2013-11-14 16:08:44

ጽንኵር ቤት ማእሰርቲ ዘይዓገቶ እምነት መስካሪ


RealAudioMP3 ኣብ ቻይና ግዝኣት ሀበይ ናይ ይህሲየን ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ኰይኖም ዘገልገሉ ልሂቅ ብፁዕ ኣቡነ ፒየትሮ ሊዩ ጉኣንዶንግ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሜኦም ዕለት 28 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ከምእተፈልዩ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ነፍሰ ሄር ብፁዕ ኣቡነ ፒየትሮ ሊዩ ዕለት 19 ሰነ 1919 ዓ.ም. ኣብ ኪንጉዩዋን ክፍለ ሃገር በነይ ተወሊዶም ኣብ 1935 ዓ.ም. ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነት ኣትዮም፣ ድሕሪ ምጥንቃቓ ትምህርቲ ፍልስፍናን ቲዮሎጊያን ዕለት 29 ሰነ 1945 ዓ.ም. ማዕርገ ክህነት ተቐቢሎም ኣብ 1955 ዓ.ም. ቤተ ክርስቲያን ካብ መንግስቲ ቻይና ናጻ ዝኾነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ምስረታ ስለ ዝደገፉን ኣባላ ድማ ስለ ዝኾኑ ከም ገበን ተቖጺሩ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተዳጒይኖም ኣብ ናይ ከቢድ ናይ ጉልበት ስራሕ ተዳሪጎምን ናጻ ምስ ተለቁ ኣብ 1958 ዓ.ም. ነታ ካብ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ዝተነጸለት ብሔራዊት ካቶሊክ ቤተ ክርስቲያን ቻይና ምንቅስቃስ ስለ ዝተቓወሙ ዳግም ንቤት ማእሰርቲ ተዳሪጎም ድሕሪ 23 ዓመት መሪርን ጽንኩርን ሕይወት ቤት ማእሰርቲ ኣብ 1988 ዓ.ም. ብዛዕባ ቤተ ክርስቲያን ከይግደሱን ኣብ መዳይ ቤተ ክርስቲያን ተዋፊሮም ከየገልግሉ ተወሲንዎም ናጻ እንተተለቁ እውን ድሕር ከይበሉን ከይፈርሑን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ተጸሚዶም ኣብ ምግልጋል እንከለዉ ዕለት 25 ሓምለ 1982 ዓ.ም. ብሕቡእ ናይ ሓዋርያዊ መስተናብር ዪሲያን ጳጳስ ኰይኖም ምስ ተሰምዩ ካብ ኢድ ናይታ ሰበኻ ሊሂቅ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ፍራንቸስኮ ሳቨሮ ዙ ሻንፉ ማዕርገ ጵጵስና ተቐቢሎም መሊሶም ካብ 1989 ክሳብ 1992 ዓ.ም. ናይ ተሓድሶ መርሃ ግብር ብዝብል መደብ መሰረት ኣብ ጽንኵር ናይ ጉልበት ስራሕ ተገዲዶም ከምዝጸንሑን ኣብ 1993 ዓ.ም. ብዝወረዶም ሕማም ልቢ ምኽንያት ከቢድ ሕማም ኣካለ ለምሲ ኣጋጢምዎም ናይ ምንቅስቓስን ምዝራብን ብቕዓት ኣጥፊኦም ኣውን እንተነበሩ ብመንግስቲ መሊሱ እሱር ገዛ ንኽኾኑ ተበይንዎን እንከብቕዑ ብሕቡእ ካብቶም ብሕቡእ ዘገልግሉ ዝነበሩ ኣባላት ውሉደ ክህነትን ደናግልን ክንክን ጥዕና እናረኸቡ ብጸሎትን መቑጸሪያ ጸሎትን ተጸሚዶም ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ መበል 94 ዓመት ዕድሜኦም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ተባዕ ወዲ ቤተ ክርስቲያን መስካሪ እምነት ምዃኖም ይዝከሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.