2013-11-29 17:49:56

ከምቲ ሰማዕታት ከምዝምስክርዎ ንምምስካር ኩሎም ክርስትያን ወሰንቲ ምርጫታት ሕይወት ክገብሩ አለዎም፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት ቅድስት ማርታ ዝገበርዎ ስብከት “ወላውን አብቲ ዝጸንከረ ጊዜ ንኩሉ አብ ኢድ አምላኽ ክነንብሮ ከምዘሎና ብምዝኽኻር ከምቲ ሰማዕታት ናይ ኩሉ ዘመን ዝምህሩና ንክርስቶስ ንምምስካር ወሰንቲ ምርጫታት ሕይወት ክንገብር አሎና፣ ሎሚ እውን እንተኾነ አብነት ክኾኑና ዝኽ እሉ አኅዋትን አኃትን ስለ እምነቶም ዝስደዱ ንኩሉ አብ ኢድ አምላኽ ክነወፊ የተባብዑና” እንክብሉ አብቲ ናይ ዕለቱ ቀዳማይ ንባብ ካብ ትንቢት ዳኒኤል ቀዳማይ ምዕራፍ ዝተወስደ ኮይኑ “ንመንግስቲ ዮኣቄም ንጉስ ይሁዳ ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመቱ፡ ነቡካድነጻር ንጉስ ባቢሎን ንኢዮርሳሌም ምስ ወረራ ንኣሽፈናዝ፡ ሐለቓ እቶም ስሉባቱ፡ ካብ ደቂ እስራኤል፡ አብ ኣዳራሽ ንጉስ ዝቆሙ ናይ ከለዳውያን መጻሕፍትን ቋንቋን ከአ ኪምህርዎም፡ አዚዙ። ካብቲ ብልዒ ንጉስን ካብቲ ንሱ ዚሰትዮ ወይንን ጸጽባሕ ድርጎ ሰርዓሎም። ኣብ ማእከል እዚኣቶም ድማ ካብ ደቂ ይሁዳ፡ ዳንኤልን ሃናንያን ሚሻኤልን ኣዛርያን ነበሩ። ዳንኤል ግና፡ በቲ ብልዒ ንጉስን በቲ ዚሰትዮ ወይንን ከይረክስ፡ ብልቡ ሐለነ፡ ብግዲ ኸይረክስ ድማ ነቲ ሓለቓ ስሉባት ለመኖ። እቲ ሓለቓ ስሉባት ግን ካብቶም ብጾቶም ዓቢሮም ከይረአዩ ከምዝሰግእ በዚ ከአ ከይቅጻዕ ከምዝፈርህ ምስ ነገሮ ዳኒኤል፡ ንዓሠርተ አሕምልትን ማይን ጥራይ ክህቦም እሞ ክ ዕዘቦም ነገሮ፣ ከምቲ ዝበሎ ከአ ድሕሪ ዓሠርተ መዓልቲ ካብቶም ካል ኦት በሊጾም ተረኽቡ፣ ብኩሉ ተዓዊቶም አብ መጨረሻ እውን ንጣዖታት ንጉሥ ከይሰግዱ አብ አፍ አናብስን ሓውን ተደርብዮም ከዝደኃኑ ዝትርኽን ናይታ ክትጽሊ ናብ ቤተ መቅደስ ደዪባ ዘለዋ ኩሉ ማለት ክልተ ሳንቲም መባእ ዘውደቀትን ጐይታ ዝነአዳን መበለት ዝገልጽ ክፍሊ ወንጌልን ነበረ፣
“ክልቲኡ ታሪኽ ናይታ መበለትን ናይቶም አጕባዝ ይሁዳን አብ ግብ ዝበለ ጸልማት ዓይንኻ አ ዓሚትካ ናይ ም እታው ኩነተ እምነት የመልክት፣ አብቲ ዝገበርዎ ውሳኔ ብ ዓቢይ ልቦና ንገዛእ ር እሶም ረሲዖም ጥቅሚ ር እሶም ከይደለዩ ቆሪጾም ንጐይታ መሪጾም፣ ን አ ኦም ጐይታ ኩለንትናኦም ኢዩ፣ እግዚአብሔር ጐይታ ኢዩ ብምሉእ ልቦም ከአ ናባኡ ተአማመኑ፣ ነዙይ ከአ ተገዲዶም አይገበርዎን ከምዚ ናይ ገሊኦም ዕውር እምነትን መሪሕነትን ዘለዎም ጽንፈኛታት እዚ ክንገብሮ አሎና ኢሎም አይገበርዎም እንታይ ደአ ብምሉ እ ልቦም ናብ እግዚአብሔር ተአማሚኖም ንኩሉ አብ ኢዱ አውዲቆሞ፣ እዚ ዝገበርዎ ምኽንያት ከአ ጐይታ እሙን ምዃኑ ይፈልጡን ይ አምኑን ብምንባሮም ኢዩ፣ እዚ ምት እምማን እዚ ከአ ነዙ ውሳኔ እዚ ክገብሮ አኽ ኢልዎም፣ እዚ ፍጻሜ እዚ አብ ቤተ ክርስትያን እውን አብ መላእ ታሪኻ እናተደጋገመ ይነብር … ክንደይ ሰማዕታት … ክንደይ ጻድቃን … ሎሚ እውን እንተኾነ አብ ፈቀዶኡ ንክርስቶስ ንምምስካር ዝስደዱን ሕይወቶም መስዋዕቲ ዝኸፈሉን ውሑዳት አይኮኑን፣ እዚኦም አብነቶም ክንክተልን ኩሉ አብ ኢድ አምላኽ ክነንብርን ብምሉ እ ልብና ክን አምኖን የትባብ ዑና፣ እዚ ጥራይ ዘይኮነ ሎሚ ከም ሎሚ ብዙኃት አደታትን አቦታትን ዕለት ዕለት ናብራኦም ንምምራሕን ደቆም ንምኹስኳስን ዝኸፍልዎ ዘለዎ መሥዋእቲ እውን ናይ ቤተ ክርስትያን ሃብቲ ምዃኑ ክንዝንግ ዕ የብልናን፣ እዚኦም አብ ቅድሚ መላእ ዓለም ይምስክሩ አለው እግዚአብሔር ናይ ትብዓት ጸጋ ክህንበና እሞ ንሕይወት ክርስትናና ብትብ ዓት ክነሰጉም ንለምኖ እንክብሉ ስብከቶም ዛዘሙ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስነቶም ከምቲ ወትሩ ዝገብርዎ ብናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙኃን ዝኾነ ትዊተር ዝበሃል መተሓላለፊ መልእኽቲ “ንፍቅሪ አብ ግብሪ ምውዓል ማለት ጥቅሚ ርእስኻ ምድላይ ዘይኮነ ናይቶም ዝተወጽኡ ሸኸም ምድጋፍ ኢዩ፣ እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ከምዝጸሓፉ ካብ ቅድስት መንበር ዝወጸ ዜና አመልኪቱ፣







All the contents on this site are copyrighted ©.