2013-12-03 15:40:02

ብፁዕ ኣቡነ ብረጋንቲኒ፦ ድኻታት ቀንደይና ተዋሰእቲ ወንጌል ኢያቶም


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዎን ንንባብ ዝበቕዔ “Evangelii Gaudium-ወንጌላዊ ሃሴት” እተሰምየ ሓዋርያው ምዕዳን፦ “ኣብ መንጎ እምነትናን ድኻታት ነቕ ዘይብል ክፈላለ ዘይክእል ጽኑዕ ምትእስሳር ኣሎ። ስለዚህ ድኻታት ንገዛእ ርእሶምን ንበይኖምን ኣይንሕደጎም” ዝብል ድኻታት ቀንደይና ተዋሰእቲ ወንጌል ምዃኖም ካብ ዝረጋግገጽዎ ሓሳብት ሓደ ዝጠቐሱ ኣብ ኢጣሊያ ካምፖባሶን ቦያኖን ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ጃንካርሎ ብረጋንቲኒ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣመልኪቶም ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፦ ወንጌል ማከል ምዃኑ ክፍለጥ እንከሎን ማእከላዊ ቦታ ክወሃቦ እንከሎ ብዘይ ጥርጥር ድኻታት ቀንደይና ተዋሳእቲ ወንግል ምዃኖን ንግንዘብ፣ ስለዚህ ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ቲዮሎግያውን መንፈሳውን ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎን ሰነ ሰብእን መዳይ ዘሎ ተሞራዃስነትን ምትእስሳርን ከምዘሎ ተመልኪቱ ኣሎ፣ ከተንብቦ ቅልል ዝብለ ነዊሕ ሓዋርያዊ ምዕዳን እዩ፣ ኮይኑ ግን ቅዉም ሓሳቡ ትርጉም ምልኣት ዘለዎ’ሞ ድኻታት ብሓዘን ክንምልከቶም ዘይኰነስ እቲ ዝተነፍጕም ዝተመንዝዖም ተሳታፍቲ ሃብቲ ዓለም ምዃኖም ዳግም ምሃብ ብብዝብል ፍትሒ ክንምልከቶምን ክንቀርቦምን ከምዘለና የነጽር” ኢሎም።
ብዛዕባ ማሕበራዊ ፍትሒ ኣመልኪቶም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን እንክዛረቡ ኣብ ዓንቀጸ እምነት ጌጋ ከይንፍጽም ምጥንቓቕ ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ኢፍትሓውነት ኩነት ሸልል ቢልና ካብ ምርኣይን መሓርቲ ኢፍትሃውነትን ኰይና ናይ ኢፍትሃውነት ተሓባበርቲ ኰይናን ከይንርከብ ምጥንቓቕ ከምዘድሊ እንከመልክቱ፦ “ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽ ዝተነብሩን ዝሓለፉ ጸገማት ንምዕራርይ ተባሂሉ፣ ገለ ገለ ግብረ ሓጢኣት ክግለጽን ክስመረሎምን ካልኦት ሓጢኣት ድማ ዘይግለጹን ወይ ድማ ካብ ምግላጾም ሱቕ ጥዑም እናተባህሉ ከም ቅቡል ተሓሲቦም ብልዝብነት ርድኢት ተገይርሎም፣ ዕዳጋ ዕዳጋ እዩ ብዝብል ኣተሓሳስባ ክምዘን ጸኒሑ እዩ። እቲ ካልእ ወንጌላዊ ርእየት ግን ሕይወት ዝቕበልን ዘእንግድን ዝልውጥን ዘተኻኽልን ብኹለ መዳያቱ ናይ ክርስቲያን ሕይወት ዝልውጥ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቤተ ምሕደራ እውን ዝልውጥ ማለት ሓቀይናን ቅኑዕን ካብ እዱብ ልቢ ዝምንጭ ኣብ ቤተሰብን ከባብን ዘቕርብ ንጹርን ዘይተመራሰሔ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትን ግልጽን ኣብ ማሕበራዊ ርክባትን ኤኮኖምያዊ መዳይ ዝንበር ምስክርነት ክርስቲያን ዝብል እዩ” ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ናይ ኩሉ እዱብ ጠባይን ክቡራት ዋጋታት ርእሲ እዩ ቢሎም ደጋጊሞም ዝገልጽዎ ዘለዉ ምሕረት ዝብል ክቡር ዋጋ መሠረት ኣብቲ ብኣኦም ዝምራሕ ኣብ ዘሎ ሰበኻ ዝንበር ብዘሎ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቀዳምነት ተዋሂብዎ እቲ መሓሪ ዝኾነ ኣቦ ብዑምቆት ዳግም ብምልላይን ብምራኻብን እቲ መሓርነት ክቡር ዋጋ ኣብ ኩለ መዳይ ሕይወትና ምንባርን ምምስካር ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ እዚ ድማ ወንጌላዊ ሃሴት ወንጌላዊ ምሕረትን ወንጌላዊ ሓጎስን ኮይኑ ብሕይወትና ክምስከር ቅድሱ ኣቦና ይመርሑናን ይምዕዱናን፣ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ክንደይ ይነፍዑ እናተባህሉ ዝብልዎ ሰሚዕካ ከምዘይሰማዕካ ኰይንካ ምንባር ዓቢ ስግኣት እዩ፣ ክህሉ እውን ዝከኣል እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዙሕ ነገራት ይፍጽሙን ዓበይቲ ነገራት የረጋግጹ ከምዘለዉ ዝረኣይ እዩ። ንሶም ክግብርዎ ሱቕ ኢልካ ምርአይ ቀሊል እዩ፣ ኣብቲ ዝፍጽምዎ ዘለዎ ዓበይቲ ነገራት ምስኦም ዘይምሕባርን ዘይምዕያይን እቲ ዝዓበየ ሓደጋን ስግኣትን እዩ። ኩላትና ምስ እንሓብር ጥራሕ እዩ ዓወት ዝጭበጥ፣ ሓደ ንበይኑ ከዐውተና ዝከኣል እዩ፣ ኣብቲ ንዓወት ዝግበር ጻዕሪ ግን ናይ ኩሉ ሱታፌ ወሳኒ እዩ። መሪሑ ናብ ሸቶ ዘብጽሕ ሓቀይና መራሒ የድሉ እዩ፣ ኣብቲ ንሽቶ ዝግበር ጻዕሪ ግን ኩሉ ተሓባቢሩን ሰሚሩን ናቱ ተራ ክጻወት ወሳኒ እዩ። እንክብሉ ነቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝደረስዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ብኸምዚ ዓይነት መልክዕ ገሊጾም ዘቕረብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.