2013-11-19 15:57:14

ርክብ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስ ኣባ ኪየራ ሓላይ ግዳም ሓደር ሕጻናት ኣብ ብራዚል


RealAudioMP3 ዕለት 18 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ከምቲ ልሙድ ንጎሆ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኣብ ዘዕረገዎ መስዋዕተ ቀዳሴ ናይቲ ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደ ጃነይሮ “Casa do Menor-ቤት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት” እቶም ብዝተፈላለየ ማሕበራውን ኤኮኖሚያውን ባህላውን ጸገም ተደሪኾም ንሓደጋ ግዳም ሓደር ዝተቓልዑ ሕፃናት ንምክንኻኖምን ካብቲ ዝወደቕሉ ሓደጋ ንምድሓን ናይ መጻኢ ሕይወቶም ንምትኽኻልን ሰብኣውን መንፈሳውን ሕንጸት ዝረኽብሉ መዕቆቢ ግዳም ሓደር ሕጻናት መስራቲ ኣባ ረናቶ ኪየራ ከምእተረኽቡ ነቲ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ሓቢሮም።
ኣባ ኪየራ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ዝበልዎ ካህን ጓሳ ነፍሳት ልኡካነ ወንጌል ጨና ኣባጊዕ ዝሽትት ክኸውን ይግባእ እንክብሉ ዝሃብዎ ምዕዳን ብቓልን ሕይወትን ዝነብሩ ወዲ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ፍጻሜ መስዋዕተ ቅዳሴ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ልኡኽ ጋዜጠይና ጂሶቲ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ምስ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምርኻበይ ብሓቂ ዓቢይ ተመስጦ ኣሕዲሩለይ እዩ” ቢሎም እዚ ዓቢይ ስምዒት ተመስጦ ሕጂ እውን ገና ኣብ ልቦም ዝስምዖምን ቅዱስነቶም እቲ ኣብ ቅድሚ ሰብኣዊ ስቓይን ቁስልን ገዛእ ርእሱ ዘንበርኸኸ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብስጋን ነፍስን ህላዌኡ ከምዝኾኑ ከምእተሰምዕዎምን ኣብ ቅድሴ እውን ምስ እግዚኣብሔር ዘለዎም ዓሚይቕ ርክብ ከምዘስተማቐሩን እውን ሓቢሮም፣ እቲ ብኣኦም ዝቖመ ቤት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት መደባቱን ዕዮታቱን ንቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ገሊጾምን ማለት ንቅዱስነቶም ብምግላጽ ንቤተ ክርስቲያን ብቤተ ክርስቲያን ድማ ንኢየሱስ ዘቕረብዎ ምዃኑ ገሊጾም።
ኣብ ቅድሚ እዞም ናይ መንፈስ ቅዱስ ህያብ ዝኾኑ ቅዱስ ኣቦና እቲ ብሓይሊ እግዚኣብሔርን ፍቕሪ ኢየሱስን ተደሪኾም ንሶምን እቲ ብኣኦም ዝቖመ ማሕበር ሓልዮ ግዳም ሓደር ሕጻናት ኣብ ወሰናስን ከተማ ሪዮ ዝርከቡ ዝተፈቐሩ ምዃኖም ዘይፈልጡን ፍቕሪ ንዘየስተማቐሩ ድኻታት ሕጻናትን ዘኽታማትን ግዳም ሓደር ሕጻናትን ዝህብዎ ኣገልግሎት ምሕባርን ምግላጽን ዓቢይ ሓጎስ እዩ። ከምቲ ንሶም ዝብልዎ ኣብ መገዲታት ወጺእና ኣብ ወሰናስን ከተማታት ወጺእና ሕላዌ ኢየሱስ ከነበስር ዘቕርብዎ ዕለታዊ ጸዋዕታ እቲ ብኣኦም ዝቖመ ማሕበር ካብ 36 ዓመት ኣትሒዙ ዝነብሮ ሕይወት ምዃኑ ሓቢሮም።
ኣባ ኪየራ ቀጺሎም ኣታ ብኣኦም ዝተደርሰት ህላዌ ዘርእስታ መጽሓፍ ንቅዱስ ኣቦና ገጸ በረከት ከምዘቕረቡሎምን ቅዱስ ኣቦና ነታ መጽሓፍ ርእይ ኣቢሎም ህላዌ ዝብል ቃል ብቃለ ኣጋኖ ኣድሚጾም እንከብቅዑ ኣባ ኪየራ ቅዱስ ኣቦና ንስኹም ናይ ፍቕሪ ህላዌ ኢዅም እንክብሉ ከምዝገለጽዎምን ቅዱስ ኣቦና ድማ ጸልዩለይ ጸልዩለይ ሓደራ እንክብሉ ከምዘተሓሳሰብዎምን ካብቶም በቲ ቤት ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ዝመሓደሩ ሕፃናት ዝተልአኩ ደብዳቤታት ንቕድስነቶም ከምዘረከብዎምን ኣብ ብራዚል ኣብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ዝፈጸመዎ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ኣመስጊኖም፣ ቤተ ክርስቲያን ብስጋን መንፈስን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣቢላ ህላዌ ፍቅሪ እግዚኣብሔር ትገልጸልናን ትዕድለና እዚ ድማ ነቶም ብኣኦም ዝእለዩ ሕጻናት ዘብጽሕዎ መልእኽቲ ምዃኑ ሓቢሮም ዘካየድዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.