2013-11-03 17:21:39

6ይ ሰንበት ዘጽጌ 2005 ዓ.ም. ጥቅምቲ 24 2006 (11/3/2013) ኩሉ ጊዜ አብ ቅድሚ አምላኽ ምንባር!


መዝሙር፡ ጸገየ ወይን ወፈርየ ሮማን. . . . . .
ንባባት፡ 2ጢሜ 4፡6-18፥ ራእ 12፡13~ፍ፥ ግ.ሓ. 11፡1~12 ሉቃ 18፡9-14
ምስባክ፡ “አርውዮ ለትለሚሃ፥ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠንጣብከ ትበቝል ተፈሢሓ” “ንነግሕታታ ተስትዮ፥ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ፥ ንብቝላ ትባርኾ” መዝ. 65፡10።
መዝሙር፡ ወይኒ ዓንበበ ሮማን ከአ ፈረየ፥ ኩሉ ኦም በረኻ ቀኒሞስ ዕንዲድ ፈረየ፥ ሰንበት ንዕረፍትና ሰርዓልና። ዕምባባታት ፈረዩ ሊሊ ዓምበቡ፥ ክረምቲ ሓሊፉ በረኸት (ዝናም) ደው ኢሉ፥ ምድሪ ብዕምባባታት ተሰሊማ፥ ጎይታ ሰንበትን አቦ ምሕረትን ሰንበት ንዕረፍትን ንድሕነትን ሰርዓልና” ይብል።
እዋን ቀውዒ እዩ አብ ሃገርና ክረምቲ ሓሊፉ ሓረስታይ ፍረ ጻማኡ ዝርእየሉ ናይ ዓመት ቀለቡ ዝእትወሉ እሞ ንኹሉ ዓመታዊ መደብ ሕይወቱ ገምጊሙ ዝኽእለሉ እዋን እዩ። እዚ ቀጥታዊ ምልክት ንመንፈሳዊ ሕይወትና እውን ሓበረታ አለዎ። ሕይወትና ክሕደስ አብ ልብና ንአምላኽ ከምብሓዲስ ርኢና ክንክእል እሞ ምስኡ ርክብ ክህልወና ሕይወትና ፍረ ዘልኦ ክኸውን ክንሓስብ ዝሕግዘና እዋን እዩ። ሰብ ሎሚ ሕይወቱ ምርአይ ጸጊምዎ ሕይወት ካልኦት ጉድለት ካልኦት ክርኢ ቀሊልዎ ይርከብ አሎ። አብ ነፍስና ተመሊስና አነ ከመሎኹ አብ መገዲ አምላኽዶ አሎኹ ወይስ ዘንጊዐ አሎኹ ኢልና ሕልናና ክንሓትት እዋኑ እዩ። አብ ውሽጥና አቲና ነቲ ኩሉ ዝርኢ አምላኽ ክፍአተይ ድኽመተይ ክርኢ ክኢለ አሎኹ እሞ ምሓረኒ ኢልና ተደፊእና ንለምኖ።
ናይ ሎሚ ወንጌል ፍሉይ መልእኽቲ የመሓላልፈልና። ብዛዕባ ሓደ ፈሪሳዊን ሓደ ተቐባል ቐረጽን ይነግረና፥ እዚ ኸአ ነቶም ጻድቃን ምዃኖም ብርእሶም ዝምክሑ ንኻልኦት ግና ዚንዕቁ ዝነበሩ አብ ርእሶም ተመሊሶም ሕይወቶምን ምስ አምላኽ ዘለዎም ርክብ ክቕይሩ ኢሉ ዘስተምሃሮ እዩ። እቲ ፈሪሳዊ ጥዑይ ሰብ እዩ ነሩ ምኽንያቱ ኩሉ ዝግብኦ የማልእ ነሩ፥ኩሉ ሕጊ አይሁድ ዝእዝዞ ከምኡ ትእዛዛት አምላኽ ይፍጽም ነሩ። ይጽሊ ይጸውምን ምጽዋት ይህብን። እዚ ኹሉ እና ገበረ እንከሎ አምላኽ ምስኡ ሕጉስ አይነበረን። ስለምንታይ? ምኽንያቱ እዚ ሰብ እዚ አንነት ዘጥቅዖ አብ ርእሱ ጥራሕ ዘተኮረ እዩ ነገራቱ። አብቲ ዘዕርጎ ዝነበረ ጸሎት ደው ኢሉ ብልቡ “ኦ አምላኽ ከምቶም ካልኦት ሰባት ከተርቲ፥ ዓመጽቲ፥ ዘመውቲ፥ ወይ ከምዚ ተቐባል ቀረጽ እዚ ስለ ዘይኮንኩ አመስግነካ አሎኹ” ብኻልእ አዘራርባ “አምላኽ ክትሕጎስ አሎካ ከማይ ዝበለ እሙን ሰብ ዘሎካ ብዙሓት ከማይ የለዉን አነ ግን እሙን ንኹሉ ቃልካን ትእዛዛትካን ዝሕሉ እየ” እዩ ዝብል ዘሎ።
ክጽሊ ክጸውም ምጽዋት ክህብ እንከሎ ንአምላኽ ስለ ዘፍቅር ወይ ንጽጉም ከገልግል ስለ ዝደሊ አይኮነን። ንርእሱ ስለ ዝፈቱ ኩሉ ነገራቱ ንአይ አብ ዝብል ስለ ዘተኵር እዩ። ንአምላኽ ከይተረፈ አብ ጎኑ አጸጊዕዎ እዩ፥ አምላኽ ክሕጎስ አለዎ ከምዚ ዝአመሰለ ሰብ ብምርካቡ፥ ብፍላይ ብዙሓት ከምዚ ተቐባል ቀረጽ ስለ ዝኾኑ አነ ግን እሙን እናበለ ንርእሱ የመጻድቕ።
ኢየሱስ ነዚ ፈሪሳዊ ወቒስዎ ምኽንያቱ ናይ እዚ ኹሉ ተዋሂብዎ ዘሎ ጽቡቕ ነገር ምንጩ አምላኽ ምዃኑ ክፈልጥ ብዘይ ምኽአሉ፥ አነ እዚ ገረ፥ አነ ከምዚ እየ አብዝብል ዓለም እዩ ዝነብር ነሩ። እንተ ኾነ ናይ ብሓቂ ንርእሱ ክርኢ እንተ ዝኽእል ብዘይ አምላኽ ሓንቲ ክገብር ከምዘይክእል ወላ ንሱ ንባዕሉ አብ ቅድሚ አምላኽ ሓንቲ ዋጋ ከምዘይብሉ ርእዩ ምኽአለ እሞ እዚ ኩሉ ዘሎኒ ናይ አምላኽ እዩ ኢሉ ንርእሱ ዋጋ አይምሃበን ነሩ።
አብ ሕብረተ ሰብና አብ ዓለምና እዚ ፈሪሳዊ ጠባያትን መንፈስን ብብዝሒ አሎ። አብ ካልእ ከይ ከድና አብ ርእስና እንተ ረኤና ጸሎትና “ ኦ አምላኽ አመስግነካ አሎኹ ከምዞም ካልኦት ዘይገበርካኒ፥ ኩሉ ጊዜ ቅዳሴ እሰምዕ፥ ቅ. ቍርባን እቕበል፥ እናዘዝ፥ ግቡእ ቤተ ክርስትያነይ እፍጽም፥ ደቀይ ኩሎም ጥዑያት እዮም ብካቶሊካዊ እምነቶም ዓብዮም፥አብ ሓዳረይ ብኹሉ እሙን እየ፥ ብኹሉ ናብራይ ዕዉት እየ፥ ከምዞም ካልኦት ዘይገበርካኒ፥ የቐንየለይ አምላኽ እናበልና ንጽሊ. . . . . እቲ ዝርዝር ብዙሕ ክኸውን ይኽእል። ከይተረደአና አብቲ እንገብሮ ነተኩር ንአምላኽ ከም እንእውዶ ንሓስብ። አነ አነ አብ ዝብል ጥራሕ ወዲቕና አብ ርእሰ አምላኾ ዳርጋ ንወድቕ።
