2013-11-30 17:43:44

ሰንበት ዘምኵራብ ኅዳር 22 2006 ዓ.ም. (12/1/2013)


መዝሙር፡ አምላክ ፍጹም ብህላዌሁ. . . . . .
ንባባት፡ ቆላስ 1፡12-ፍ፥ 1ጴጥ 1፡13-21፥ ግ.ሓ. 19፡21-ፍ፥ ዮሓ 5፡16-28።
ምስባክ፡ ኵሉ ዘፈቀደ ገብረ እግዚአብሔር፥ ሰማይኒ ወበምድርኒ፥ በባህርኒ ወበኩሉ ቀላያት። “እግዚአብሔር ንዝደለዮ ኩሉ አብ ሰማይን አብ ምድሪን፥ አብ ባሕርን አብ ቀላያትን ገበረ” መዝ. 135፡6።
መዝሙር፡ “ቅድሚ ምፍጣር ዓለም ዘሎ አምላኽ ብኅላዌኡ ፍጹም እዩ፥ ንሱ ብግዝአቱ ንዓለም የመሓድር፥ ሰማይ ንኽብሩ ገበሮ ንዓለም ፈጠሮ፥ ንምድሪ አጸበቓ፥ ንኹሎም አብ ጸገም ዘለዉ ከዕርፉ ንባሕርን ንኹሎም ንፋሳትን ገሰጾም፥ ኩሎም አብአ ከዕርፉ ምእንቲ ንሰንበት ቀደሳ። አብ አምላኽ ጽድቅን ማኅደር ናይ ንጹሓትን አኽሊል ነቶም ዘፍቅርዎ ኢሉ ዘሰናደዎ ምእንቲ ክትቅበሉ አብኡ ቅረቡ። ንሶም ብጸጋን ብልቦናን ብሃይማኖትን ካብ መጀመርያ ንጎይትኦም ዘሕጎስዎ መምህር ቅዱሳን አኽሊል ሰማዕታት ናይ ካህናት ሽመት ዝኾነ አምላኽ ብጸግኡ አጽንዖም”።
ሰብ ዝያዳ ፍቕሪ አምላኽ ከስተማቕር ፍሉይ ጸጋ ዝተዓደለ ፍጡር እዩ። አብ ዓለም ዘሎ ኩሉ አምላኽ ሰብ ክሕጎሰሉ ሂብዎ። ወሃቢ አምላኽ ከምቲ ንሱ ዝደልዮ ሰብ ክጥቀመሉ ተዓዲሉ። ነዚ አምላኽ ዝሃበና ህያባት ንክብሪ አምላኽን ንኸማና ዝበሉ ሰባት ክንጥቀመሉ ተዋሂቡና። ናይ ሎሚ ሰንበት መዝሙር ነዚ ክነስተማቕር ይሕግዘና።
ክርስቶስ አብዚ ዓለም ዝመጸ ንሕና ብሩህ ፍቕሪ አምላኽ ክንርኢ እሞ ደቂ አምላኽ ክንከውን እዩ። ክርስቶስ እምብአር አምላኽ ከም ዘፍቅረና ክነግረና እዩ መጺኡ። ንኢየሱስ ምቕባል፥ ምፍላጥ ማለት ንአምላኽ ምፍላጥ ማለት እዩ። አይሁድ ንኢየሱስ ወላ እኳ ኩሉ ነቲ ዝገብሮ ይርአዩ እምበር ክአምኑ ክቕበሉ ከቢድዎም። አነ ካብ ሰማይ ከድሕነኩም ዝመጻእኩ እየ እናበለ እንከሎ ምቕባል አብዮሞ። ነዚ አብ ሕይወትና ክነስተንትኖ ከሎና ንሕና እውን ሎሚ አብ ዕለታዊ ሕይወትና ንደግሞ ኢና። ብዝተፈላለየ መገዲ ብፍላይ ብቤተ ክርስትያኑ ገሩ እናነገረና ንምቕባሉ ንአቢ። ወንጌል ክንፈልጥ ክንአምን እዩ ተጻሒፉ፥ ዮውሓንስ ነዚ አብዚ ዝተነበና ይገልጾ።
