2013-11-12 16:51:14

ካብ መንግሥትን ድኻታትን እናሰረቅካ ንቤተ ክርስትያን ገባር ሠናይ ምዃን ቅኑዕ አይኮነን! ክልተ ዝልቡ ክርስትያን ክኽወን ዘይከአል ኢዩ፣


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ ፍራንቸስኮስ ትማሊ አብ ቤት ጸሎት ቅድስቲ ማርታ አብ ዝገበርዎ ስብከት “ዘይንሳሕን ናይ አምሰሉ ክርስትያን ኮይኑ ዝመላለስን ንቤተ ክርስትያን ብዙሕ ይጐድአ፣ ኩልና ኃጢአተይታት ኢና ተቀበልቲ ብላዕን ወሃብቲ ብላዕን ካብ ምዃን ግን ይሰውረና፡ ካብ መንግሥቲ እናሰረቅካ ንቤተ ክርስትያን ገባር ሠናይ ምዃን ቅኑዕ አይኮነን! ክልተ ዝልቡ ክርስትያን ክኽወን ዘይከአል ኢዩ፣” እንክብሉ ክርስትያናዊ ሕይወትና ብተግባር ክነብሮን ክንምስክሮን ከምዘሎና አዘኻኺሮም፣
ከምቲ ብተደጋጋሚ ዝብልዎ ከአ ኢየሱስ ካብ ምምሓርና አይሕለልን ኢዩ ወትሩ ናባኡ ክንምለስ ከአ ይመኽረና እንክብሉ አብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ሓውኻ ሸው ዓተ ጊዜ እንተበደለካ እሞ ተተመሊሱ ይቅረታ እንክሓተካ ወትሩ መሓሮ ዝበሎ ናይ ኢየሱስ ምሕረት ይገልጽ ብርግጽ ኢየሱስ ይምሕር ኮይኑ ግን አብቲ ናይ ዕለቱ ወንጌል ከአ ነቲ ብሰሩ ዕንቅፋት ዝመጽ እ ሰብ ወይልኡ ንናአሽቱ ዕንቅፋት ካብ ዝኸውን አብ ክሳዱ መጥሓን ጽ ዒኖም አብ ባሕሪ ከጥሕልዎ ይሓይሽ ንዝበሎ ክገልጹ ከአ አብ ማእከል ምሕጣእን ዕንቅፋት ምዃንን ዘሎ ፍልልይ ከምዚ ክብሉ ሰቢኾም፣
“ እቲ ፍልልይ እዚ ኢዩ! ኃጢአት ዝገበረ ክንሳሕ ምሕረት ክሓትት ይኽ እል፣ በዚ ከአ ድኻምነቱ የለሊ ወዲ አምላኽ ምዃኑ ብምርዳእ ከአ ር እሱ አትሕት የብል ብትሕትና ከአ ካብ ኢየሱስ ድሕነቱ ይልምን፣ እቲ ዝ ዕንቅፍ ግን አንይሳሕን! ገና አብ ሓጢአቱ ይነብር! ኮይኑ ግን ክርስትያን እየ እናበለ የተዓሻሹ፣ ድርብ ሕይወት እናመርሕካ ክርስትያን ክትብል እንከሎኻ ብዘይመጠን የጕሂ፣ ምናልባት አነ ንቤተ ክርስትያን ገባር ሠናያ ኢዩ ክብለኒ ይኽ እል አብቲ ሕይወቱ ግን ካብ መንግሥቲ ካብ ድኻታት እናሰረቀ ዝነብር እንተኾይኑ እዚ ቅኑዕ አይኮነን፣ ነዙይ ከአ ኢየሱስ አብ ክሳዱ መጥሓን አድጊ አሲርካ ንባሕሪ ንቈቶ ይብል አነ አይኮንኩን ዝብሎ ዘሎኹ ኢየሱስ ኢዩ ዝብሎ ዘሎ አብዚ ብዛዕባ ምሕረት አይኮነን ዚዛረብ፣ ምኽንያቱ እዚ ከምዚ ዓይነት ሰብ የታልል ኢዩ ዘሎ ምትላል አብ ዘለዎ ከአ መንፈስ አምላኽ የሎን፣ አብ መንጎ ሓጢአተኛን ብብላዕ ዝተበላሸውን ዘሎ ፍልልይከስ እዚ ኢዩ፣
“ንሕና ኃጢአተይናታት ኢና ክንብል አሎና እወ ኵልና ሓጢአተይናታት ኢና፣ ብብላዕ ዝተበላሾና ግን አይኮናን፣ ሓደ ብብላዕ ዝተበላሸወ ሰብ አብ ዘለዎ ኢዩ ጠጠው ዝብል ትሕትና ጥቃኡ አይትቀርብን ነዚ ከአ ኢዩ ኢየሱስ ጽባቄ ናይዚኦም ከምዚ ዝበሉ ከም ጽባቄ ልቅሉቅ መቃብ ኢዩ ብውሽጡ ግን ጺ እ ዝጨኑ ሬሳን ዓጻጽምትን ኢዩ ዘሎ፣ ሓደ ክርስትያን ኢየ ቢሉ ዝጀሃርን ሕይወት ክርስትና ዘይነብርን ሓደ ካብዞም ብልሽዋት ኢዩ፣ ሓደ ከምዚ ዝበለ ከአ ንቤተ ክርስትያን ክሳብ ክንደይ ከምዝጐድአ ኵልና ንፈልጥ ኢና፣ ክንደይ ዝተበላሸው ክርስትያን ካህናት.. ወዘተ ንቤተ ክርስትያን ክንደይ ይጐድ እዋ ይመስለኩም ምኽንያቱ ከአ ብመንፈስ ወንጌል ዘይኮነስ ብመንፈስ እዚ ዓለም እዚ ኢዮም ዝነብሩ ዘሎው፣ ቅዱስ ጳውሎስ ምስዚ ዓለምዚ አይተመሳሰሉ እናበለ ንሰብ ሮማ ዝገንሖኸስ እዚ ኢዩ እንክብሉ ስብከቶም ደምደሙ፣
ከምኡ እውን ትዊተር ብዝበሃል ናይ ዘመንና መራኸቢ ብዙኃን “እግዚአብሔር የፍቅረና ኢዩ! ናይ ፍቅርን ዝተፈቀርካ ናይ ምዃንን ጣዕሚ ንርከቦ፣” እንክብሉ ሓጺር መልእኽቲ ጽሒፎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.