2013-11-23 15:07:25

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ቤተ መቕደስ ስርዓት ዝበዓለሉ ዘይኮነስ ኣምልኾ ንእግዚኣብሔር ዝንበረሉ እዩ


RealAudioMP3 ዕለት 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ንጐሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ህንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት መስዋዕተ ቅዳሴ ኣዕሪጐም፦ “ሰብ ናይ መንፈስ ቅዱስ ቤተ መቕደስ እዩ፣ ቤተ መቕደስ ዝተባርከን ዝባርኽን ብምዃኑ ናብቲ ቤተ መቕደስ ዝኽየድ ስርዓት ንምኽባር ዘይኮነስ ኣምልኾ ንእግዚኣብሔር ንምንባርን ንምኽባርን እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ስብከት ከምዘስምዑ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካርሊስ ሓቢሮም።
ቤተ መቕደስ ሕዝቢ መንፈሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝዕቅበሉ ብእምኒ ዝቖመ ቤት ከምዝኾነን ቤተ መቕደስ ብሩኽ ከምዝኾነን፣ ናይ ነፍሲ ወከፍ ውልቃዊ ኣካል ኰይኑ እግዚኣብሔር ንነፈሲ ወከፉ ብውልቂ ዝዛረበሉን ጽን ዝብለሉን ምዃኑ ከምዘነጽር ቅዱስ ኣቦና ብላቲን ስርዓት ካብቲ ናይ ዕለቱ ካብ ብሉይ ኪዳን ዝተወስደ ምንባብ ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ቅድመ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝነበረ ሃገራዊ ኣባል ሓይሊ ምክልኻል ይሁዳ መቃቢያ ነቲ ብውግእ ዝባደመን ዝረኽሰን ቤተ መቕደስ ዳግም ናይቲ ሕዝቢ ንእግዚኣብሔር ዝውከሰሉ ቅዱስ ስፍራ ክኸውን ዳግማይ ቡራኼ ዘልበሰ ምዃኑ ገሊጾም፦ “ቤተ መቕደስ ማሕበረሰብ ንእግዚኣብሔር ዝጽልየሉን ዝውድሰሉን ምስጋና ዘቕርበሉን ካብዚ ዅሉ ንላዕሊ ንእዚኣብሔር ዘምልኸሉ ቅዱስ ስፍራ እዩ። ኣብ ቤተ መቕደስ እግዚኣብሔር ይምለኽ፣ እዚ ሓሳብ እዚ እቲ ዓቢይ ትርጉም ቤተ መቕደስ እዩ፣ ቤተ መቕደስ ደስ ዘብል ስርዓትን መሳጢ መዛሙራትን ዝበዓለሉን ብሓጺሩ ኣብ ዝኾነ ይዅን ሊጡርጊያ ስርዓት ምብዓል ዘይኰነስ ኣምልኾ ንእግዚኣብሔር ዝንበረሉ እዩ። ኣብ ቤተ መቕደስ ኵሉ ሕዝቢ ተኣኪቡ ገጹ ናብ መንበረ ታቦት ገይሩ ነቲ ዝዓርግ መስዋዕቲ የስተንትነሉን ይጽልየሉ ብዓብዩ ድማ የምልኾ። ብትሕትና ኣይትሓዙለይ ኣንሕና ክርስቲያን ናይ ኣምልዀ ትርጉሙ ንስሕቶ ዘሎና ኰይኑ ይስመዓኒ፣ ናብ ቤተ መቕደስ ንኺድ ብሓባር ከም ኣሕዋት ንተኣከብ እወ ክንደይ ደስ ዘብል እዩ፣ እቲ ማእከል ግን እግዚኣብሔር እዩ ክኸውን ዘለዎ፣ ኣምልኾ ንእግዚኣብሔር እዩ እቲ ማእከል” ምስ በሉ ቀጺሎም ናትና ኣባይቲ መቅደስ ናይ ኣምልዀ ስፍራ ድዩ፣ እግዚኣብሔር ንኸነምልኾ ዝድግፍ ድዩ፣ እንፍጽሞ ሊጡርጊያ ኣምልዀ ንእግዚኣብሔር ዝድግፍን ዘተባብዕን ድዩ ዝብሉ ሕቶታት ብናይ ዕለቱ ምንባብ ወንጌልን መሠረት ኣቕሪቦም፣ ኢየሱስ ነቶም ቤተ መቅደስ ናብ ቤት ዕዳጋ ለዊጠምዎ ዝነበሩ ከምዝሰጐገን ድማ ዘኪሮም፣ ካልእ ቤተ መቕደስ ኣሎ ንሱ ድማ ኣብ ናይ እምነት ሕይወት ግምት ክወሃቦ ዝግባእ ዝተባርከ ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝሕብሮ፦ “ናይ መንፈስ ቅዱስ ኣባይቲ መቅደስ ምዃን እዩ። መቕደስ ቅዱስ መንፈስ ኢና። ኣነ ቤተ መቕደስ እየ። ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ኣባይ ኣሎ። እቲ ኣብ ውሽጥኻ ዘሎ ናይ እግዚኣብሔር መንፈስ ከይተጐህይ ሓደራ ዝብል መልእኽቲ ተጻሒፉ ንረክብ። ኣምልኾ ማለት እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ናይ ጐይታ መንፈስን ነቲ ኣብ ውሽጥና ከምዘሎ ኣፍልጦ ዝዕድለናን እግዚኣብሔርን ኣብ ውሽጥና ዘሎ መንፈስን ምድላይ ማለት እዩ። ንኣኡ ጽን ንበል ንስዕቦን” ከምዝበሉ ዝሓበሩ ኣለሳድሮ ደ ካሮሊስ ኣስዒቦም፣ ንእግዚኣብሔር ምስዓብ ወትሩ ብዘይምቍራጽ ብጸሎትን ብንስሓን ብሓቀይና ምጥዓስን ብምስጢረ ምትዕራቕን ብምምሕሓርን ይቕረ ብምብሃሃልን ብምስጢረ ቅዱስ ቍርባን ቀጻሊ ሕዳሴን ምልዋጥን ዝብል ከምዝኾነ ቅዱስ ኣቦና ምስተንተኑ ኣብ ፍጻሜ ስብከቶም፦ “ናይ ሓጎስ ቤተ መቕደስ እናተባህለ ክዝረብ እንከሎ ኵሉ ማሕበረሰብ ኣብ ኣምልኾን ኣብ ጸሎትን ኣብ ምስጋናን መዝሙርን ሓደ ኰይኑ ዝእከበሉ ቅዱስ ስፍራ ማለት እዩ። ኣነ ብጸሎትን ኣብ ጸሎትን ምስ እግዚኣብሔር፣ ምስቲ ኣብ ውሽጠይ ዘሎ እግዚኣብሔር እራኸብ ስለምታይ ኣነ ቤተ መቕደስ እየ። ኣነ ኣብ ምስማዕን ጽን ምባልን፣ ኣብ ስንድውነትን ቁርብነትን ዝርከበሉ ኣብ ኣምልኾኣዊ ቃል ኣምላኽ ሰማዕን ሕይወትና ንኽንስጕም እግዚኣብሔር ዝፈቐዶ ሓቀይና ትርጉም ቤተ መቕደስ እዩ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.