ምናልባት እዚ ምስቲ አብ ቀዳመይቲ ንባብና ጳውሎስ አብ ጢሜቴዎስ ዝጸሓፋ ዝመሳሰል እዩ። “ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ እየ ጉያ ወዲአ እየ ነታ እምነት እውን ሓልየያ እየ ” እናበለ ሕይወቱ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ከም ዝመርሐ ይዛረብ። እዚ ግን ካብቲ ሓደ ፈሪሳውን ሓደ ካቶሊካዊ ዝገበሮ ጸሎት ፍሉይ እዩ። መጀምርያ ንኹሉ እቲ ዝገበሮ ብጸጋ አምላኽ ከም ዝገበሮ ይእመን ካልአይ ምሉእ ሕይወቱ ንሱ ከም ሓደ መጋበሪ ኮይኑ አብ ክርስቶስ ከብጽሕ ከም ዝተላእከ ንርእሱ ይእመን። ልኡኽ አምላኽ መጀመርያ መለልይኡ ኩሉ ዝገብሮ ካብ አምላኽ ከምዝተዋህቦ ምእማንን ንኹሉ ዝገብሮ ከአ አብ አገልግሎት አምላኽን ሰብን ከውዕሎ ከምዘለዎ ዝፈልጥ ክኸውን እንከሎ እዩ።
እቲ አኽፋሊ ቀረጽ ብርግጽ ኃጢአተኛ እዩ ነሩ። ንሕጊ አይሁድ አየኸብርን እዩ ነሩ። ከምቶም ካልኦት መኽፈልቲ ቀረጽ እንተኾነ ገንዘብ የጠፋፍእ የታልል እዩ ነሩ። ካብ ወገኑ ካብቶም ጭኩናት ወገኑ ገንዘብ አኪቡ ነቶም ሕሱማት ጨኮንቲ ንሮማውያን ገዛእቲ ይህብ ነሩ። ነዚ ኹሉ ርኢኻ ብሓቂ ኃጢአተኛ እዩ ነሩ። እንተ ኾነ አብ ቅድሚ አምላኽን ሰብን ዝገበሮ ኩሉ ከምዘጉሃዮ ይእመን በዚ ኸአ አምላኽ ይፈትዎ። አምላኽ ዝርእዮ ሕጂ ዘሎናዮ ኩነት እዩ ዝርኢ ብኃጢአትና ተነሲሕና አብ ቅድሚኡ ቀሪብና ምሕረት እንተ ሓተትና ክበድ ኃጢአትና ብዘየገድስ ሓዳጊ መሓሪ እዩ።
ኢየሱስ ከምዝብሎ እቲ አኽፋሊ ቐረጽ ንቤተ መቕደስ ክሓድግ እንከሎ ምስ አምላኽ ተዓሪቁ ወጺኡ እቲ ፈሪሳዊ ግን አምላኽ ነጺግዎ ወጺኡ። ምኽንያት ናይ እዚ ኸአ ብርግጽ እቲ አኽፈሊ ቀረጽ ኃጢአተኛ እዩ ነሩ እንተ ኾነ ኃጢአቱ ጌግኡ ተአሚኑ። ንሱ ብባዕሉ ሓንቲ ከምዘይገብር ተአሚኑ ሕይወቱ ክቕይር እውን ናይ አምላኽ ሓገዝ እንተ ዘይረኺቡ ሓንቲ ከምዘይገብር ተአሚኑ። “አብ ርሑቕ ደው ኢሉ ዓይኑ ናብ ሰማይ ቋሕ ከብል እኳ አይደፈረን ኦ አምላኸይ ንአይ ንኃጥእ ምሓረኒ እናበለ አፍ ልቡ ይወቅዕ ነበረ”። አምላኽ ንሓደ ብትሕትናን ብሓቅን ኃጢአቱ ዝእመን ክምሕር ክሕግዝ ኩሉ ጊዜ ምስደለየ እዩ። ብኻልእ ከአ ከመይ ገሩ እሞ አምላኽ ንሓደ ዕቡይ ንርእሱ ባዕሉ ጥራሕ ክሕግዝ ከም ዝኽእል ዝአምን ክሕግዞ ክመጽእ። ነዚ አምላኽ አየድልዮን እዩ ሓይሉ ሃብቱ ክእለቱ ከምዝአኽሎ ገሩ እዩ ዝሓስብ።
አብ ርእስና እንተ ተመለስና ሓደ ብንጹር ክንርእዮ ዘሎና፥ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ህያባት ዘሎና ኃጢአተኛታት ምዃና ምፍላጥ እዩ። አብ 1ዮሓ 1፡6፥8 ከምዚ ዝብል ነንብብ፡” ምስኡ ኅብረት አሎና እናበልና አብ ጸልማት እንተ ነበርና ንሕሱ ሓቂ እውን አይንገብርን ኢና ዘሎና። ኃጢአት የብልናን እንተ በልና ንገዛእ ርእስና ንጥብር አሎና እታ ሓቂውን አባና የላን”።
ጸገም ናይ እቲ ፈሪሳዊ ምስ አምላኽ ዘሎ ኮይኑ ይስምዖ ነሩ እንተ ኾነ አብ ጸላም እዩ ዝጉዓዝ ነሩ። ዓይኑ ሕልንኡ ኩሉ ኩነታቱ ዓዊሩ እዩ ነሩ። እቲ አኽፋሊ ቀረጽ ግን ይርኢ ነሩ፥ ንአምላኽ ብዓይኒ ምሕረት ክርእዮ ክኢሉ። አብ ሕይወትና እንተ ረአና ሎሚ ሰባት ዝያዳ አፍልጦ ትምህርቲ ወንጌል ዘልኦም ኮይኑ ይርአ እንተ ኾነ ናይ ኃጢአት ርድኢትን አፍልጦን ዘጥፍኡ ኮይኑ ይርአአየካ። ሰብ ኃጢአት ምግባር ዝፈርሕ አይመስልን። ብዙሓት ከይተናዘዝካ ምቝራብ ልሙድ ገረሞ፥ ዓመታት ከይተናዘዝካ ምንባር ናይ ኃጢአት ትርጉም ዝጠፍአና ኢና እንመስል። አብ ዓድና ቀዳም ቀዳም ምንዛዝ ከምኡ ዓበይቲ ብዓላት ተናዚዝካ ምቝራብ ልሙድ እዩ ነሩ ሎሚ ግን ሰብ ብኃጢአቱ ምንሳሕ ዝጸገሞ እዩ ዝመስል። ተናዚዝካ ትፈልጥዶ ትፈልጢዶ እንተ በልና ዘይምንዛዝ ባህሊ ኮይኑ። ሎሚ ካባና ዘድሊ አብ አምላኽ ተመሊስና ድኽመትና ኃጢአትና ምእማን እዩ። አብናይ ሓሶት ዓለም ከይንነብር ንርእስና ኩሉ ጊዜ ነቒሕና ክነብር አሎና። ኑዛዜ ወይ ንስሓ ክብሃል እንከሎ ናይ ግሊ ጥራሕ አይኮነን ከም ማሕበር ከም ቍምስና ከም ህዝቢ ክንስሓሉ ዝግብአና ነገር አሎ። አብ ህዝብና አየናይ መንፈስ እዩ ብብዝሒ ዝርአ ስስዐ፥ ምጥፍፋእ፥ ዓመጽ፥ ጽልኢ፥ ቂምታ፥ በዚሑ ጸጊሙና ዘሎ ህዝቢ ኢና፥ ስለዚ ብሓባር ክንስሓሉ ጾም ክንጾሞሉ ከምኡ ጸሎት ክነዕርገሉ ዝግብአና ጉዳይ እዩ።
