2013-12-03 20:04:27

“አብቲ አብ ዓድኹም ዚካየድ ብዛዕባ ስድራቤት ቃልኪዳንን መወዳእታ ሕይወትን ዝምልከት ዘተ ሕዝቢ ብ ዕቱብነት ተሳተፉ”


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ንጳጳሳት ሆላንድ “አብቲ አብ ዓድኹም ዚካየድ ብዛዕባ ስድራቤት ቃልኪዳንን መወዳእታ ሕይወትን ዝምልከት ዘተ ሕዝቢ ብ ዕቱብነት ተሳተፉ” እንክብሉ ሓደራ ቢሎም፣
እቲ ብልማድ ብቪዚታ አድ ሊሚና ዝፍለጥ አብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ካቶሊካዊያን ጳጳሳት በብሃገራውያን ጉባኤ ጳጳሳት ተወዲቦም አብ ነፍሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመት መቃብር ቅዱሳን ጴጥሮስን ጳውሎስን ንምስላምን ምስ ር.ሊ.ጳጳሳትን መሣርሕቶምን ብዛዕባ ጉዳይ እምነቶምን ኅብረተሰባዊ ትምህርተ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ሃለዋቶምን ዝምልከት ሓሳብ ንሓሳብ ክለዋወጡ ዝገብርዎ ሐዋርያዊ ዑደት ንምግባር አብ ሮማ ዝርከቡ ዘለው ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሆላንድ አብዚ ጊዜ እዚ አብ ሐዋርያዊ ተል እኮ ኦም ቀንዲ ጸገም ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ስድራቤትን ቃልኪዳንን ብፍትሕን አብ መንጎ ሰብ ሓደ ጾታ መርዓ ይፈቀድ ዝብል ተጽዕኖ ጸጋማውያን ምንቅስቃሳትን ከማኡ እውን አብ ጥቃ ሞት ንዝርከቡ ሰባት ዕለቶም ጸብጺቦም አምላኽ አብ ዝጸው ዖም ዕለት ክንዲ ዚ ዓርፉ ሞቶም ንዘይተርፎም ብሕክምና ሓጊዝና ንቅተሎም ዝብል ናይ ምሕረት ቅትለት ወይ መርሲ ኪሊንግ ዝበሃል አተሓሳስባ ገኒኑ ከምዘሸግሮም ዝበአሰ ከአ ናይ ቤተ ክህነት አብ ልዕሊ ንጹሓት ዘባት ዝተፈጸመ ናይ ጾታዊ ዓመጽ ክስታት ካብቲ ንሃገረ ሆላንድ አብዚ ግዜ እዚ ዘሸግሩ ምዃኖም ተገሊጹ፣ቅዱስነቶም ነዚ ኩሉ አብ ግምት በምእታውን ናይ ግዜ ኩነታትን ምልክታትን አምቢብካ ንሎሚ ዝኸውን ስብከተ ወንጌል ንምግባርን ዘድሊ ምኽርን ማዕዳን ሂቦም፣ ርግጽ ኢዩ ሃገረ ሆላንድ ብ ዓለማውነት ተዓብሊላ ኩሉ ኅልናኡ አንቂጹ አብ ዘለውሉ ጊዜ ነቲ ክርስቶስ ዚሃበና ተስፋ ክትዘር እ አሸጋሪ ኢዩ፣ ኮይኑ ግን ተልእኮ ቤተ ክርስትያን ሠናይ ናይ ወዲ ሰብ ምድላይ ንም ዕባለ ማኅበረሰብ ምሥራሕ ስለዝኾነ ንክርስትያን ትምህርቲ ከምዘድሊ፣ በዚ ከአ ክርስትያን እንተደአ ተማሂሮምን ነቂሖምን ብኅልና ክፈርዱ ይኽ እሉ! ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ እንታይ ምዃኑ እውን የለልዩ፣ በዚ ከምዚ ከአ እቲ ብላዕሊ ላዕሊ ጥራይ ዝግበር ቅድመ ኩነታውን ስምዒታውን ፍርድታት ከተወግድን እንታይ ገደሰኒ ዝብል ናይ አብ ወሰን ኰንካ ተዓዛቢ ምዃንን ፈተናታት ክውገዱ ከምዝኽእሉ ቅዱስነቶም አመልኪቶም፣ እዚ ጥራሕ ዘይኮነ ከአ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብናይ ወላዲት ፍቅሪ ተደሪኾም ብፍቅርን ብዓቅልን ነቲ ዝተፈላለየ ሕቶታት ሕዝቢ ንምምላስ አብቲ ዓዲ አብ ዝግበር ብዛዕባ ስድራቤት ቃልኪዳንን መወዳእታ ሕይወትን ዝምልከት ዘተ ሕዝቢ ብዕቱብነት ክሳተፉን ብርሃን ዓለምን ጨው ምድርን ኮይኖም ክመርሑ ሓደራ ቢሎም፣
እዚ ከምዚ እንከሎ ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ትዊተር ብዝበሃል መራኸቢ ብዙኃን “ኃጢአትካ እምብዛ ገዚፍ እንተኾነ ንጐይታ መሓረኒ በሎ ከምቲ ክኾኖ ዝግበአኒ ኮይነ ክመላለስ ሓግዘኒ ንልበይ ለውጦ ቢልካ ለምን” እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ጽሒፎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.