2013-11-26 15:26:36

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ርእሰ ብሔር ሩሲያን


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ትማሊ ዕለት 25 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ንጐሆ ነቶም ኣብ ቅድስቲ መንበር ናይ ኣይቨርይ ኰስት ልኡካነ መንግስቲ ኰይኖም ዘገልገሉን ተልእኾ ሓልፍነቶም ነዘብቅዑ ጆሰፍ ተባህ ክላህ ንምስንባት ከምእተራኸቡ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ቅድስቲ መንበር ምብጻሕ ንኸካይዱ ሃገረ ቫቲካን ዝኣተዉ ናይ ሩሲያ ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ ልክዕ ሰዓት ሓሙሽተ ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ርእሰ ብሔር ሩሱያ ፑቲን ኣብ 2000ን ኣብ 2003 ዓ.ም. ምስ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 2007 ዓ.ም. ድማ ምስ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16ን ተራኺቦም ከምዝነበሩ ዝዘከረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ፦ ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ርእሰ ብሔር ቭላድሚር ፑቲን ልባውን ምክብባርን ዝዓሰሎን ርእሰ ብሔር ናይ ሞስኮን መላእ ሩሲያን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስቲያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ኪሪል ዘመሓላለፍሎም ሰላምታ ከምዘቕረቡን መንፈሳው ምስክንረት ዝተገልጸሉ፣ ብዛዕባ ካቶሊካውያን ምእመናን ኣብ ሩሲያን ኣብ ናይ ሩሲያ ክርስትና ባህሊ ዘለዎ ኣስተዋጽኦን ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓልዮ ናይ ሕይወት ባህልን፣ ስድራ ቤትን ኣብ ዝብሉ ናይ ሓባር ረቛሒታትን፣ ብዛዕባ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝርከብ ማሕበረ ክርስቲያን ስደትን ጸገምን ብፍላይ ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ሶሪያን ህሉው ኩነታት ዓለምን ዝርርብ ምስ ተኻይደ ኣብ ፍጻሜ ርእሰ ብሔር ፑቲን ዓዶም ብኢንዳስትሪ ናይ ዝማዕበላ ጉጅለ 20 ሃገራት ኣብ ሳን ፒተርቡርጐ ኣብ ዘእንገደትሉ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸክሶ ብኣኦም ኣቢሎም ንዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ምስ ኣመስገኑ ብዛዕባ ምርግጋጽ ሰላም ኣብ ሶሪያን ነቲ ዝሳቐ ዘሎ ሕዝቢ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ንምቕራብን እቲ ውጥረት ሰላማዊ መፍትሒ ክረክብ መታን ናይ ዘተ መድረኽ ዘየማትእ መገዲ ምዃኑ ዘረጋገጸ ርክብ ከምዝነበር ናይ ቅድቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ሃንጋሪ ናይ ኤገር ርእሰ ሰበኻ ሊቀ ጳጳስ ተሓባባሪ ብፁዕ ኣቡነ ኢስትቫን ካቶና ብዕድመ ምኽንያት ልሂቅ ጳጳስ ንኽኾኑ ዘቐረብዎ ሕቶ ቅዱስነቶም ተቐቢሎም እወታዊ መልሲ ከምዝሃብሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.