2013-11-23 15:14:31

ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ትምህርቲ ሕብረተሰብኣዊ


RealAudioMP3 ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ቨሮና ሳልሳይ ጉባኤ ናይ ቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ሕብረተሰብኣዊ ትምህርቲ ዘማእከለ “ምጉዳል ኢማዕርነትን ብዙህነት ክብ ምባልን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዝካየድ ዘሎ ዓውደ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዘተሓላለፍዎ ናይ ድምጺ ርእየት መልኽቲ ተጀሚሩ ቀጺሎም ዝተፈላለያ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ተራድኦ ግብረ ሰናይ ማሕበራት ዝሓቁፍ ካሪታስ ኢንተርናዚዮናሊስ ማሕበር ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኦስካር ኣንድረስ ሮድሪገዝ ማራዲያጋ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፣ እቲ ሚለኒዩም እተሰምየ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ካብ ዓለም ድኽነት ብፍርቂ ንምጉዳል ኣሚቱ ዝተሓንጸጸ መደብ ልምዓት ከምቲ ኣብ 2015 ዓ.ም. ክብጻሖ ተባሂሉ ዝተሓስበ ዕላማ ከምዘየተጨብጥን ካብ ዓለም ድኽነት ብፍርቒ ንምጉዳል ዝብል ሸቶ ከምዘየዕትርን ከምኡ እውን ድኽነት ብናይ ቁጠባዊ መምዘንታት ጥራሕ ዝውገድ ከምዘይኮነ የረጋግጾ ስለምታይ ልምዓት ናይ እቶቶ ሕቶ ኣይኮነን። ስለዚህ እቶት ናይ ምሉእ ሰብኣውነት ድምር ኣይኮነን ከምዝበሉ ሲር ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ምዕባለ ተቐባልነት ዘለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ስብኣውነት ዝዓሰሎ እውን ክኸውን ይግባእ። እንተዘይኵይኑ ተቐባልነት ዘለዎ ልምዓት ንበይኑ ንምርግጋጽ ዝከኣል እውን እንተመሰል እቲ ዝረጋገጽ ልምዓት ሰብኣውነት ዘይብሉ ስለ ዝኸውን ሸቶኡ ከይሃረመ እዩ ዝተርፍ ከምዝበሉ ዝሓበረ ሲር ናይ ዜና ኣገልግልቶ ኣስዒቡ፣ ዓለም ሓቆፍ ናይ ገንዘብ ሃብቲ ማሕበር ሓደ ልምዓት ቅቡል ዘብሎ ኤኮኖሚያዊ ኣሃዝ እዩ እንክብል ዝገልጾ ሓሳብ ጌጋ እዩ፣ ሰብ ኣሃዝ ወይ ድማ ቁጽሪ ኣይኮነን፣ ስለዚህ ልምዓት ወይ ድማ ምዕባለ፣ ኤኮኖሚያዊ ዕብየት ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝኾነ ይዅን ቦታን ጊዜን ንናይ ሰብኣዊ ክቡርን ምሉእን ሕይወት ሕቶ ዝምልስ ኽኸውን ኣለዎ ከምዝበሉ ኣመልኪቱ።







All the contents on this site are copyrighted ©.