2013-11-14 16:06:32

ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ፦ “ጳጳሳዊ ናይ ስነ ርክባት ሜላ ተግባር ኣብ ዓውሎማዊ ዓለም”


RealAudioMP3 እታ ብብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ዝተደርሰትን ብቤት ማሕተም ቫቲካን ንንባብ ዝበቐዔት “ጳጳሳዊ ናይ ስነ ርክባት ሜላ ተግባር ኣብ ዓውሎማዊ ዓለም” ዘርእስታ መጽሓፍ ዕለት 12 ሕዳር 2013 ዓ.ም. ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ ሲኖዶስ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብዝመርሕዎን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ወጻኢ ርክባት ጉዳይ ዋና ጸሓፊ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ዶመኒክ ማምብርቲን ከምኡ እውን ኣብ ጳጳሳዊ መንበረ ጥበብ ላተራነንሰ መምህር ናይ ዓለም ሓቆፍ ሕጊ ሊቅ ቪንቸንዞ ቡዎኖሞን ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ሕዝባዊ ባይቶ ሊቀ መንበር ነበርን ናይ ማሕበር ኣይደንሃወር ሊቀ መንበር ሃንስ ገርት ፖኤተሪንግ ተረኺቦም ዘረባ ኣብ ዘስምዕሉ ዓውደ ጉባኤ ንንባብ ከምዝበቕዔት ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፋዉስታ ስፐራንዛ ሓቢረን።
ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ “ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ሜላ ኣብ ዓለም ሓቆፍ ርክባት እቲ ሰብኣዊ ስድራ ቤት ብሓባር ክነብርን ብሓባር ክምዕብልን ዝድግፍ ስነ ምግባራዊ ኣድማስ ዘነቓቕሕ እዩ” ኣብ ዝብል ሓሳብ ዘማእከለ ናይ መቕድም ጽሑፍ ዘንበሩላ መጽሓፍ ክትኸውን እንከላ፣ እታ መጽሓፍ ንንባብ ንኽትበቕዕ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ፦ “ናይ ስነ ርክባት ሜላ ኣብቲ ቅድሚ’ቲ ኣሉታውን ዘልምስን ዓውሎማነት እቲ ወሳኒ ዝዀነ ጦቢያዊ ሰናይ ምርግጋጽ ዝብል ነቢያዊ ኣድማሱ ዳግም ክዓትር” ዝበል ሓሳብ ቅድሱ ኣቦና ኣብ መቅድም ጽሑፎም ዘንበርዎ ሓሳብ ኣማእኪሉ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ከምዝገበርሉ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ሓደ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ዝፍጽሞ ናይ ስነ ርክባት ሜላ ካብ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ኣገልግሎት ፈልዩ ክርእዮን ክነብሮን ከምዘይብሉ ኣብቲ ዝተኻየደ ዓውደ ጉባኤ ገሊጾም፣ ኣብተን ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ዝተነብረን ዘጋጠመን ኮታ ኩሉ ዝተራእየ ሻቕሎት ዝተመልኦ ተመኵሮታት ዝትንትን ብፍላይ ኣብ መቕድም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፦ “እቲ ናይ ታሪኽ ሚዛን ዝኾነ ሓቂ መስቀል ናይ ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ኣገልግሎት እንታይን ከመይን ከምዝነበረ ዝገልጾ እዩ” ዝብል ሰንበርዎ ሓሳብ ጠቒሶም ንቕዱስነቶም ከምዘመስገኑ ኣመልኪተን።
ብፁዕ ካርዲናል በርቶነ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “እቲ ጥንታውን ሃብታም ፍልዩ ዝኾነ ባህሊ ዝተሰከመ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣገልግሎት ድሕሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ካብቲ ጳጳሳዊ ንጉሳውነት ምምሕዳር ዝመስል ዝነበረ ኣካይዳ ኣዚዩ ዝረሓቐ ኰይኑ ናይቲ ካብ ላዕሊ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ዝተዓደለ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ሓላፍነትን ኣገልግሎትን እሙን ተሓባባሪ ናይ ጴጥሮሳዊ ተልእኾ ዝብል ምዃኑ ተነጺሩ እዩ” ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ስፐራንዛ ሓቢረን።
