2013-11-07 15:30:14

ሲኖዶስ


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስድራ ቤት ዘማእከለ ካብ ዕለት 5 ጥቅምቲ ክሳብ ዕለት 19 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም. “ኩነታት ናይ ስድራ ቤት ሓልዮ ግብረ ኖልዎ ብዶሆታት ብኣስፍሆተ ወንጌል” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንኽዝትይ ዝጠለብዎ ሳልሳይ ሓፈሻዊ ፍሉይ ናይ መላእ ብፁዓ ጳጳሳት ሲኖዶስ ሰነድ ንምስንዳው 39 ዝተፈላለዩ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝምልከቱ ሕቶታት ዘጠቓለለ ናይ መጠይቕ ሰነድ ድሮ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሕንጻ ኣብ ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣድራሽ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ሎረንዞ ባልዲሰሪን ናይቲ ንኽካይድ ዝተወሰነ ሲኖዶስ ፍሉይ ዋና ጸሓፊ ንኽኾኑ ብቕዱስ ኣቦና ዝተሾሙ ኣብ ኢጣሊያ ከተማ ኪየቲ-ቫስቶ ሊቀ ጳጳሳት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ብፁዕ ኣቡነ ብሩኖ ፎርተ ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝሃብሉ ዝሓበሩ ልኡኽ ጋዜጠይና ራድዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ብዛዕባ እዚ ናይ መጠይቕ ሰነድ ኣመልኪቶም ምስ ናይ ስድራ ቤተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣባልን ናይ “ሓደስቲ ኣባይቲ ስድራ ካቶሊካዊ ምንቅስቓስ” ሓላፊ ኣልበርቶ ፍሪስኮ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ንኽካየድ ዝወሰንዎ ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝዝትይ ሲኖዶስ ብመላእ ኣባይቲ ስድራ ዓቢይ ሓጐስ እዩ” ቢሎም ብሓቂ ኣብ ናይ ስድራ ቤት ጉዳይ ዘተኮረን ብዛዕባ እዋናዊ ብድሆታት ስድራ ቤት ንምስትንታንን ኣብ መንጐ ኣባይቲ ስድራ ርክባትን ወለድን ውላድን ብዛዕባ ስድራ ቤት ምምይያጥ ብዛዕባ ሕብረተሰብ ምምይያጥ ማለት ምዃኑ ሓቢሮም፣ እቲ 39 ሕቶታት ዘጠቓለለ ንመላእ ካቶሊካውያን ብፁዓን ጳጳሳትን ኣብ መላእ ዓለም ንዝርከቡ ኣባይቲ ምኽርታት ብፁዓን ጳጳሳትን ዝለኣኽ ድሮ ዝተዳልወ ናይ መጠይቕ ሰነድ ቀንዲ ዕላማኡ ናይ ሲኖዶስ ከይዲ ዕዩ መርሕ ንምስንዳው ከምዝኾነን እዋናዊ ኩነት ኣባይቲ ስድራን ዝወሃቦ ዝተፈላለየ ሓደስቲ ትርጉምን መሚኻ ትኽክለይና ትርጉሙ ንምግላጽን ካብ ዝፍጠሩ ምድንጋራት ንምልቓቕ ዝድግፍ ኰይኑ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ፍቕሪ ዘማእከለ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ዘለዎ ሕጹጽ ኣገዳስነት ዝሕብርን ብድሆታት ስድራ ቤት ዘሎ እዩ ብዛዕባኡ ዝዝትይ ሲኖዶስ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ልልያን ሓድሽ ኣስተንፍሶን ምዃኑ ሓቢሮም።
ብዛዕባ እዚ ሲኖዶስን ዝቐረበ ናይ መጠይቕ ሰነድን ብመራኸቢ ቡዙሃንን ኣብ ኩለን ቁምስናታትን ሰበኻታትን ዓውደ መጽናዕትታትን ጉባኤታትን ብምክያድ ድማ ድሮ ኣብ ብዙሓት ሰበኻታት ብዛዕባ ስድራ ቤት ዝነበረን ዝበሃልን ሕቶን ሓሳባትን ብኵላውነት መዳይ ምይይጥ ስለ ዝግበረሉ ብዝተፈላለየ መልክዕ እውን ዓለማውያን ምእመናንን ኣባይቲ ስድራን ዘዋስእ እዩ ኢሎም።
ብዛዕባ ስድራ ቤት ኩላዊ ርእየት ክህሉ ዝድግፍ፣ እምነትን ተስፋን ፍቕርን ዘነቓቕሕን ስድራ ቤት ናብ ሓድሽ ሕይወትን እምነት ዘብጽሕ ከምዝኸውን ዘለዎን ተስፋ ገሊጾም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.