2013-11-21 16:08:03

ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዓመት ኣባይቲ ስድራ ገጠራት


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 20 ሕዳር 2013 ዓ.ም. እቲ ልሙድ ረቡዓዊ ሓፈሻዊ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ምስ ኣቕረቡ ዕለት 22 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓቆፍ ኣባይቲ ስድራ ገጠራት ብወግዒ ዝጅመረሉ ዕለት ምዃኑ ዘኪሮም፣ ናይ ሓባራዊ ናብራ ኣርኣያ ሕውነታዊ መንፈስ ክኸውን ኣለዎ እንክብሉ ከምዘተሓሳስሰቡ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ችቺሊያ ሳበሊ ገሊጸን።
በዚ ዓለም ሓቆፍ ዓመት ኣባይቲ ስድራ ገጠራት ምኽንያት ዓለም ሓቆፍ ካቶሊካዊ ማኅበር ገጠራት ጠቕላሊ ዋና ጸሓፊ ቪንቸንሶ ኮንሶ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ እዚ ውሳኔ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ተራን ዕቝር ሓይሊ ናይታ ብሕርሻን ብምርባሕ እንስሳ ዘቤትን ዝመሓደር ኣባይቲ ስድራ ገጠራት ኣብ ናይ ዓለም ሕርሻ ኤኮኖሚ ዘለዎ ተራ ዓቢይ እዩ፣ ስለዚህ ምዕቡል ናይ ሕርሻ ኤክኖሚ ንክህልዎ ቀጻሊ ደገፍን ሕንጸት የድልዮ፣ ገጠራት ጥምየትን ዝተፈላለየ ናይ ሰብኣዊ ጸገማት ዝረኣየሉ ኰይኑ እዩ ዝርከብ ስለዚህ ንናይ ገጠራት ልምዓትን ሓልዮትን ዘድሊ ናብ ርእሰ ብቕዓት ዘሰንይ ናይ ነዊሕ ናይ ደገፍ መደብ ኣገዳሲ እዩ።
ኣባይቲ ስድራ ገጠራት ንናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ዓቢይ ደገፍ እዩ፣ ስለዚህ ነዚ ዓቢይ ግምት ብምሃብ ኣብ ናይ ሕርሻ ኤኮኖሚ ተሳታፍነቱ ክብ ንምባል ዘብቅዖ ደገፍን መደብ ሕንጸት ስልጡ ሕራሻዊ ሜላ ክረክብ ኣለዎ፣ ናይ ስራሕ ዕድል ናይ ምፍጣር ብቕዓትን ዑቝር ሓይልን ዘለዎ ብምዃኑ ድማ ነዚ ዅሉ ግምት ብምሃብ ነቲ ዘለዎ ዑቝር ሓይሊ ኣብ ትግባሬኡ ንኽተግህ ምድጋፍ ኣገዳሲ እዩ ቢሎም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2014 ዓ.ም. ንኽካይድ ዝጠለብዎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣባይቲ ስድራ ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ዝዝትይ እዩ፣ ስለዚህ እዚ እውን ሓደ ዓቢይ ጸጋ እዩ፣ ስድራ ቤት ናይ ሃገርን ሕብረሰብን ማሕበርሰብን ማእከል ምዃኑ ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝቃልሓሉ ከምዝኸን ዝተረጋገጸ እዩ እንክብሉ ዘካይድዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.