2013-11-18 09:51:21

2ይ ሰንበት ዘአስተምህሮ 2006 ዓ.ም. ኅዳር 8 2006ዓ.ም.(11/17/2013)


መዝሙር ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማስን . . . . . ።
ንባባት 1.ሮሜ924-ፍ፥ 1ጴጥር 31-8፥ ግ.ሓ.320-26፥ ማቴ 129-28
2. 1ቆሮ1524-27(1ጢሜ 521-ፍ)፥ ራእ 4:7-ፍ(1ጴጥ 318-ፍ)፥ግ.ሓ. 529-ፍ፥ ማቴ 18:10-15
ስብከት 1.“እትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ”። “ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና”። መዝ 79፡8 ( ቅዳሴ ዘእግዚእነ፤ ነአኩተከ)።
2. ትፅዕነ ላዕለ ኲሩቤል ሠረረ፥ ወሠረረ በክንፈ ነፋስ፥ ወረሰየ ጽልመተ ምሥዋሮ መዝ. 18፡10-11።
መዝሙር ናይ እዚ ሰንበት፡ “ሕያዋይ እግዚአብሔር አበሳና ዘኪሩ ጨሪሽና ክንጠፍእ አይሓደገናን፥ ሙሴ ንህዝቢ ሰንበት ብጽድቂ ከኽብሩ አዘዞም” ይብል። እግዚአብሔር ካብ ሕያውነት ተላዒሉ ክንጠፍእ አይደለየን። ክንምለሶ ክንሰምዖ እዩ ዝደሊ፥ ሰንበት ክነኽብር አምላኽ ዝደልዮ ክንገብር ይደልየና። በደላትና ሓዲጉ ዝተሓደሰ ሕይወት ክንለብስ ይደልየና።
ምስ ናይ ሎሚ ሰንበት ተደሪቡ ዝውዕል ዓመታዊ ክብረ ብዓል 4ቱ እንስሳ እዩ ነዚ አመልኪትና አስተንትኖና ክንገብር። 4ተ እንስሳ ተባሂሎም ዘለዉ መን እዮም፥ አብ እምነትና ከመይ ንርድኦም? ስለምንታይ ነብዕሎም? ምስ አምላኽ አብ ዘሎና ርክብ እንታይ ተራ አልኦም? አብ ቅዱስ መጽሓፍ አበይ ንርችኽቦም?
አብ ብሉይ ኪዳን ብዛዕባ 4ቱ እንስሳ ብዝያዳ እንረኽቦ አብ ትንቢት ሕዝቅኤል ነቢ እዩ። ሕዝ 1፡5-14 ዘሎ እንተ አንበብና ብዛዕባ እዞም አርባዕተ እንስሳ ይዛረብ፥ ንሳቶም መላእክቲ ኲሩቤላት ንመንበር አምላኽ ዝጾሩ እዮም፡ “ነፍሲ ወከፍ ኪሩቤል አርባዕተ ገጽ ነበሮ፥ እወ ብሓደ ወገኑ ገጽ ብዕራይ፥ ብሓደ ወገኑ ገጽ ሰብ፥ ብሓደ ወገኑ ገጽ አንበሳ፥ ብሓደ ወገኑ ኸአ ገጽ ንስሪ ነበረ” (ሕዝ 10፡14)። እዞም አብ ሕዝቅኤል እንረኽቦም ኲሩቤላውያን በቲ አብ ምስራቓዊ አገለልጻ ዝነበረ ዝተጸልወ እዩ፥ ብአምሳል ናይ ሰብ ምስሊ አልኦም ፥ አርባዕተ ገጸ ናይ ሰብ አንበሳ ላሕምን ንስርን። አርባዕተ መንገብገብን አእዳው ሰብን አልኦም። አብ ራእይ ዮውሃንስ እንረኽቦ ነዚ ብዝቐለለ መገዲ ክንርድኦ ምእንቲ አመሕያሹ የቕርቦ። ሕዝቅኤል ምድራዊ ቤተ መቕደስ አምሳል ናይ እቲ አብ ሰማይ በዞም 4ቱ እንስሳ ዝኸብር ምዃኑ እዩ ዝሕብረና። ከምቲ ግርማ አምላኽ አብ ሰመያዊ ቤተ መቕደስ አብቲ ኲሩቤላውያን ዘኽብርዎ ዝዓሰለ ከምኡ አብዚ ምድራዊ ታቦተ ኪዳን አብ ልዕሊኡ ግርማኡ አሎ።