ኢየሱስ መን ምዃኑ ፈሊጥና አብ ሕይወትና ቦታ ክንህቦ። ቅድሚ እዚ ዘንበብናዮ ጥቕሲ ዘሎ እንተ ርኤና ኢየሱስ ንሓደ ልሙስ ሰብ ከምዘሕወየ ነንብብ፥ አብኡ ምስ ሰማያዊ አብኡ ዘለዎ ጥቡቕ ርክብ ገሊጹ፥ ንሱ አብዚ ዓለም ዝመጸ በቲ ዝገብሮ ዝነበረ ተአምራታትን ትምህርትን ገሊጹ። እንተ ኾነ እቶም ዝሰምዕዎ ዝነበሩ ክቕበልዎ አይከአሉን። አግሂዱ ከምቲ አቦይ አብ መዓልቲ ሰንበት ዝዓዪ አነ ኸአ ንሰማያዊ አቦ ክገልጽ ብሰንበት እዓዪ አሎኹ ኢልዎም። እንተ ኾነ እቶም ተቛወምቲ ንሱ ንርእሱ ማዕረ አምላኽ ስለ ዝሰርዐን ኩሉ እቲ ዝብሎን ዝገብሮን ካብ አምላኽ ምዃኑ ምስ ገለጸ ክቕበልዎ አይከአሉን። ንአምላኽ ከም ዝጸርፍ ዘሎ ገሮም ወሲዶሞ። እንተ ኾነ ንሶም እዮም ንአምላኽ ዘዋርዱ ዝነበሩ፥ ንሶም እዮም ንሓቂ ምቕባል ዝአበዩ። ልቦም ስለ ዝዓጸዉ ነቲ ኢየሱስ ዘቕርቦ ዝነበረ ሕይወት ክቕበሉ አይክእሉን እዮም። ንኢየሱስ ምቕባል ስለ ዝአበዩ በዚ ክፍረዱ እዮም።
ኢየሱስ አብ ዘረብኡ ዘተኩሮ አብቲ ንሱ ከመይ ገሩ ነብኡ ከም ዝመሳሰሎ ንምግላጽ እዩ፥ እዚ ኸአ ሕይወት ብምሃብን ብምፍራድን፥ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኩሎም እቶም ብእምነት ዝምስክርዎ ክገብርዎ ዘለዎም። ሰባት ነቲ ኢየሱስ ክህቦ ኢሉ ዝመጸ ሕይወት ዘይተቐበሉ ክፍረዱ እዮም። ኢየሱስ ዝህቦ ሕይወት ብዙሕ ደረጃታት ዝሓዘ እዩ፥ ዘለዓለማዊ፥ ዝተሓደሰ፥ ካብ ምጅማር ካብ እናዓበየ ዝመጽእ እምነት ዝተንሥኤን ዝዓበየን፥ ቀስ ኢሉ አብቲ ናይ ኢየሱስ መንነት ብዝተፈላለየ መገዲ ዘብጽሕ፥ ብዙሕ ምልክታት አብቲ ኢየሱስ ወዲ ሰብን አምላኽን ምዃኑ ንምቅባል ዘብጽሕ፥ እዚ ኹሉ ብዝተፈላለየ መገዲ አብ ኢየሱስ የብጽሓና፥ ኢየሱስ አብ ዝገለጾ አቦ ንወልድ ከም ዘፍቅሮ እሞ ኩሎም ሰባት ክሳብ ዝግረሙ ንኹሉ ብወልድ ገሩ ከምዝገለጾ ባዕሉ ይነግረና። ኢየሱስ እቶም ጸላእቱ ክቐትልዎ እናመኸሩ እንከለዉ ንሱ ሕይወት የወፍየሎም።
ነዚ ዘቕርቦ ዘሎ ሕይወቱ እንተ ዘይተቐበሉ ክፍረዱ እዮም። ኩሎም እቶም ንሓቂ ኢየሱስ ዝህቦ ዘይቕበሉ ብዘይምእማኖም አብ ቅድሚ አምላኽ ክፍረዱ እዮም። አብዘይ ምእማኖም እንተ ጸኒዖም ካብቲ ኢየሱስ ዘተስፈዎ ሕይወት ተፈልዮም ይነብሩ እዚ ኸአ ንርእስኻ ምዅናን እዩ። እዚ ኹሉ ንመጻኢ ሕይወትና ተቐሪብና ክንጸንሕ ምእንቲ ዝተባህለ እዩ።
ኢየሱስ አብ ትምህርቱ “አቦ ንምውታት ከምዘተንሥኦም ሕያዋንውን ከም ዝገብሮም ወልድ ድማ ኸምኡ ነቶም ዝደልዮም ሕያዋን ይገብሮም” ይብል። ነዚ ነቲ ልሙስ ሰብአይ አብ ዘሕወዮ ገሊጽዎ። ካብ ኢየሱስ እንረኽቦ ሓዲስ ሕይወት ነዚ ዝስዕብ መልክዕ ዝሓዘ እዩ፡