ኃጢአት ክንብል እንከሎና ምናልባት ተቖጢዐ ቀኒአ ቅዳሴ ሰንበት አይሰማዕኩን ዝብል ንጠባያትና ዝርኢ ጥራሕ አይኮነን። ኃጢአትና ብዝያዳ አብ መሰረታዊ ክርብ ምስ አምላኽን ምስ ካልኦት ሰባትን ምስ ርእስናን ምውዳቕ እዩ። እንገብሮ ኃጢአት አንጻር ርእስና፥ ምስ ቤተ ሰብና፥ ምስ መሳርሕትና፥ ምስ አዕሩኽትና፥ ምስ ዘይብጽሑና ሰባት፥ ምስ ርኢናዮም ዘይንፈልጥ ሰባት ግን ብፍቕርና ወይ በቲ ንአይ ጥዓመኒ ዝብል መንፈስና ዝተጎድኡ እዩ።
ኃጢአት ዘይምፍቃር ንኻልኦት ጽቡቕ ካብ ምግባር ምትራፍ እዩ። ብዙሕ ጊዜ አብ መንበረ ኑዛዜ እንንስሓሎም ምብዝሕትኦም እቶም ዳርጋ ዘይንገብሮም እዮም። አብ ምዓልቲ ፍርዲ ጎይታ ከምዚ ክብለና እዩ “ጠምየ፥ ጸሚኤ፥ ዓሪቐ፥ አብ ጸገም ነረ ኩሉ ጸጊሙኒ እንከሎ ከምዘይረአኹምኒ ሓሊፍክሙኒ ኢኹም ሕጂ ካባይ ርሓቑ”። እዚ ዝብኸበደ መቕጻዕቲ እዩ።
ዓሚቕ አፍልጦ ኃጢአት እንተ አሎና ካብ አምላኽ አይንርሕቕን ኢና። ብአንጻሩ አፍልጦ እንተ አሎና አምላኽ አብ ጎንና ከምዘሎ ፈሊጢና አብኡ ክንምለስ ዝሕግዘና እዩ። እቶም ካብ ኩሉ ዘሕዝኑ አብ ሕይወቶም አምላኽ ከምዘድልዮም ዘይሓስቡ እዮም። ምስ ተሓቱ ብዛዕባ ኃጢአት ዝብሃል ሓንቲ ሓሳብ የብሎምን፥ ብዝሓለፈን ዘሎን ሕይወቶም ሓንቲ ክርእዩ ዘይክእሉ እዮም። ገሊኦም ብሓደ ዓቢ ገበን ዝገበርዎ ምኽንያት አምላኽ ከምዝይምሕሮም ከምዘይአፍቅሮም ገሮም ይሓስቡ፥ ሽዑ አብ አምላኽ ከይተመልሱ ብቐትሩ ጸልማት ተኸዲኖም ይነብሩ። እንተ ኾነ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ክምሕር ምስ ደለየ እዩ ሓንትስ ክንምለስ ንድለ እምበር። ካባና ዝድለ ተስፋ ከይ ቆረጽና ክንምለስ “ጸሎት ትሑት ሰብ ንደመናታት ይስንጥቕ. . . . ጎይታ ክመጽእ አይድንጒን እዩ” (ሲራክ 35፡12-14)። ኦ አምላኽ አባኻ ክምለስ ሓግዘኒ ንበሎ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ









All the contents on this site are copyrighted ©.