2013-10-31 16:23:35

ብፁዕ ኣቡነ ካርባሎ፦ ቅልውላው ጸዋዕታ ብቀጻሊ መደብ ሕንጸት ምግጣም


RealAudioMP3 ናይ መናንያንን ናይ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ማኅበራት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኾሰ ሮድሪገዝ ካርባሎ ኣብቲ ዕለት 30 ጥቅምቲ 2013 ዓ.ም. ተቛም ፍራንቸስካዊ መንፈሳዊነት ሮማ ኣብ ዝርከብ ጳጳሳዊ ኣንቶኒያኑም መንበረ ጥበብ ብዛዕባ ቅልውላው ጸዋዕታ ብቀጻልን ቀዋምን ሕንጸት ምግጣም ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ኣብ ዘዳለዎ ዓውደ መጽናዕቲ ተረኺቦም ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ዘሎ ቅልውላዊ ጸዋዕታ ገዳማዊ ሕይወትን ናይ መንፈሳዊ ማሕበራትን ኣመልኪቶም ድሕሪ ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝካይደዎ ቃለ መሕትት፦ ብዙሕ ጊዜ ብዛዕባ ዋሕድን ቅልውላውን ጸዋዕታ ገዳማዊ ሕይወትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ክዝረብ እንከሎ ክንድዚ ኣትዮም ክድዚ ዝኣኽሉ ድማ ገዳማዊ ሕይወት ሓዲጎም ወጺዮም ብዝብል ጭብጥ ኩነታት ገዳማዊ ሕይወትን መንፈሳዊ ማሕበራትን ብኣሃዝ ክግለጽ ጥራሕ ከምዝረአይን፣ ኰይኑ ግን እሙናት ኮይኖም ገዳማውን ኣባላት መንፈሳዊ ማሕበራት ጸዋዕታኦም ኣጽኒዖም ሕይወቶም ብእማኔ ዝነብሩ ዘይግለጹን ዘይዝከሩን ኮይኖም እዮም ዝተርፉ፣ ስለዚህ ብቐረባ ከምእተዓዘብክዎ ይብሉ ብዙሓት ካህናትን ደናግልን ኣሕውን ገዳማዊ ሕይወቶም ብሓልዮት ኣምላኽ ኣጽኒዖም ዝነብሩ ብዙሓት እሙናት ኣለዉ፣ ስለዚህ ብዛዓባ እዚኦም እሙናት ኣብ ጸዋዕታኦም ምዝራብ ጸዋዕታ ምትብባዕ ጥራሕ ዘይኮነስ ነት ኣብ ዓለም ዝረአይ ዋሕዲ ድዩ ቅልውላው ጸዋዕታ ንምግጣም ዝድግፍ እዩ፣ እቲ ቅልውላው እውን ብቀጻልን ቀዋምን መደብ ሕንጸት ዝግጠም እዩ ኢሎም።
ናይ ጸዋዕታ ቅልውላው መንቀሊ ቅድም ቀዳድም ኣብ መንፈሳውነትን እምነትን ምድካም እዩ። ስለዚ ብቐዋምን ቀጻልን መደብ ሕንጸት ናይ እምነት ተመክሮን መንፈሳውነትን ብምንቕቓሕን ምብርታዕን፣ ቀዳምነት እግዚኣብሔር ኣብ ሕይወት ብምሕያል ዝግጠም እዩ። ቀጺሉ ከም ካልኣይ መንቀሊ ጉድለት ፍትወታዊ ሕይወት እዩ። ስለዚህ ነዚ ድማ ነቲ ናይ መንፈሳዊ ማሕበራት ማሕበራውን ሕውነታውን ቤተ ሰብኣውን ሕይወት ብምሕያል ዝግጠም እዩ። ስለዚህ ጉድለት ፍትወታዊ መንፈስ ንብዙሓት ነዚ ዝጐደሎም ሕይወት ካብ ማሕበሮም ወጺኦም ንኸናድዩ ስለ ዝድርኾም፣ ቀስ ብቐስ ኣብ ጸዋዕታ ምዝሕታልን ቀጺሉ ድማ ገዳማዊ ሕይወት ንምሕዳግ ይበጽሑ ምስ በሉ ጉድለት ፍትወታዊ ሕይወት ቀንዲ መሰረት ቅልውላው ጸዋዕታ ገይርካ ምሕሳብ ድማ ጌጋ እዩ ኢሎም።
እንነብረሉ ዘሎና ዓለም ዝኽተሎ ባህሊ ንጸዋዕታ ዝድግፍ እውን ኣይኰነን፣ እዚ ግን ዝነበረን ዝጸንሔን ኩነተ እዩ። ኣብ እዋን ቅዱስ ፍራንቸስኮ ፍልይ ብዝበለ መልክዕ እውንት እንተኾነ ኔሩ እዩ፣ ኣብዚ ኩነት ዝንበር መንፈሳውነት ብርቱዕ እዩ ዝኸውን፣ ኣብቲ ፈተናን ቅልውላውን ኣብ እምነትን ምዝሕታልን ዝረኣየሉ እዋንን ሕሉፍ ዓለማውነት ባህሊ ኣብ ዝሰፍሓሉ ከባቢ ዝርከብ ጸዋዕታ ጽኑዕን ኣብነት እዩ፣ እዚ ድማ ጸዋዕታ ፍቓድ ሰብ ዘይኮነስ ፍቓድ ናይቲ ዝጽውዕ እግዚኣብሔር ጸጋ ምዃኑ የረጋግጸልና። ጸዋዕታን ኣብ ጸዋዕታ እማኔን ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ፣ እቲ ጸጋ ምቕባል ድማ ናይ ሰብ ግደ እዩ ቢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣብዚ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.