ ሕይወት መቐላሒነት እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ወትሩ ክኽበር ዘለዎ፣ ክፍቐርን ብፍላይ ድማ ናይቶም ኣብ ስቓይ ናይ ዝርከቡ ምቕራብ ነቲ እነምርሓሉ ናብ ዘለኣለማዊ ሕይወት ጉዕዞና መንግስቲ ኣምላኽ መታን ጽን ክብሉ እዩ ክፍቐሩን ክኽበሩን ዘለዎም” ምስ በሉ ነቲ ምንጭን ናይ ተስፋናን ምኽንያት ዝኾነ ትጽቢት ኣቃልቦ ክግበረሉ፣ ተስፋ ክዕቀብን ክዅስኮስን እንከሎ፦ ተስፋ ናይ ውልቅና ታሪኽን ናይ ማሕበረሰብኣዊ ታሪኽን ዘብርህ መብራህቲ ይኸውን፣ ናይቲ ዕለት ብዕለት ወትሩ ዝመጽእን ኣብ ፍጻሜ ዓለም ናይ ዝመጽእ ደቀ መዝሙር ምዃንና ወትሩ ንዘክር። እዚ ሓቂ’ዚ ወትሩ ህልው ኰይኑ ክስመዓና እንከሎ ብዕለታዊ ሕይወት ኣዚዮም ዘይደኽሙን ናይ ግዚያውነት ዘይጉዙኣት ንኸውን፣ ብመሓሪ ልቢ ኣብ ጎዳና ምድሓን ንምጉዓዝ ስንድዋት ንኸውን” ቢሎም ዝለገስዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ፈጺሞም ንመላእ ምእመናንን ነቶም ኣብቲ ጳጳሳዊ ናይ ፍትሕን ሰላምን ሓልዮ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ስነ ምግባርን ክቡራት ዋጋታትን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዘተኰረ ዓውደ መጽናዕቲ ተሳተፍትን ነቲ ተግባር ሮማ እተሰምየ ናብ ዒራቕ ንሓልዮ ግብረ ሰናይ ዝተበገሰ ማሕበር ኣባላትን ካልኦት ናይ ዝተፈላለያ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣባላትን ኣብ ሓልዮ ክንክን ጥዕና ዘገልግሉ ናይ ግብረ ሰናይ ማሕበር ኣባልት ንኹሎም ሰላምታኦም ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነኡ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.