እዚ አርባዕተ እንስሳ ዝብል አብቲ ብዛዕባ ስርዓት ሰማያውያን ፍጡራት ህዋ ዝተምስረተ እዩ (Zodiac)። አብ ጥንታዊ ርድኢት ሰባት እዚ Zodiac ንምሉእ አብ ሰማይ ዝርከቡ ከዋኽብቲ ዝጥርንፍ ስርዓት ዝወከለ እዩ። እዚ ንሰማያት አብ አርባዕተ ይመቕሎ፥ አብ መንጎ እዞም አርባዕተ ክፍልታት አንበሳ፥ ሰብ፥ ላሕምን ንስርን ይርከቡ። ተመራመርቲ ሊቃውንቲ ከም ዝብልዎ እዚኦም 4ተ እንስሳ ንኹሎም ንአምላኽ ዘምልኹ ፍጡራት ዝውክሉ እዮም ይብሉ። አብ ትውፊት እዞም አርባዕተ መላእኽቲ ነዚ ምድራዊ ዓለም ክመርሑ ሓላፍነት ዘለኦም እዮም ዝብል ንረክብ፥ ስለዚ ንኹሎም አብ ህዋ ዝርከቡ ፍጡራት ዝውክሉ እዮም። ዓሰርተ ኽልተ ነገደ እስራኤል እውን ምስቲ ናይ እዚ ንህዋ ዘወሃህድ ስርዓት ዝተተሓሓዘ እዩ። አብ ጉዕዞ በረኻ እንከለዉ ዓሰርተ ክልተ ነገደ እስራኤል ንቤተ መቕደስ ብአርባዕተ መአዝን አኽቢቦም እዮም ዝቕመጡ ነሮም። ይሁዳ፥ ሮቤል፥ ኤፍረምን ዳንን አብ አርባዕተ ወገን ቤተ መቕደስ አኽቢቦም ይቕመጡ ነሮም። እቶም አርባዕተ ዓሌት ምስቲ ህዋዊ ምልክት ዝተተሓሓዘ እዩ። ይሁዳ ከም አንበሳ፥ ሮቤል ከም ሰብ፥ ኤፍረም ከም ላሕሚ ዳን ከአ ከም ንስሪ። አብ አምልኽኦም እስራኤላውያን ነቲ ናይ ሰማይ መገዲ እዮም ተኸቲሎም። አብ ስርዓት አልኽኦም ከአ ነቲ ሰማያዊ ስርዓተ አምልኾ እዮም ቀዲሖም፥ አብ ሓዲስ ኪዳን ዘሎ ርድኢት ከአ ብርግጽ ቤተ ክርስትያን አብቲ ሰማያዊ ስርዓተ ልጡርግያ ትሳተፍ ምዃና ንአምን።
አብ ሓዲስ ኪዳን ብዛዕባ 4ቱ እንስሳ ክንርእዮ ከሎና መሰረቱ አብቲ አብ ራእይ ዮውሓንስ አብቲ አብ ሉይ ዲኣን እንርችኽቦ አብ ትንቢት ነብያትን ዝምስረት እዩ። ነዚ 4ተ እንስሳ ዝብል አብ ሕዝቅኤልን አብ ራእይን ዝርከብ አምሳል ናይ እቶም 4ተ ወንጌላውያን እዩ ዝብል ካብ መጀመርያ ዝነበረ ርድኢት እዩ። በብእዋኑ እዚ ርድኢት ብፍላይ አብ ምስራቕ እናዓበየ ከይዱ ንኽልቲኡ አተሓሒዝካ ምኻድ እናዓበየ ከይዱ። ቅዱስ ኢረነዩስ እዩ ነዚ 4ቱ እንስሳ ዝብል ምስቶም 4ተ ወንጌላውያ ንመጀመርያ አተሓሒዙ ክገልጾ ዝጀመረ ምኽንያቱ ንክርስቶስ አብ ደቂ ሰባት ከም ዝበጽሕ ስለ ዝገብሩ።
አብ ብዙሓት አብያተ ክርስትያናት ስእሊ 4ተ እንስሳ ንርኢ፥ ስእሊ ሰብ፥ አንበሳ፥ ላሕሚ፥ ንስሪ። አበው ቤተ ክርስትያን ማቴዎስ ብአምሳል ሰብ ይምሰል ምኽንያቱ ንወንጌሉ ብወለዶ ክርስቶስ ስለ ዝጅምሮ፥ ማርቆስ ብአምበሳ ይምሰል ወንጌሉ ብአብ በረኻ ዝጭርሕ ድምጺ ስለ ዝጅምሮ። ሉቃስ ብአምሳል ላሕሚ ምኽንያቱ ወንጌሉ ብቤተ መቕደስ ጀሚሩ ብበተመቕደስ ይውድኦ ቤተ መቕደስ ከአ ላሕምታት ንመስዋዕቲ ዝቐርብሉ እዩ። መጨረሽታ ዮውሓንስ ብአምሳል ንስሪ ወንጌሉ አብ ምስጢር ዕሞቅ መለኮት ክርስቶስ ስለ ዘተኵር።