ብፁዕ ኣቡነ ዶመኒክ ማምበርቲ ብወገኖም ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “ኣብ ጎድኒ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ሜላ ኣብ ዘመናት ዘሰንይ ሓባራዊ ተግባር ነፍሲ ወከፍ ዝንበር ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ሜላ ናይ ገዛእ ራእሱ ልክዕ ከም ነፍሲ ወከፍ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ፍሉይ ዝገብሮን ዘብሎን ታሪኽን ኩነትን ግብራውን ዘለዎ ከምዝኾነን” ሓቢሮም፦ “ኣብቲ ፍሉይ ዘብሎ ታሪኻዊ ኩነትን ግብራውን ኣብ ዝተፈላለዩ ተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ቀጻልነት ዘለዎ ተግባር ከምዝደምዕን ልክዕ ከምኡ ድማ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣገልግሎት እውን ዝረኣይ ተግባር እዩ። ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ኣገልግሎት ናይ ቅዱስ ጴጥሮስ ተኸታሊ ተሓባባርነት እዩ። ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ሜላ ኣገልግሎት ናብ ናይ እወታዊ ሰናይ ዘተኮረን እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ሰብን ኩነትን ጭቡጥን ኣሉታዊ ርእየት ዘይብሉ እዩ። ክቡራት ዋጋታት ክንበሩን ክኽበሩን ዝብል ጻውዒት እውን ከቕርብ እንከሎ ምኽባር ትእዛዛት ዝብል ኣሉታውነት ጸቕጢ ዘይኰነስ፣ ብክርስትያናዊ ተስፋ ዝተነቓቕሔ ምትእምማን ንምርግጋጽ ዝብል እዩ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ፍራንቸስኮ ዝበልዎ ባዶ ተስፈይናነት ማለት ኣይኰነን” ከምዝበሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።
ሃንስ ገርት ፖአተሪንግ ብወገኖም፦ “እታ ቤተ ክርስቲያነይ እውን ዝኾነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ሕብረት ዝብል ዕላማ ብፅንዓት ክትድግፎ እምነይ፣ ናይ ሰብኣዊ ክብንር ፍቓድን እቲ ብቐዳማይ ደረጃ ዝስራዕ ክፍሊ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን ክቡራት ዋጋታት እዩ። ኣብ ዝኾነ ይዅን ኩርናዕ ዓለም ናይ ስብኣዊ መሰልን ክብርን ብዘይ ገታእ መታእ ክኽበር ኣለዎ ቤተ ክርስቲያን በቲ ናይ ስነ ርክባት ሜላ ኣቢላ እትፍጽሞ ምንቕቓሕ ዝነኣድ እዩ” ቢሎም፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይ ምትሕብባርን ስነ ምግባር ዘነቓቕሑ እዮም እዚ ድማ እቲ ናይ ዓውሎማነት ባህርይ ክኸውን ኣለዎ” ከምዝበሉ ዝሓበራ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ኣስዒበን መምህር ቪንቸንዞ ቡኦኖሞ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ “ኣብታ መጽሓፍ ናይ ሓባር ሕሊና ዘማዕብሉ ተግባራት ብተደጋጋሚ ከምእተገልጸን፣ እቲ ናይ ሓባር ሕሊና ድማ ኣብቲ ናይ ማሕብረሰብ ኣባል ናጽነት ዝተሰርተ ክኸውን እንከሎ ከይኑ ድማ ናይ ሓባር ዕላማታት ክጋጠም ኣለዎ። እዚ ኣብታ መጽሓፍ ዝተሰመረሉ ሓሳብ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ሜላ ተግባር ብቐጥታ ዝምልከት ኣብዚ መዳይ ብቐጻልነት ዝሓንጽ እዩ። ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ስነ ርክባት ሜላ ናይ ፍትሒ ዕላማታታ ብዕምቆት ዝፈልጦ እዩ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝድርኽ መፍትሕ ዘቕርብ ዘይኮነስ ፍትሒ ንምርግጋጽ ዝሓንጽ እዩ። ስለዚህ እዚ ናይ ተልእኾኡ ቅርጺ ዘይኰነስ ፍጻሜ እዩ” ከምዝበሉ ስፐራንዛ ሓቢረን።
ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ብወገኖም መላእ ትሕዝቶ ናይታ መጽሓፍ ነቲ ዓውደ ጉባኤ እንክመርሑ ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መክፈቲ ዘረባ ሕጽር ብዘበለ መልክእዕ ተንቲኖም ብፍላይ ድማ እቲ ጉባኤ ነቶም ንሸውዓተ ዓመት ናይ ቅዱስነቶም ልሂቅ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ቀረባ ተሓባባሪ ኮይኖም ዘገልገሉ ደራሲ ናይታ መጽሓፍ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ንምምስጋን ሰናይ ኣጋጣሚ እውን እዩ ከምዝበሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ስፐራንዛ ኣመልኪተን።








All the contents on this site are copyrighted ©.