2013-11-23 15:01:26

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ናይ ኢጣሊያን ኣርጀንቲናን ሃገራውያን ጋንታ ራግቢ


RealAudioMP3 ዕለት 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ኢጣሊያን ኣርጀንቲናን ሃገራውያን ጋንታ ራግቢ ዕለት 23 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ኣብ ኢጣሊያ ናይ ራግቢ ስፖርት መካየዲ ቦታ ውድድራቶም ዘካይድሉ ዋዜማ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ተቐቢሎም መርሕ ቃል ከምዝለገሱ ነቲ ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣመደዮ ሎሞናኮ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና ነቶም ስፖርተስይናታት ራግቢ ልክዕ ከምቲ ኣብ ናይ ራግቢ ስፖርትን ኣብ ሕይወት እውን ናብ ሸቶ ንምብጻሕ ዝጉየ ንኣኦምን ነቶም ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳት ሰናይ ጋንታ ክኾኑን ብሓባር ናብቲ ሸቶ መታን ንኽበጽሑ ክጽልዩሎም ሓደራ ከምዝበሉን ስፖርት ራግቢ ጽኑዕ ጠባይ ንምጽራብ ዘድግፍ ክፍሊ መወሳወሲ ኣካላት ምዃኑ እንከመልክቱ፦ “ራግቢ ጻዕሪ ዝሓትት ተሪር ስፖርት፣ ኣካላዊ ብርታዔ ውድድር እውን ዝግበረሉ እንተኾነ ኣሉታዊ ጎነጽ ዘይፍጸመሉን ምክብባርን ቅንዕናን ዝቃልሓሉን ብሓቂ ራግቢ ምጽዋት ኣድካሚ እዩ፣ ስለዚህ ጠባይ ዝቐርጽን ሰናይ ተበግሶን ድላይን ዘሐይል ዓይነት ስፖርት እዩ። ክትከታተሎ ሓደ ሓደ ግዜ ጦብላሕታ ዘሕድር ዓይነት ስፖርት እዩ፣ ብሔራዊ ጋንታ ኢጣሊያን ኣንርጀንቲናን ክጋጠማ እየን፣ እቲ ውደራ ክልትኤን ጋንታታት ናብ ሸቶ-ምስዓር ንምብጻሕ ዝብል ድላይ ዝመርሖ እዩ፣ ናብ ሸቶ ንምብጻሕ ምጉያይ፣ እወ ክንደይ ደስ የብል ሸቶ ዝብል ቃል፣ ሸቶ ክንብል እንኰለና ሕይወት ክንሓስብ ይድርኸና፣ ሕይወት ብባህርዩ ናብ ሸቶ ዘድሃበ እዩ፣ ናብቲ ናይ ሕይወት ሸቶ ንምብጻሕ ምንባርንን ሓርኰትኰት ምባልን፣ ኣብ ስፖርት ኩሉ እናተወዳደረ ናብ ሸቶ ይጐዪ እሞ ኣብቲ ሸቶ ምስ በጽሔ ይሕጎስ፣ ስለዚ ሸቶን ሓጎስን ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ንርዳእ” ምስ በሉ ንክልትኤን ብሔራዊ ጋንታት ሰናይ ተመንዮም ቅዱስነቶም ንኹሎም ክጽልዩ ምዃኖም ኣረጋጊጾም፣ እቶም ናይ ራግቢ ስፖርተይናታት፣ ንሶም እውን ከምቶም ስፖርተይናታት ምስ ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ሰናይ ጋንታ ኰይኖም ብሓባር ናብቲ ሸቶ ንኽበጽሑ፦ “ሓደራ ጸልዩለይ” ቢሎም ሓዋርያዊ ቡራኬ ምስ ሃቡ እቲ ርክብ ከምእተፈጸመ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሎሞናኮ እንክገልጹ፣ እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዕለት 13 ነሓሰ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ናይ ኢጣሊያን ኣርጀንቲናን ሃገራት ናይ እግሪ ኵዕሶ ሃገራዊ ጋንታ ተቐቢሎም ኣብ ኢጣሊያን ኣርጀንቲናን ዘሎ ናይ ስፖርቲ ፍቕሪ ክልትኤን ሃገራት ብተደጋጋሚ ብዝገብርኦ ውደራ ዝገልጽኦ እዩ ከምዝበሉ ጋዜጠይና ሎሞናኰ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.