አብ ራእይ ዮውሓንስ እዞም 4ተ እንስሳ (ኲሩቤላውያን) አዒንቲ ዝመልኦም እዮም ይብለና እዚ ኸአ ፍሉጣት ምዃኖም ክገልጽ ኢሉ እዩ። ንሶም ልኡኻት አምላኽ እዮም ንኹሉ ነገር ርእዮም አብ አምላኽ ጸብጻብ የቕርቡ። እዚ ምስቲ አብ ኢሳያስ 6፡2 “አብ ዙርያኡ ድማ ሱራፌል ቆይሞም ነበሩ፥ ነፍሲ ወከፎም ሽድሽተ ኽንፊ አለዎም፥ ነፍሲ ወከፍ ከአ ብኽልተ ክንፊ ገጹ ይኸድን፥ ብኽልተ ኽንፊ ድማ አእጋሩ ይኸድን፥ ብኽልተ ኽንፊውን ይነፍር ነበር” ዝብል የዘኻኽር። ከም ሡራፌላውያን አብ ራእይ ኢሳያስ ኲሩቤላውያን እውን “ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ (ኢሳ 6፡3) እናበሉ ይዝምሩ። አብ ቅድሚ መንበር ልዑል ኮይኖም ቀጺሎም ይሰግዱሉ። ነዚ ስርዓት አምላኾ አብ ምድሪ ዘለዉ ቅዱሳን አብ ዝቕርብዎ ልጡርግያ ይሳተፍዎ። እዚ አብ ራእ 5፡1 ክንርእዮ ንኽእል እቶም መላእኽትን ዕስራን አርባዕተ ሽማገለታትን ዕጣን የዕርጉ እዚ ኸአ ጸሎታት ናይ ህዝቢ አምላኽ እዩ። ቤተ ክርስትያን አብ መስዋዕቲ ቅዳሴ ምስ መላእኽትን ቅዱሳንን ኮይና ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበለት ክትዝምር እንከላ አብ ሰማያዊ ልጡርግያ እያ እትሳተፍ።
4ቱ እንስሳ እምብአር አብ መንጎ አምላኽን ሰብን ኮይኖም ክብሪ አምላኽ ዝነግሩ ከምኡ ናይ ደቂ ሰብ ጸሎት አብ አምላኽ ዘዕርጉ እዮም። ንሳቶም ፍጡራት አምላኽ እዮም እንተ ኾነ ንድላይ አምላኽ አብ ደቂ ሰባት ዘምጽኡ ንልመና ደቂ ሰብ ከአ አብ አምላኽ ዘዕርጉ እዮም።
አብ ዋዜማ 4ቱ እንስሳ ከምዚ እናበላ ንጽሊ “እምትጉሃን መላእክት እለ ኢይነውሙ ይስአሉ በእንቲአነ ፈኑ ለነ እግዚኦ መላእከተ ምሕረት ኄራን ወመሓርያነ በቃለ ቀርን ወበሰናይ ቃል”።
4ቱ እንስሳ አብ ቅድሚ መንበር ልዑል ኮይኖም ከማልዱልና ይኽእሉ እዮም አምላኽ ልመናና ብአቶም ክበጽሖ ከሎ ይቐልል ካብ ብአና ምኽንያቱ ንሳቶም ብኹሉ አብ ቅድሚ አምላኽ ዝኾነ ድኽመት የብሎምን በዚ ካብ አምላኽ አባና ይልአኹ ካባና ኸአ ናብ አምላኽ ልመናና የብጽሑ።
ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናበሉ አብ ቅድሚ መንበር አምላኽ ዝቖሙ መላእኽቲ ሎሚ እውን ንነፍሲ ወከፍና ንምሕረትን ጸጋን ካብ አምላኽ ከማልዱልና ዕድል ይወሃበና አሎ። ብዓለ 4ቱ እንስሳ ፍሉይ ዝገብሮ ክልተ ነገር እዩ።
