2013-11-14 16:11:31

ፊሊፒንስ፦ ድሕሪ ብርቱዕ ህቦብላ ስግኣት ሕማም ፌራ


RealAudioMP3 ኣብ ፊሊፒንስ ድሕሪ እቲ ሃያን እተሰምየ ብርቱዕ ህቦቡላ ዘስዓቦ ዘስካሕክሕ ናይ ሕይወትን ንብረትን ሓደጋ ስዒቡ ምስፋሕ ሕማም ፌራ የስግእ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ በቲ ተኸሲቱ ዝነበረ ብርቱዕ ህቦብላ ልዕሊ 2.500 ሰባት እምበር ከምቲ ተባሂሉ ዝነበረ ልዕሊ 10 ሺሕ ሰባት ናይ ሞት ሓደጋ ከምዘየጋጠሞም ናይታ ሃገር ርእሰ ብሔር በኒኞ ኣኵይኖ ገሊጾም እቲ ዝወረደ ናይ ሰብን ንብረትን ሓደጋ ዘስንብድ እዩ ከምዝበሉ ኢሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
በሸሓት ዝቝጸሩ ቤቶም ንብረቶም ዝባደሞም ዜጋታት ኵለ መዳያዊ ደገፍ ከምዘድልዮምን ናይ ውሽጥን ወጻእን ናይ ረድኤት ማሕበራት ነቲ ዝተጐድኤ ሕዝቢ ኣብ ደገፉ ዝተዋፈራ እውን እንተኾነ እቲ ዝቐርብ ዘሎ ሓገዝ ገና እዅል ከምዘይኰነ ይንገር።
ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ማሕበር ሓልዮ ሕጻናት ነቶም በቲ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ዝተጠቕዑ ልዕሊ ኣርባዕተ ሚሊዮን ዝግመቱ ሕጻናት ድጋፍ 34 ሚሊዮን ዶላር ከምዘድሊ ጻውዒት ከምዘቕረበ እንክምልከት፣ ምስፋሕ ሕማም ሽሮኽ የስግእ ከምዘሎን በቲ ዝተኸስተ ናይ ተፈጥሮ ሓደጋ ምኽንያት ኣብ መንጐ ዘመተ ንብረት ዘካይዱ ዘለዉ ናይ ገበን ጉጅለታትን ሓይሊ ጸጥታን ድሕነትን ናይ ቶክሲ ልውውጥ ከምእተኻየደ ኤሺያን ኔውስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ማኣሲን ሰበኻ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፕረሲዮሶ ካንቲላስ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ መንግስትን ዝተፈላለያ ናይ ረድኤት ማሕበራት ነቲ ዝተጎድኤ ሕዝቢ ኣብ ምድጋፍ ዝከኣሎም ኵሉ የሳልጡ ከምዘለዉን ብካሪታስ ዝጽዋዕ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ማሕበር ረድኤት ጨንፈር ኣብ ፊሊፒንስ ዓቢ ናይ ሰብኣውን ንዋታውን ደገፍ የቕርብ ከምዘሎ ሓቢሮም ብራዲዮ ቫቲካን ኣቢሎም ንቕዱስ ኣቦና ጸሎቶምን ቅርበቶም ኣመስጊኖም ኵሉ ምእንቲ ሕዝቢ ፊሊፒንስ ክጽሊ ሓደራ ቢሎም ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.