2013-11-28 15:50:53

ብፁዕ ኣቡነ ፎርተ፦ “Evangelii Gaudium-ወንጌላዊ ፍስሃ”፣ ናይታ ፈታዊት ኵሉ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን ርሕቐት ዘቕርብ


RealAudioMP3 እታ ዕለት 26 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ንንባብ ዝበቕዔት “Evangelii Gaudium-ወንጌላዊ ፍስሃ” ዘርእስቱ ብቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዝተደርሰ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣብ መላእ ዓለም የቓልሕ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ እዚ ኣብ እዋናዊ ዓለም ወንጌል ምብሳር ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘተኮረ ሓዋርያዊ ምዕዳን ኣመልኪቶም ኣብ ኢጣሊያ ናይ ኪየቲ ቫስቶ ሊቀ ጳጳስን ነቲ ኣብ 2014 ዓ.ም. ወርሒ ጥቅምቲ ንኽካይድ ቅድስ ኣቦና ዝወሰንዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ፍልዩ ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ብቕድስ ኣቦና ዝተመዙ ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፍሮተ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፦ ቤተ ክርቲያን ናይ ኩሉ ዓርኪ ምዃን ባህርያ ዘነጽር ፍልልያት ዘወግድን ርሕቀት ዘቕርብን ምዃኑ ሓቢሮም፣ ናይታ ብኢየሱስ ገይሩ ገዛእ ርእሱ ዝሰወኤ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብሉጽን ፍጹምን ሃብታ እዩ። ቤተ ክርስቲያን እቲ ዘለዋ ልዑልን ክቡርን ሃብታ ናይ እትነብሮ ፍስሃ ምኽንያት ከምዝኾነን እዚ ፍስሃ’ዚ ናይ ፍቕሪ ተግባር ኣብ ፍጥረት ሰብ ክፍጸም መታን ከተበስሮ ዝተጽውዔት ምዃና ዘነጽርን፣ ምኽንያት እውነተይና ሓጎስ ዝኾና ዝተቐበለቶ ፍቕሪ ካልኦት ክሳተፍዎ ንኽተበስሮ ዝድርኻ እዩ። ስለዚህ እዚ ንምፍጻም ድማ ንሰብ ብዓሚዩቕን ዓቢይን ሰብኣውነት ቐረባ ምዃን የድሊ፣ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ናይዚ ካብ ፍቕሪ ዝምንጭ ቅርበት ኣብነት እዮም፣ ማለት ናይ ካልእ ተስፋን ሓጎስን ስቓይን መከራን ናቶም ገይሮም ንዅሉ ቐረባ ብምዃን ዝርዳእን ጽን ዝብል ዝፍጽምዎ ሓዋርያዊ ተግባር እቲ ቤተ ክርስቲያንን ክትኾኖ ዘለዋ ብቓልን ብሕይወትን ዝሕብር እዩ፣ ብሓጺሩ እቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምርሓቕ ዘቕርብን ብዘይ ሌላን ጉሌላን ኣፈላላይን ንዅሉ ዘቕርብን ዘገልግልን ዘቃርብን ድልድል ምዃንን ኣብ መንጎ ዘርኢ ሰብ ሕውነት ክህሉ ዝመርሕ እዩ ኢሎም።