    4ቱ እንስሳ ተባሂሎም ዘለዉ ንመላእኽቲ ሰማይ እዩ ዘመልክት። ረቀቕቲ ፍጥረት አብ ቅድሚ አምላኽ ዝቖሙ እዮም። መላእኽቲ ኢየሱስ ከም ዝብለና አብ ቅድሚ አምላኽ ዝቖሙ እዮም። ስርሖም መልእኽቲ አምላኽ ምብጻሕን ናይ እቶም ኩሎም ድኻታት ንአሽቱ ብሰባት ዝተፈንፈኑ አብ ቅድሚ አምላኽ ግን ክቡራት ምዃኖም ምንጋር እዩ። እግዚአብሔር ፍቕሩ ሓልዮቱ ብመላእኽቲ ገሩ እዩ ዝገልጸልና። አብ ዘፅ 23፡2024 ‘አብ መገዲ ክሕልወካ አብቲ ዘዳለኽዎ ቦታ ድማ ከእትወካ እንሆ አነ መልአኽ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ’ እግዚአብሔር ንህዝቢ ከም ዝሕልዎም ተስፍኡ ሂብዎም። እንተኾነ ነቲ መልአኽ ዝብሎም ክሕልዉ ክሰምዑ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም። ‘አብ ቅድሚኡ ተጠንቀቕ ድምፁ ኸአ ስማዕ። እምቢ አይትበሎ፥ ስመይ አብኡ ተሰምዩ እዩ እሞ በደልካ አይክሕደገልካን እዩ” ይብሎም። ነቲ መልአኽ ዝብሎ እንተ ሰምዑ “አነ ንጸላእትኻ ኽጸልኦም ንዚጻረሩኻ ድማ ኽጻረሮም እየ” ይብሎም። መልአኽ ቀቅድሚኦም ከይዱ ንጸልእቶም ክስዕርዎም እዮም። መላእኽቲ እምብአር ሓገዝትና ረዳእትና እዮም። ሎሚ ነዚ ኢና እንዝክር ዘሎና። ሓለዋ አምላኽ ብመላእኽቱ ክቕጽለልና። ሎሚ ሓገዝ ሓለዋ የድልየና አሎ። መገዲ አምላኽ ጠፊኡና ተደናጊርና ዘሎና ውሑዳት አይኮናን። ሕልናና ዝሰምዖ ስኢኑ የእዊ አሎ ስለዚ ክንሰምዕ ፍቓደኛታት ንኹን።
    4ቱ እንስሳ ከምቲ አበው ቤተ ክርስትያን ዘስተምህሩና እዞም 4ቱ እንስሳ ነቶም አርባዕተ ወንጌላውያን እውን የስምዕ እዩ። አርባዕቲኦም ወንጌላውያን ንቃል ክርስቶስ ንትምህርትን ኩሉ አብ ጽሑፍ አስፊሮም አውሪሶምና። ቃል አምላኽ ንአና ሕይወት እዩ። ንቃል አምላኽ አብ ልብና አሕዲርና ክንጉዓዝ እንከሎና ሽዑ ኩሉ ንሕዝ። ቃለይ ዝሰምዕ አነ አብኡ እነብር ይብለና ክርስቶስ። ወንጌላውያን እምበአር ሎሚ እውን ነቲ ዘውረሱና ቃል አምላኽ ክንሰምዖ ክፍሊ ሕይወትና ገርና ክነብር ይደልዩና። ነቲ ዝሰማዕናዮ ቃል ክንሰብኮ ክንምስክሮ።

4ቱ እንስሳ እምብአር መላእኽቲ ይኹኑ አርባዕቱ ወንጌላውያን ሓገዝትና እዮም። ምስ አምላኽ ክንራኸብ ባብ ዝኸፍቱልና እዮም። ለምኑልና ሓግዙና ኢልና ክንልምኖም ድላይ አምላኽ እዩ። አብዚ መከራ ዝበዝሖ ሕይወትና ኩሉ ክቕየረልና መልአኽካ ልአኸልና ንበሎ።
ብሩኽ ዓውደ ዓመት።ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ







All the contents on this site are copyrighted ©.