ሓደ ካብቲ ክንአምኖ ዘሎና አምላኽ እንታይ ከም ዝገብር ይፈልጥ ምዃኑ ምእማን እዩ። ኩሉ ጊዜ ጽቡቕ ምስ ሓሰበልና እዩ፥ አብ ፍቕሩ ምስ ሓዘና እዩ። እዚ እዩ ውህበት እምነት። ኢየሱስ መፍትሕ መንግስተ ሰማይ ይህበና አሎ፥ አይሁድ ክቕበልዎ አይደለዩን። አብ ምሓዙን አብ ምቕታሉን ጥራሕ እዮም አድሂቦም ነሮም። ንሕና ግን ልብና ከፊትና ክንቅበሎ ዝበለጸ ዕድል አሎና።
ድምጺ አምላኽ ሰምዒካ ምኽአል አብ ሕይወት ይሕውሰና። ዕለት ዕለት ብሕይወት ክነብር እምብአር ንአምላኽ ከም ንሰምዕ ዘሎና ክንረጋግጽ አሎና። “እቶም ምውታት ድምፂ ወዲ አምላኽ ዚሰምዑላ ሰዓት ትመጽእ አላ፥ ንሳ ኸአ ሕጂ እያ እቶም ዚሰምዕዎ ዘበሉ ድማ ብሕይወት ከም ዚነብሩ ብሓቂ ብሓቂ እምብለኩም አሎኹ” (ዮሓ 5፡25)። አይሁድ መንነት ክርስቶስ አደናጊርዎም አብ ዝነበረ እዋን ገሊጹ ነጊርዎም ንሱ መን ምዃኑ፥ ክቕበልዎ አይደለዩን በዚ አብ ርእሶም ኩነኔ አምጺኦም፥ ንሕና እውን ከምኡ ንገብር ኢና፥ አምላኽ አብኡ ክንምለስ ክንሰምዖ ይዛረበና ግን ጸማም እዝኒ ንህቦ። ስለዚ ሎሚ ልብና ንኽፈተሉ እሞ ንስምዓዮ።
ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ቆላስያስ ዝጸሓፋ ወላ እኳ አብ መንግኦም እምነትን ፍቕርን ብብሩህ ይገለጽ እምበር ንቐጻሊ ዕብየት እምነት ክጽዕሩ ይመኽሮም። ብሓፈሻ ከም ዝጽልየሎም ጥራሕ አይኮነን ዝነግሮም ብንጹር ምእንቲ ምንታይ ከም ዝጽልየሎም እውን ይነግሮም። “ብኹሉ መንፈሳዊ ጥበብን ርድኢትን ፍቓድ አምላኽ እንታይ ከምዝኾነ እትግንዘቡሉ ምሉእ ፍልጠት ምእንቲ ኽህልወኩም እናለመና ብዛዕባኹም ካብ ምጽላይ አቋሪጽና አይንፈልጥን” ይብሎም።
ጳውሎስ ሓደ ክርስትያን ብናቱ ጻዕሪ ጥራሕ ሰናይ ፍሪ ከፍሪ ከም ዘይክእል ገሊጹ ይዛረበና። አብ ኩሉ እንገብሮ ሠናይ አምላኽ ጸግኡ ስለ ዝህበና እዩ። ኩሉ ዘሎና ዘበለ ካብ አምላኽ እዩ። “ንሱ ካብ ሥልጣን ጸልማት አውጽአና ናብታ መንግሥቲ ፍቑር ወዱውን አእተወና” እናበለ ምስቲ ናይ እስራኤላውያን ካብ ግዝአት ባርነት ናብ ነጻነት አተሓሒዙ ይርእዮ። ጴጥሮስ እውን ነዚ ዝመስል “ንስኻትኩም ግና ዕቤት ናይቲ ካብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ ኅሩይ ወለዶ ናይ ንጉሥ ካህናት ቅዱስ ሕዝቢ ጥሪት አምላኽ ዝኾነ ሕዝቢ ኢኹም” (1ጴጥ 2፡9) እናበለ አብ ሓዲስ መንግስቲ ወዱ ከምዘመሓላለፈና ይነግረና።
