2013-11-30 15:13:13

ዋርሶው፦ ክርስትና ኣብ ኤውሮጳ


RealAudioMP3 ኣብ ፖላንድ ርእሰ ከተማ ዋርሶው ግደ ናይ ፖላንድን ሩሲያን ሕዝብታትን ቤተ ክርስቲያንን ንሓድነት ኣሚተን ኣብ ዘካይድኦ ናይ ሓባር ጉዕዞ ዘተ ዘማእከለ ጉባኤ ትማሊ ዕለት 29 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ከም እተጀመረን ኣብዚ ናይ መላእ ሩሲያን ሞስኮን ፓትሪያርክ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ሂላሪዮን ይሳተፉ ከምዘለዉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ልኡኻት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፖላንድን ናይ መላእ ሩሲያን ሞክሶን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ልኡኻትን ድሕሪ ነሓሰ 2012 ዓ.ም. ዝተፈራረምዎ ናይ ሓባር ስምምዕ ሰነድ ንነጀው ንጡፍ ናይ ሓባር ርክባት የሳልጣ ከምዘለዉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ኣስዒቡ፣ እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኣተን ኣቢያተ ክርስቲያን ንመጻኢ ብቐጻሊ ንኽካይድ ናይ ዝተወሰነ ናይ ሓባር ዘተ መደብ ክፍሊ ዝኾነ ትማሊ ዝተኸፈት ናይ ሓባር ጉባኤ ዘረባ ብምስማዕ ዝኸፈቱ ኣብ ፖላንድ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብ
ብፁዕ ኣቡነ ጆሰፍ ሚካሊክ ከምዝኾኑን፣ ብዘይ ኣብ መንጐ ቤተ ክርስቲያንን በርገሳዊ ሕበረተሰብን ርክብን ዘተንን በዘይ ተራ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ሕንጸትን ምዕባለን ሃገርን ሕዝብታትን ኣብ መንጐ ሕዝብታት ዕርቅን ምሉእ ምዕባለን ክረጋግጽ ከምዘይክእል እቲ ዝካይድ ዘሎ ጉባኤ ከምዘስመረሉ ኣመልኪቱ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ተጋባእያን ኣብ ዋርሶው ኣብ ዝርከብ ካቶሊካዊ ካቴድራልን ቀጺሉ ድማ ኣብ ካቴድራል ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሎሚ በዓለ ቅዱስ ኣድርያስ ሓላዊ ሓድነት ኣቢያተ ክርስቲያን ምኽንያት ጸሎት ከምዝዓረገን ናይ ዋርሶው ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ካዚሜርዝ ንይችዝ ዝሰርዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ እውን ከምዝዓረገ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎታ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.