2013-11-30 14:56:33

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ ምስጢረ ተክሊል ንምፍታሕ ነዘገድድ ጠንቂ ቅንዕናን ትግሃትን ምጥቃም


RealAudioMP3 ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ፍርዲ ዓመታዊ ናይ ትምህርቲ ዘመን መኽፈቲ ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ፍርዲ ዝበጽሖ ምስጢረ ተክሊል ናይ ምፍራስ ሕቶ ተቐቢሉ እቲ ብቕዱስ ምስጢር ዝተኣስረ ቃል ኪዳን ንምፍታሕ ውሳኔ ንምሃብ ጠንቂ ምስጢረ ተኽሊክ ምፍራስን መምዩ ንምጽናዕ ዝገብሮ ጻዕሪ ህርኩትን ንጡፍን ምዃኑ ጠቂሶም እዚ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ሕግን ፍትሕን ዓመታዊ ትምህርቲ ንምጅማር “ብቑዕ ምስጢረ ተክሊል ክነሱ ፍሩስ ይኹን በብሎ ውሳኔ ቤት ፍርዲ ቅድስቲ መንበር” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ንዝተኻየደ ጉባኤ ብምምስጋን፣ ቅዱስነቶም ናብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ቤት ፍርዲ መንበረ ጥበብ ዋና ኣመሓዳሪ ብፁዕ ኣቡነ ፒዮ ቪቶ ፒንቶ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፣ ነቲ ቤት ፍርድን ኣባላቱን ብፍላይ ቀረባ ምዃኖም ብምርግጋጽ፣ እቲ መንበረ ጥበብ ኣብ ሕግን ፍትሕን ሕገ ቀኖናን ዝህቦ ዝተፈላለየ ናይ ስነ ሕጊ ትምህርቲ፣ ውሁድ መሰረተ ሓሳባት ክህልዎን ንሓልዮ ስድራ ቤት ዝቐርብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣተኩሮ ዝገበር ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦምን ስድራ ቤት እቲ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ዝካየድ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ርእሰ ጉዳይ እውን ምዃኑ ዘኪሮም፣ እቲ ፍሉዩ ሲኖዶስ “ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብድሆታት ብመዳይ ኣስፍሆተ ወንጌል” ዝብል ምዃኑን ብዛዕባ ስድራ ቤት ኵለ መዳያዊ ዘተ ዝካየደሉ ብምዃኑ ነዚ ቤት ፍርዲ ቅድስቲ መንበር መንበረ ጥበብ ዓቢይ ጸጋ እዩ እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ከምዘመልከቱ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ቤት ጽሕፈት ኣቢሉ በቢ ወርሒ ብምስጢረ ተክሊል ዝተኣሰረ ክነሱ፣ ይፈታሕ ዶ ዝብል ናይ ፍቃድ ውሳኔ ዝሓትት ሰነድ እዚ ድማ እቲ ዝተፈጸመ ምስጢረ ተክሊል ቅዱስ ምስጢራዊ ብቕዓት ዘለዎ ክነሱ ከም ሰብ ቃል ኪዳን ኣብ መንጎ እቶም ብምስጢረ ተክሊል ቃል ዝኣሰሩ መጻምድቲ ከም ሰብ ሓዳር መጠን ስጋዊ ርክብ ዘይተፈጸሞ ብምዃኑ ክፍታሓሎም ዘቕርብዎ ሕቶ ዝበጽሖ ምዃኑን ድሕሪ እዚ ናይ ፍታሕ ሕቶ ሓድሽን ብቁዕን መርዓ ብምስጢረ ተክሊል ንምቛም ክፍቐደሎም ዝብል ድላይ ከምዘሎን እዚ ድማ ሱታፌ ኣብ ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን ምሉእን ኣብ መላእ ናይ ቤተ ክርስቲያን ሕይወት ውሳጣዊ ሰላም ረኺቦም ምሉእ ምጽምባር ክህልዎም ዝብል ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ብምምልካት ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ኣብ መንጐ ብቑዕ ቤት ፍርዲ ቅድስቲ መንበርን ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታታሊ ናይ ቀረባ ተሓባበርቲ ጳጳሳዊ ኣባይቲ ምኽርታትን ቅዱሳት ማሕበራትን ምትሕብባር ክህሉ ከምዘተሓሳሰቡ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.