አብ ርድኢት አይሁድ እዚ ሓሳብ ነቲ ንምሉእ ህዝቢ አብ ሓዲስ ቦታ ወይ ሰፍር ምቕያር የስምዕ። ዝኾነ አይሁዳዊ ነዚ ዝሰምዕ ነቲ ካብ ባርነት ግብጺ ናብ ምድረ ተስፋ ዝተገብረ ይዝክር። ሎሚ ብኢየሱስ ክርስቶስ አብ ሓዲስ ሕይወትን እምነትን አቲና አሎና።
ቅ. ጳውሎስ እምብአር ንሰብ ቆላስያስ ካብ ሓሰውቲ ነብያት ክርሕቑ ኢሉ ነዚ ዝተነበ መዝሙር ውዳሴ ክደግሙ የዘኻኽሮም። ገሊኦም ሰበኽቲ ብዛዕባ አብ ሰማይ ዘለዉ ስልጣናትን መላእኽትን ይሰብኩ ነሮም በዚ ኽአ ንብዙሓት የደናግሩ ነሮም ነዚ ከረድእ ኢሉ ክርስቶስ ልዕሊ ኹሉ ፍጡር ምዃኑን ኩሉ ንኡ ዘገልግል ምዃኑን ይነግሮም። አብ መጀመርያ ተራ ኢየሱስ አብ ፍጥረት ይገልጽ አብዚ ነቲ ናይ ዕብራውያን ጽሑፋት ዝገልጾ ናይ ጥበብ አካልነት መሰረት ገሩ ይገልጾ። ጥበብ ካብ መጀመርያ ብአምላኽ ተፈጢራ “እግዚአብሔር ቅድሚ ኵሉ ጥንታዊ ግብሩ ወለደኒ” (መፍሓፍ ምሳሌ 8፡22) እናበለ ነቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዝነበረ ርድኢት ይደግሞ። ጳውሎስ ኩሎም ስልጣናት መላእኽቲ አብ ትሕቲ ክርስትስ ከም ዝኾኑ ይገልጸልና። “ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ፥ ንሱ ቅድሚ ኹሉ ፍጥረት ዝነበረ እዩ፥ ኹሉውን ብእኡ ቆይሙ አሎ፥ ንሱ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ርእሲ እዩ፥ ብኹሉ ነገር ቀዳማይ ምእንቲ ኪኸውንሲ ንሱ መጀምርታ እዩ፥ ካብ ምዉታን ብምትንሣእውን በኹሪ እዩ” እናበለ ናይ ክርስቶስ እንታይነትን ተልእኮን ምስኡ ክህልወና ዘለዎ ርክብን ይገልጸልና።
“ኵሉ ብአኡ ቆይሙ አሎ” ይብል ካብ ኢየሱስ ዝተፈለ ሕይወት ከም ዘይብሉ ክገልጽ። ሕይወትና ትርጉም ዝህልዎ ምስ ኢየሱስ ቀጻሊ ርክብ ምስ ዝህልዎ ጥራሕ እዩ። ካብ ኢየሱስ ወጻኢ ዝነብር አብ ጸልማት እዩ ዝነብር።
ናይ ሎሚ ቃል አምላኽ ዝብለና እምብአር ሓዲስ ሕይወት አብ ኢየሱስ ክርስቶስ ለቢስና ክነብር እዩ። “ንስኻትኩም ቀደም ካብ አምላኽ ዝረሓቕኩም ብሓሳብኩምን ብኽፉእ ግብርኹምን ጸላእቱ ነበርኩም” እናበለ ሕጂ ግን ሓደስቲ ፍጥረት ኢኹም ዝበሎ ንነፍሲ ወከፍና ዘስምዕ እዩ። አብ አምላኽ ተመሊስና ሓዲስ ሕይወት ክነለብስ ንዕደም አሎና። ዕድመ አምላኽ ተቐቢልና ምስ አምላኽን ሰብን ንተዓረቕ ሽዑ ጣዕሚ ደቂ አምላኽ ክነስተማቕር ኢና። ነዚ ንምግባር ብጸግኡ ይሓግዘናን ይምርሓናን።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.