ብኻልእ መዳይ ድማ ብስራት ሕመረት ወንጌል ምዃኑ ምጭማትን ዝብል ክኸውን እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብዛዕባ እውነት/ሓቂ ብመስርዕ ማዕርግ ዝህቦ ስልጣናዊ ትምህርቲ ዝኽተሉን ዝትግብሩን ምዃኖም ድማ ካብቲ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንርዳእ፣ እዚ ድማ ብሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ተርጒይሞም ዝነብርዎ እዩ። ኣስፍሆተ/ብስራተ ወንጌል እቲ ናይ ወንጌል ህርመት ልቢ ጽን ክንብል ዘብቅዓና ወንጌል ዝዓደለና ጸጋ ፍስሃ ከነስተማቕሮ ዘብቅዓና ክኸውን ኣለዎ፣ ካብ ወንጌል ዝተበገሰ ኣብነት መሠረት ድማ ዘይማዕርነትን ኣድልዎን ንኻልኦት ዘይንጽልን ንኣይነትን ዝብል ባህል ኣይፋል ምባልን እዚ ድማ እቲ ኣብ ዓለም ዝርኤ ዘሎ ዘይማዕርነታዊ ከይዲ ኤክኖምን ኢፍትሓውነትን ሓለፋ ውሑዳት ዝብል ኣካይዳ ፓለቲካውን ኤኮኖሚያውን ከይዲ ኣይፋል ከበሃል ከምዘለዎ ዘተሓሳስብ ዝምዕድ ማሕበራዊ ባህርይ ዘለዎ ምዕዳን ዝሓዘለ ሰነድ እውን እዩ። ቅዱስነቶም ብተደጋጋሚ እቲ ሸለልተይና ዓውሎማነት ከይድን እቲ ዝገዝእን ባርያ ዝገበርን ኣምልኾ ሃብቲ ገንዘብን ብወንጌላዊ ፍስሃ ምቕዋምን ንኽውገድ ዝመርሕ ሓዋርያዊ ምዕዳን እዩ ኢሎም።
ቅዱስነቶ “Ecclesia semper reformanda ቤተ ክርስቲያን ዘወትር ኣብ ሕዳሴ” ዝብል ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምዕዳን ብምዝኽኻርን ኣብ ቤተ ክርስቲያን እዚ ሕዳሴ ኣዚዩ ኣገዳሲ ጥራሕ ዘይኰነስ ንሕዳሴ ዝመርሕን ዝሕድስን ሓዋርያዊ ግብረ ኖሎዎ ምርግጋጽን ቅድም ቀዳድም እቲ እንሕንጽጾ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ብወንጌል ክስበኽን ክልወጥን ከምዘለዎን፣ ሓዋርያውነት ክልወጥ ከምዘለዎን እዚ ድማ እቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣብ ዝብሎ ሁባሬኣውነት ዝኣምን እዩ። ቅዱስ ኣቦና ኣብ ሁባሬኣውነት ዝኣምኑ እዮም፣ ቤተ ክርስቲያን ንሰብ ከምቲ ዝጥምትኣ የዒንቲ እግዚኣብሔር ኣጠማምታ ገይራ ክትጥምት ከምዘለዎ ኣብ ዝብል ርግጸይናንት ዝቖመ ቃልን ግብረ ምሕረትን ክቕድም ቅዱስ ኣቦና ብተደጋጋሚ ዘቕርብዎ ምዕዳን ፍቕራውን ምሕረታውን ሓላይን ርእየት ክህሉ ንዘቕርብዎ ጻውዒት ዘድምዕ ምዕዳን እውን እዩ፣ ምስ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት በቲ ኣብ ሁባሬኣውነት ዘለዎም ጽኑዕ እምነት በቲ ንናይ ሲኖዶስ መካየዲ ጉባኤ ሰነድ ኣቢሎም ብምሕባር ነቲ ናይ ስቓይን ቁስልን ኩነት ንምፍዋስ ዝመርሕ ምዕዳን እዩ።
ቤተ ክርስቲያን ነቢያዊ ድምጺ ክትኸውን እንክብሉ ዘቕርብዎ ጻውዒት እቲ ጽንሲ ምንጻልን ኮታ እቲ ካብ ክቡር ዋጋ ሕይውት ዝተነጸለ ስድራ ቤታዊ ጥምረት ዝሃስይ ገስጋሲ ተባሂሉ ዝንገረሉ ባህሊ ኣይፋል ዝብል ናይ ፍቕርን ምሕረትን ነቢያዊ ባህርይ ዝተዓደለት ቤተ ክርስቲያን ነዚ ነቢያዊ ባህርይ ክትነብሮ ዝድግፍ ሓዋርያዊ ምዕዳን እዮም ዓዲሎምና፣ ብሓቂ ሰውራ ሓልዮትን ርህራሄን ብቓልን ሕይወትን ዘነቓቕሑን ንኻልእ ዝልውጥ ዓመጽን ኣስገዳድን ዘይኰነስ እቲ ካብ ሓጎስን ፍርቕርን ሓይሊ ዝምንጭ ርህራሄን ሓልዮትን ዝብል ምዃኑ እዮም ደጋጊሞም ዝገልጹ ዘለዉ፣ እዚ ድማ ንኣስፍሆተ ወንጌልን ክርስትያናዊ ሕይወትን መሠረት እዩ። ብዘይ ፍስሃ ዝብሰር ወንጌል ብስራተ ወንጌል ኣይኰነን፣ ብዘይ ርህራሄን ሓልዮትን ዘይብሰር ወንጌል ወንጌል ኣይኮነን ስለዚህ ሓድሽ ቃል ብስራት ሓድሽ ዜና ዘብሎ ኢትኣላው ርህራሄ ሓልዮት እግዚኣብሔር ማለት እዩ ምስ በሉ ብሓፈሻኡ እቲ ሓውርያዊ ምዕዳን ነዚ እዩ ዝምስክር እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.